Raimoq.com: ዘረባ ዕዳጋ ካብ ቀንዲ “ስነ ኣእምሮኣዊ ኲናት” 2ይ ክፋል

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Tue, 28 Oct 2014 19:07:21 +0100


ዘረባ ዕዳጋ ካብ ቀንዲ “ስነ ኣእምሮኣዊ ኲናት” 2ይ ክፋል


ብወድ ሃገር

28.10.2014

ጸወታ ወይ ኲናት ኣብ ኣእምሮ ንምክያድ ኣዝዩ ደቂቕ መጽናዕትን ምርምርን ምክያድ ኢዩ ዝጠልብ። ነቲ ብስነ ኣእምሮኣዊ ሓይሊ ኪጥቓዕ ዝድለ ህዝቢ፣ ትካል ዋላ’ውን ውልቀ ሰብ፤ ደቂቕ ሓበሬታኡ ክትፈልጥ ትግደድ። ናይ ጸላኢ ኣተሓሳስባ፣ ድሌትን ባህልን ልምድን፤ ኩነታዊ ዓቕምን ዕድልን ናይ መጻኢ ተኽእሎታቱን ብምግምጋም ክሳብ እቲ ዝተሓተተ እዋናዊ ድኽመታቱን ብልጭታቱን ክትዝርዝር ትድረኽ። ነዚ ሓበሬታ እዚ ንምውህላል ከኣ እኹል ጻዕርን ወፍርታትን ምክያድ ናይ ግድን ይኸውን። ንወፍሪ ስነ ኣእምሮኣዊ ኲናት ዝወጽእ ባጀት ዝያዳ እቲ ኣብ እዋን ኲናት ዝፈስስ ባጀት ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት። ናይ ኲናት ሓንጻጺ ወተሃደራዊ እስትራተጂ ቻይናዊ ሳን ጹ ብዛዕባ እዚ ዝምልከት ሰፊሕ ትንታነ ኢዩ ኣቕሪቡ ሓሊፉ።

ቻይናዊ ሓንጻጺ ወተሃደራዊ እስትራተጂ ሳን ጹ፣ ስነ ጥበብ ኲናት ብዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ ኣተሓሳስባታት ኢዩ ኣቕሪቡ። እቲ ኣተሓሳስባታት ኣይኣረገን። ኣብዚ እዋን እዚ’ውን፣ ድሕሪ ናይ ኣስታት 2 ሽሕ ዓመታት ብግብሪ ይሰርሕ ኣሎ። ገለ ካብቲ ንሱ ዝጠቐሶ ኣተሓሳስባታት፤ “ኣብ ዓውደ ውግእ እቲ ዝዓበየ ንጸላኢ ከጥቕዕ ዝኽእል ሓይሊ እስትራተጂ ጸላኢ ምፍላጥ ኢዩ። ድሕሪኡ ዚስዕብ ካብ መሻርኽቱን ሓገዝቱን ደገፍ ከይረክብ ምንጻልን ንሰራዊቱ ሞራሉ ምህራም ኢዩ። እቲ ዝሓመቐ ሕንጻጽ ኣብ ውግእ ምድብዳብ ከተማታት ኢዩ። ብዘይካ’ዚ ካልእ ኣገደስቲ ነጥቢታት’ውን ዘርዚሩ ኢዩ።

ሳን ጹ፣ ንኲናት ካብ ዝጸልዉ መሰረታዉያን ረቛሒታ ኣስፊሩ። እቲ ብኣውራ ዝጥቀስ ግናይ ጽልዋ ወይ ምድኻም ሕልና ህዝቢ ኢዩ። እዚ ማለት ህዝቢ ኣብ መሪሕነቱ ምጥርጣራት ብምፍጣር ውህደቱ ክዝረግ ይኽእል። ተወሳኺ ናይዚ ትዕዝብቲ ብዘይ ኲናት ናብ ጸላኢ ምንብርካኽ ቲ ዝለዓለ ጫፍ ናይቲ ክእለት ኢዩ። ሳንጹ፣ ስነ ኣእምሮ ጸላኢ ንምቕታል “ንጸላኢኻ ምንእኣስ ኢዩ” ይብል። ውጽኢቱ ዝተፈላለዩ ጽሑፋቱ ከም ትእዛዝ ሓኪም ዝውሰዱ ምኽርታት ዛጊት ይሰርሑ ኣለዉ። ስነ ኣእምሮኣዊ ኲናት ንድፊ ኢዩ። ብመገዲ ርኽክባት ንናይ ሰባት ኣተሓሳስባን ምጽላዉን ባህርያቶምን ንምቕያር ዘኽእል ሓይሊ ኢዩ። ብፖለቲካዊ ወተሃደራዊን ስነ ሓሳባዊ ተግባራት ናብቶም ዒላማ ዝኾኑ ኣካላት ሕብረተሰብ ብባህሪ ስምዒትን ኩነተ ሃዋሁው ብምትንካፍ ካብ ውዱዕ ሃገራዊ ጉዳያት ምእላይ።

ስነ ኣእምሮእዊ ስርሒታት ከም ኣምር ብፍላይ ከኣ ምስ ፖለቲካዊ ኲናት፣ ንታክቲካዊ ወይ ስትራተጂያዊ ስርሒት ዘመላኽት ኮይኑ ኣብ ዓውደ ውግእ ወይ ቤተ ተዋስኦ(ትያትር) ኣብ ግዜ ሰላም ይዂን ኣብ ውግእ የገልግል። መጥቓዕቲ ናይዚ ኲናት ቅድም ኣእምሮ ድሒሩ ናብ ኣካል ይቕጽል። ተመራመርቲ ታሪኽን ናይ ስነእእምሮ ምሁራንን ኣብ እዋን ኲናት ታንክቲካዊ ሜላ ኣድማዒ ምዃኑ የረጋግጹ።

እቲ ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝልኣኽ ረቂቕ ሓሳባት ኣዝዩ ዝተጸንዐ ሓበሬታን ዝተሃወሃሃደ ስርሒትን ኢዩ። ንስምዒት ዝድርኹ ኣገባባትን ጽልዋ ብዘሕድሩ ኣርእስታትን ብፍላይ ከኣ ኣብ ምኽኑይን ወድዓውን ዛዕባታት ይምርኮሱ። ልዕሊ ኲሉ ምቕያር ባህርያት ናይ ካልኦት ሃገራት፣ ንግስቲ፣ ማሕበራት፣ ትካላት፣ ጉጅለታትን ውልቀሰባትን ኣብ ቅድሚት ይሰርዖም። ሕላነ ስነ ኣእምሮእዊ ኲናት ንናይ ኻልኦት ሃገራት ህዝቢታት ብምንቕቓሕ፣ ብምድፍፋእ ንናይ ገዛእ ርእሶም ባህርያት ንምቕያር ይንደፍ። ሓደ ካብ መትከላዊ ተልእኾ ስነ ኣእምሮኣዊ ኲናት ንሰራሕተኛታት ናይ ሓደ ትካል ብፍላይ ከኣ ብሓባር ንዝዓዩ ሰባት ዒላማ ንምግባር ንዕኦም ዝትንክፍ ዛዕባ ምልዓል ኢዩ። ንላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣዝዮም ወሰነቲ ካድራትን ኣዘዘቲ ሰራዊትን ታርጌት ይገብሮም። ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተሓደሰ ኣገባብ ስነ ኣእምሮዊ ኲናት ውሁድ ሓበሬታዊ መደባት ኢዩ። እዚ ሜላ ንሰለስተ ዕላማታት ኢዩ ተበጊሱ።

1 ብፖለቲካዊ ድርኽት ምንቅስቓስ ብምፍጣር ንናይ ምልኻል ዓቕሙ ብዝተፈላለየ ሜላ ብምድኻም ነቲ ዝለዓለ ጎነጽ ምሕያል።

2 ብመገዲ ኢንተርኔትን ካልኦት ቴክኖሎጂያዊ መራኸቢታት ብፍላይ ከኣ ነቲ ልዕሊ ቁጽጽር መንግስቲ ዝኸውን ዋሕዚ ሓበሬታ ዶብ ሰጊሩ ናብቲ ዝድለ ቦታን ክበጽሕ ካብ ዘኽእሉ መገዲታት ኢዩ። ንመልእኽቲ ስነ ኣእምሮኣዊ ኲናት ክጾሩን ናብ ተመልከትቶም ወይ ተዓዘብቶም ብመገዲ ብሕውነትን ዕርክነትን ከብጽሑ ይኽእሉ።

3 ምስፋሕን ምዕባይን ዓለም ብፍላይ ምኽታም ኣብ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ጽምዲ ኣገባት ምኽታል። ኣብ ኩሉ ብምህላውን ዓለምለካዊ ተቐባልነት ዜለወን ማዕከናት ዜና ብምቁር ዝመስል ቓላት ብብዘይ ብረት ምምራኽ። ምርግጋጽ ዕብለላን ኣብ ህዝቢ ተቐባልነትካ ምዕዛዝ።

ዘመናዊ ስርሒት ስነ ኣእምሮኣዊ ኲናት ብዝሓየለ መልክዑ ክስርሓሉ ዝጀመረ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ምዃኑ ይእመን። ቀላሲት ናይዚ ሓሳብን ቀንዲ ተግባሪትን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ምዃኑ ብሰፊሕ ይግለጽ። ኣመሪካ ካብ መፋርቕ 1950ታት ኣትሒዛ ዓቢ ወፍሪ ብምክያድ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝርግሐ ኣካይዳን ተካይድን ኣላ። ርሑቕ ዝጠመተ መደባት ንምትግባር ኣዝዩ ረቒቕ ሰኪዔታት ስራሕ ብምፍጣር ክሳብ ንውልቀ ሰባት ምዕሳብ ሰሪሓን ትሰርሕ ኣላን። ኣብዚ ሰኪዔት ስራሕ እዚ ቀዳሞት ዒላማ ዝኾኑ ኣካላት ሕብረተሰብ ሞያተኛታት ናይ ዝተፈላላዩ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ኮይኖም ጋዜጠኛታት ፖለቲኸኛታትን ወተሃደራዉያን ምሁራት ናይ ስለያዊ ኣካላትን ብኣውራ ይጥመቱ። ናብዞም ኣካላት እዚኦም ዝቐንዐን በዞም ኣካላት ዝቕለስን መጠነ ሰፊሕ ስነ ኣእምሮኣዊ ኲናት ንምክያድ ዘይተኣደነ ቁጠባዊ ወፍሪ ተካይድ።

ነቲ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ዝተበገስ ስነ ጥበብ ኲናት ኣብ ኣእምሮ ብዘመናዊ መልክዑ ብምምዕባልን ምስ ቴክኖሎጂያዊ ምህዞታት ብምውሳብ ቀንዲ መጋበርያ ትጥቀመሎም። ናብ መላእ ዓለም ዝሽፍን መርበባት ትዝርግሕን ዕብለላኣ ንምርግጋጽ ትሰርሕን ኣላ። ኣእምሮ መላእ ዓለም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ንምውዓል እቲ ሰክዔትናብ ጸቢብ ዓንኬል ብምውራድ ናብ መላእ ማሕበረሰብ ዓለም ዶብ ብምጥሓስን መሰል ብሕትውና ብምግሃስ ትሰርሕ ምህላዋን ካብ ማንም ዝኸወን ምስጢር ኣይኮነን። ኣሰራርሓኣ እንታይ ይመስል? እትጥቀመሎም ሜላታት ከ እንታይ ይመስሉ?

ዘመናዊ ስርሒት ኲናት ኣብ ዓውደ ኣእምሮ ንምክያድ ንዝተፈላለያ ትካላት ኣብቲ ወፍሪ ከም ዝጽመዱ ንምትግባር ሓድሽ ወተሃደራዊ ኢንዱስትሪ ኢያ ተኺላ፥ ኣውራ መጋበርያ ናይዚ ኢንዱስትሪ ጥበብ ምትላል ኢዩ፥ ኣእምሮ ሰባት ብዝተፈላለዩ ሜላታት ብምጽማድ ዝድለ ሽቶታትን ዕላማታትን ምውቓዕ ኢዩ፥ ኣብቲ መጀመርያ እዋን ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ንኣተሓሳስባ ዴስነት፣ ካብ ኣእምሮ ሰባት ምድምሳስን ምሕኻኽን ነበረ። ነዚ ወፍሪ እዚ ዝመርሐ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ዝኾነ ኣምባሳዶር ኣመሪካ ኣብ ሞስኮ ዝነበረ ጆርጅ ከንናን ኢዩ።

ጆርጅ ከንናን ኣብ ዝሑል ኲናት ዓቢ ተራ ካብ ዝተጻወቱ ሰበ ስልጣን ኢዩ። ንሱ፣ ካብ ፖለቲካዉን ዲፖሎማሲያዊ ተልእኾኡ ኣብ ስለያ ሓበሬታ ኢዩ ተዋፊሩ። ምሓበረ ቁጠባዊን ፖለቲካውን ወተሃደራውን ምንቅስቓስ ሕብረት ሶቬት ብዝደቐቐ ካብ ምክትታል ሓሊፉ ገምጋማዊ ጸብጻብ ኬቕርብ ተራእዩ። ነቲ ሕብረት ሶቬት በብእዋኑ ትሃንጾ ዝነበረት ወተሃደራዊ ዓቕሚ ብምምዝጋብ ነቲ ሓይሊ እቲ ክጻባእ ዝኽእል ዝተፈላለየ ቀጥታዉን ብተዘዋዋርን ኣገባብ ንዝነበረ ቋንቋ ታህዲድን ምፍርራሕን ካብ ዋሽንግቶን ከም ዝልኣኽ ሰሪሑ። ነቲ ዝያዳ ዕስራ ዓመታት ዘጽንዖ ፖለቲካዊ ኲነታት ሕብረት ሶቬት ምስ ሃገሩ ዝህልዉ ምትፍናን ብምግምጋም ኣንፈቱን መጻኢኡን እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ተተንብዩ። ኣብቲ ዘቕረቦ ገምጋም እቲ ምስ ሕብረት ሶቬት ክህልዎም ዝኽእል ብሓባር ናይ ምስራሕ ዕድል ኣዝዩ ንኡስ ምዃኑ ብምምልካት ሃገሩ ኣብ ብስነ ኣእምሮኣዊ ኲናት ወሳኒ ስጒምቲ ክትወስድ ሓሳብ ኣቕሪቡ። ኣብ ልዕሊ እቲ ሃገር ወሰንትን ብቑጽሪ ዘይውሑዳት ስጉምቲታት ኪውሰዱ ኣዘኻኺሩ። ፖለቲካዊ ውግእ ብትካል ብፍላይ ከኣ በቲ ኣብቲ እዋን ዝተመስረተ ማእከላይ ወኪል ስለያ ክኸውን ኣፍሊጡ።

||>> ዘረባ ዕዳጋ ካብ ቀንዲ “ስነ ኣእምሮኣዊ ኲናት” 1ይ ክፋል <http://www.raimoq.com/mental-control-by-a-physio-war-part1/>

 

Received on Tue Oct 28 2014 - 14:07:27 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved