Tigrigna.Voanews.com: ‘ሕቶ ኤርትራ ሕቶ መግዛእቲ‘ዩ’’ ዝብል መርገጺ ህውሓት ዳግም ክምርመር ኣለዎ ኢሎም ኣቦይ ስብሓት ነጋ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Fri, 31 Oct 2014 06:01:36 +0100


‘ሕቶ ኤርትራ ሕቶ መግዛእቲ‘ዩ’’ ዝብል መርገጺ ህውሓት ዳግም ክምርመር ኣለዎ ኢሎም ኣቦይ ስብሓት ነጋ


ገብረ ገብረመድህን

31.10.2014

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ/ህውሓት/ ‘’ሕቶ ኤርትራ - ሕቶ መግዛእቲ‘ዩ’’ ክብል ኣብ ፖለቲካዊ ፕሮግራሙ ዘስፈሮ መርገፂ ዳግም ክምርመር ዘለዎ እዩ ኢሎም ንነዊሕ እዋን መራሒ ህውሓት ዝነበሩ ኣቶ ስብሓት ነጋ።ነፃነታ ኤርትራ ግና ኣየናስሐናን ኢሎም።

‘’ልኡላውነትን ዴሞክራስን ኣብ ኢትዮጵያ’’ዘርእስታ ብኣቶ ገብሩ ኣስራት ኣብ ልዕሊ ዝተፅሓፈት መፅሓፍ ህውሓት ንጉዳይ ኤርትራ ዝሓዘሉ ኣገባብ ሓቲትናዮም ህዝቢ ኤርትራ ንነፃነት ዘለዎ ህረፍን ዝበፅሖ ግፍዕን ኣብ ግምት ብምእታው ነፃነት ክረክብ መርገፂ ህውሓት ከምዝነበረን ዘናስሕ እውን ከምዘይኮነን ኣቶ ስብሓት ነጋ ሓቢሮም።

 ሕቶ ኤርትራ መግዛሕታዊ ሕቶ እዩ ዝብል ህውሓት ኣብ ፕሮግራሙ ዘቐመጦ ዳግም ክምርመራን ክረአን ኣለዎ ኢሎም።

ምስ ኵናት ኢትዮጵያ ኤርትራ ብዝተኣሳሰረ እውን እቲ ኵናት መንግስቲ ኤርትራ ብዝሓዞ መርገፂ ክካይድ’ዃ እንተነበሮ ኢህወዴግ ንዲፕሎማሲያዊ መስርሕ ዕድል ኣይሃበን ኢሎም ኣቶ ስብሓት ነጋ።

ብዛዕባ ኩነታት ግዕዝይና ኣብ ኢትዮጵያ ተሓቲቶም ኣቦይ ስብሓት ነጋ ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ክትወዳደር ከላ የለን ክብሃል ከምዝክኣልን ምስ ዝተቓለስሉን ኩነታት ኢትዮጵያን ግን ‘’እወ ግዕዝና ኣሎ፤ብዘይውዓል ሕደር ክንምክቶ ኣለና’’ኢሎም።


ሓድሽ ኣጠማምታ ኣቦይ ስብሓት ነጋ-ኣብ‘ዚ ታሕቲ ዘሎ ሰንሰለታዊ ጥቢቆ ጽሑፍ ጠዊቕካ/ኪ ስማዕ/ምዒ። ብርሃነ


http://tigrigna.voanews.com/audio/2503142.html

Sibhat NegaSibhat Nega

 




image002.jpg
(image/jpeg attachment: image002.jpg)

Received on Fri Oct 31 2014 - 11:18:14 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved