Raimoq.com: ዘረባ ዕዳጋ ካብ ቀንዲ “ስነ ኣእምሮኣዊ ኲናት” 1ይ ክፋል

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Tue, 28 Oct 2014 15:50:46 +0100

ዘረባ ዕዳጋ ካብ ቀንዲ “ስነ ኣእምሮኣዊ ኲናት” 1ይ ክፋል

ብወድ ሃገር

28.10.2014

war mind ንሓደ ኣቦ ብርሑቕ ዝብጽሖም ዘመድ፤ ቀጻሊ ዘዝተናፈሰ ወረ ሒዝሎም ናብ ገዝኦም ይመላለስ ነበረ። እቶም ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ኣቦ፤ ኩሉ ግዜ ነቲ ወዲ ኣይቅበልዎን። ኣትሪሮም’ውን ይነቕፉዎ። “ያእ! እዚ ከምዚ ኣይኮነን። ተጋጊኻ? መን እዩ ከምዚ ኢሉካ? ኣዳቂቕካዮ ዶ? ኣይፋሉን! ከምዚ ዝብሃል የለን? ደጊምካ ኣጻርዮ! ብኽልተን ሰለስተን ኣረጋግጾ። ንእገለ እገለ ኢልዎ። ንእገለ ኸኣ እገለ ነጊርዎ። እገለ ካብ እገለ ሰሚዑ፤ እገለ ከምዚ ክብል ‘ሰሚዐዮ’ ኣይትበል። በጃኻ ወረ ረኺበ ኢልካ ሃበ ተረኽበ ዘረባ ኣይትደገም፤ ነውሪ ኢዩ። ዘረባ ዕዳጋ ኔው በሎ” ብምባል ይነጽጉዎ። እታ ‘ዘረባ ዕዳጋ’ ትብል ሓረግ ደጋጊሞም ኢዮም ዘዘትሩዋ። ዘረባ ዕዳጋ፣ ዘይተጻረየን ዘይተረጋገጸን ወረ ንምግላጽ ኢዮም ዚጥቀሙላ። እቲ መቐባበሊ ዘረባ ዝኾነ ዘመዶም፣ ብተረርቲ ሕቶታቶም ከይተዳህለ ተመላለሶም። እቶም ኣቦ ከርሕቕዎ ሰለ ዝደለዩ፣ “ዘይተጻረን ዘይተረጋገጸን ‘ዘረባ ዕዳጋ’ ሒዝካ ኣይትምጻኒ። ምስ ሓሶትካ ናብቶም ዝሰምዑኻን ዝኣምኑኻን ኪድ” ኢሎም ኣፋነዉዎ። ምስዛ ተግሳጽ ካልእ ምስላዊ ዛንታ ትተኣሳስር ኢያ።

“ቊሪ፣ ናበይ ደሊኻ?”
“ናብቶም ክዱናት”
“እቶም ዕሩቓት ከ?”
“ንሶቶም’ሲ ትሑዛት ኢዮም!”

እዛ ዝርርብ እዚኣ ዓሚቚ ትሕዝቶን መልእኽትን ዝሓቖፈት ኢያ። ምስ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ስነ ኣእምሮኣዊን ባህላዊን ኩነታት ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ዝሳነ ረዚን ትርጉም ትፈጥር። ሚዛን ምስትውዓልን ኣስተህብሎን ናይ ሰባት’ውን ትዕቅን’ያ። ዕሩቕ ዝብሃል ሰብ፣ እቲ ዝኽደን ቅያር ልብሲ ዝሰኣነ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ውሽጣዊ ክብርታት ዘይብሉ ኢዩ። እቶም ንሓደ ሰብ ክዱንን ሕፉርን ረዚንን ከቢድን ኢዩ ዘብልዎ፣ ራእይ፣ ተስፋ፣ ጽንዓት፣ ዓቕልን ተጻዋርነትን መሰልቶምን ኢዮም። እዞም ክብርታት እዚኦም ዝውሕድዎ ወይ ዘይብሉ ሰብ፣ ዕሩቕ ክስመ ይኽእል። ድርዕቶ ተኸዲኑ ክመውቕ ኣይክእልን።

እቲ ውሽጡ ዝዓረቐ ሰብ፣ ዝነፈሰ ንፋስ ከገልባጦ፣ ዝወረደ ቀዝሒ ከኸርድኖ ይኽእል። ብቐደሙ ህሱይ ብምኳኑ’ውን ቁሪ፣ ንዕኡ ዝኸውን ግዜ ከጥፍእ ኣይደልይን። እንታይ ድኣ ነቶም ክዱናት ማለት ዘይጽዓድ መንፈስ፤ ዘይበርስ ሕልና፤ ክኣልነት፣ ውህደትን ስጥመትን ናብ ዝውንኑ ኣካላት ሕብረተሰብ ይግስግስ። ይቃለስ ከኣ። ብዘይምሕላል ነቲ ክዳንን ዓሚቊ ክብርን ውሽጣዊ ሓይሎም ቀንጢጡ ግዳይ ክገብሮም ድቃስ ለይቲ ይስእን። ህቦብላን ዘርጊቶ ንፋስን ወሲኹ ርግኣቶምን ዓቕሎምን ብምስናፍ ናብቶም ትሑዛት ክጽምብሮም ይሕልን።

እዚ ነዊሕ መዋእል ዝገበረ ኣተሓሳስባ እዚ፣ ኣብዚ ምዕቡል ዘመን’ውን ቅርጹን ቅኒቱን ብምቕያርን መጠን ዝርግሓኡ ብምስፋሕ ኩለንታዊ ቚሪ ብምኳን ንሕብረተሰብ ዓለም ብሓፈሻ ንውልቀ ሳባትን ትካላትን ብፍላይ ግዳይ ንምግባር ኣብ ሰፊሕ ዘመተ ይርከብ፣ እቲ ረቂቕ መሳርያ ስነ ኣእምሮኣዊ ኲናት።

ሓፈሻዊ መግለጽን ትርጉምን ስነ ኣእምሮኣዊ ኲናት ደቅ ሰባት ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ተጻብኦታት ንምምካት ዝተፈላለዩ ብልሓታት ክጥቀሙ ተራእዮም ኢዮም። መምስ መድረኹ ዝሳነ ብልሓት ብምምሃዝ ንጸላእቶም የጥቅዑን ካብ ጸላእቶም ይከላኸሉን። ወዲ ሰብ ብሓባር ኣብ ማእቶት ክሳተፍ ካብ ዝጅምር ብፍላይ ከኣ፣ ኣብ ዘበን ምልቓምን ምምእራርን ፍረታትን ብዓቢኡ ኣብ ሃድን፣ ነቲ ካብ ኣራዊት ዘጋጥሞም ዝነበረ ተጻብኦ ንምምካት ሜላታት ኬዘውትሩ ተገዲዶም። ናይ እሳት ቃጽሎ ብምፍጣርን ብማዕዶ ከም ዝርአ ምግባርን ሓደ ካብቲ ብዙሕ ኣብነት ኢዩ። ማሕረስ ኣብ ዝተጀመረሉ’ውን ነቲ ብኣዕዋፍ ሰማይን ካልኦት ኣራዊትን ዘጓንፎም ዝነበረ ብርሰት ንምክልኻል፤ ምስሊ ናይ ሰብ ወይ ካልእ ተጻባኢ እንስሳ ብምስራሕ ንኣዕዋፍ ሰማይ ከባርሩወንን ከም ዘይዓልባን ኪገብሩወን ተራእዮም። ድሒሩ ኣብ ዝመጸ ምዕባለታት፣ ምስ ምምሕባርን ንሱ ዝፈጠሮ ምምሕዳራዊ ቅርጺን ከም ንግስነትን መስፍንነትን ዝተራእየ ሓድሕድ ምጥቕቓዕን ምክልኻልን ምቛም ዓስከር ኣስዒቡ። ሰራዊት ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይዂን ኩነታት ንዝኣመነሉ ዕላማ ወትሩ ድልዊ ክጸንሕን ብኣዋጅ ክኸትትን ናይ ግድን ኢዩ። እዚ ዓይነት ድልውነት ንምክልኻልን ምጥቓዕን ክሳብ እዚ ዘሎናዮ መዋእል ሓበሬታ ይሰርሕ ኣሎ። ሓያለ ነዚ ጥበብ እዚ ዝራቐቕሉ ናይ እስትራተጂ ኪኢላታት’ውን ማዕቢሎም። ኣብዚ ዘመናዊ ምቛም ሃገራትን ሻርነታትን ልፍንትን ዳሕረዋይ መድረኽ ዓለም፣ ኣብ ትሕቲ ክልተ ሓይልታት ኣብ ዝተገምዓትሉ’ውን እቲ ናይ ምጥቓዕን ምክልኻልን ሓይሊ ክንዮ ወተሃደራዊ መሳርያን ቁጠባን ፖለቲካን ዝኸደ ካልእ ብልሓት ብዝረቐቐ መልክዑ ክስራሓሉ ተራእዩ። ንሱ ከኣ ኢዩ ስነ ኣምሮኣዊ ኲናት፣ እቲ ረቂቕ መንፈስ ዘጥቅዕ መሳርያ።

ታሪኽ ከም ዘረጋግጾ ኣብ ዓውደ ውግኣት ሰራዊት ጠሪሽኻ ብምቕታል ኲናት ኣይዛዘምን። ርእስን ማእከል እዝን ወይ ኣእምሮ ብምስዓር ኢዩ ዓወት ዝረጋገጽ። ስለ ዝኾነ፣ እቲ ኲናት ብዝሰፍሐ መልክዑ ኣብ ኣእምሮ ክካየድ ናይ ግድን ይኸውን። እዚ ብፍሉይ ፈኲስ ብረት (ወይ መሳርያ) ዝካየድ ውግእ ኣብ ዓውደ ኣእምሮ እምበኣር’ዩ፣ ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ፣ ሃልሃልታ ቀትሪ ተሰምዩ ዘሎ። ርቕቕ ዝበለ ኣገባብ’ውን ይኽተል ኢዩ።

ዓውታ ግደፍ። ደጋጊምካ ሕሹኽ በል።ኣሕሾዂሽኽ። ኣይተዕረፍ። ሓደ ዓይነት ቃላት ተዛረብ። ቓላት ይውህለሉ ኢዮም።ተኣኪቦም ናብ ኣእምሮ ይሰግሩ። ኲርናዕ ይፈጥሩ። ብምሒር ምድግጋም የንህሉ። ሕሹኽታ ሓሶት፣ ሓቂ ክመስሉ ኢዮም። ብግዜ ኣብ ልቢ ክሓድሩ ኣብ መንፈስ ክሰርጹ ይኽእሉ። ካብ ዓውታ ሕሜት ሕሹኽታ ይስማዕ። እዚ ሕሹኽታ’ዚ ከም ኲናት ኢዩ ዝውርውር። ዋልታ በሲዑ ግንባር ልቢ ክትርትር ይፍትን። እንተኽኢሉ ጽኑሕ ኣተሓሳስባ ይሰብር። በቲ ዝድለ ዕላማ ኣብ መወዳእታ ባህሪ ይቕይር። ሓሶት ምስ ዝደጋገም መተካእታ ሓቂ ክመስል ስለ ዝኽእል። እዚ ውጥን እዚ ረቂቕ ጥበብ ኢዩ፣ ጥበብ ስዉር ሃልሃልታ። ዘይርአ ቃጸሎ ከም ሃልሃልታ ቐትሪ። ሃልሃልታ ብጸላም ኢዩ ዝርአ። ብርሃን ጸሓይ ክሳብ ዘይሸፈኖ ካብ ትርኢት ዓይኒ ኣይስወርን። ምስውዓል ምትእስሳርን ምንቃሕን ናይ ኩሉ ሃዋሳት እንተዘይተሓዊስዎ ኸኣ፤ ክጸሉ፣ ክልብልብ፣ ከቓጽል፣ ከንድድን ናብ ሓሙኽሽቲ ክቕይርን ይኽእል። እዚ ሃልሃልታ እዚ ወትሩ ተጻባኢ ኢዩ ኣጒዱ ዘናኽሶ። ብስዉር ኣገባብ ምቁር ብዝጥዕም ምንኻስ ይፍጸም። ሓቂ ብዝመስል ነገራት ይጽሕተር። ጥንቓቐ እንተዘይተጌርሉ ዘኸትሎ ሳዕቤን ቀሊል ኣይከውንን። ብሓጺር ኣገላልጻ መንፈስ እንተድኣ ተሰቢሩ ሓይሊ ይስዕር። ልቢ ይሰብር። ንምኳኑ፣ እዚ ተወዲቡ ዝካየድ ስርሒት ስነ ኣእምሮኣዊ ኲናት እንታይ ማለት እዩ?

በበይኖም መድረኻት ነናይ ገዛእ ርእሶም ስያመን ትርጒምን ሂቦሞ ኢዮም ሓሊፎም። ዝተፈላለየ ኣምር ብምሓዝ’ውን ክሰርሕ ጸኒሑን ኣሎን። እቲ ሰፊሕን ዝተሓላለኸን መግለጺኡ ጽሙቚ ብዝበለ ገጹ ክርኣ እንከሎ፣ ኣብዞም ዝስዕቡ ነጥቢታት ክጥርነፍ ይክኣል።

ንናይ ጸላኢኻ ወይ ጸላኢትኻ ዕላማ፣ ርእይቶ፣ ስምዒት፣ ዝምባለን ጠባይን ብምጽናዕ ብናትካ ኣተሓሳስባ ምጽላው ወይ ምልዋጥ፤ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሃገራዊ ዕላማታት ወይ ረብሓታት ንምርግጋጽ ኣበርክቶ ከም ዝህልዎ ንምግባር፤ ብውጥን ዝካየድ ፕሮፖጋንዳዊ ንጥፈታት ኢዩ። ንናይ ጸላኢኻ ኩነተ ኣእምሮ ዝጸሉን ንመንፈሱን እምነቱን ዝሰብር፣ ንኣተሓሳስብኡ ዝገምዕ ረቂቕ መሳርሒ ኢዩ። ንስነ ኣእምሮኣዊ ውግእ፤ እቲ ዕጥቂ፣ መሳርያ ወይ ግዑዝ ብረት ክኸውን ኣየገድድን። ኣጽዋር ብኻልእ መገዲ ኣብ ዕዮ ናይቲ ስርሒት ጸላዊ ቦታ ከም ዝሕዝ ኣየጠራጥርን።

ይቕጽል…

 

Received on Tue Oct 28 2014 - 10:52:14 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved