ሕፍረቱ ዝቐልዐ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሶማልን ኤርትራን

From: mhretab tedlla <tedllam_at_earthlink.net_at_dehai.org>
Date: Fri, 24 Oct 2014 08:57:07 -0500

ሕፍረቱ ዝቐልዐ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሶማልን ኤርትራን

እቶም ንዱያት መሰኻኽሩን

ቅድሚ ናብ’ቲ ብጎይቶት ህዝቢ ዓለም ፡ ንሓደ ተማእዚዙ ዘይከይድ ህዝቢ: ስርዓት: ሃገር፡ ንኽብተን ፡ ንኽዝረግ ፡ ነቶም ምርቓ ዝዀኑ ሕብርታት ናይ’ቲ ህዝቢ ናብ መርገም ቀይሮም ሃይማኖት : ቀቢላ : ኣውራጃ ፡ ቢሄር ወዘተ ኣብ ትሕተ-ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ከምዝጠማመትን ዝተፋነንን ጌርካ ንምምብርካኹ ዝተፈብረኸ ትእዛዝ። ልእኽቲ ወያነ ድማ ብጻብዕ ዝቑጸሩ ከድዓት ደቂ ሃገር ዓሲባ ፡ ብቐጥታ ምስ’ቲ ጉጅለ ዀይና ዝተተምየነ ዝምቡዕ ሰነድ ሓደ-ኽልተ ምባለይ ፡ ብዛዕባ’ቶም ናይ’ቶም ኣገልገልቲ ከደምቲ ቁርብ ወስ ከብል።

እዚ ንዓለምና መንድዓት ኰይንዋ ዘሎ “ኣህጉራዊ ስርዓት”፡ ወግሐ-ጸብሐ፡ ብሽም ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ሓያሎይ ሓላላት ሃገራትን ፡ ንጹሃት ህዝብታትን ፡ ዘይሕጋዊ ዓመጽን ቓጻን ኢዩ ዘካይድ ዘሎ። ሕልና ዘይብሎም ዘይመንግስታውያን ማሕበራት (NGO): "ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል" ኢና እናበሉ ሰብኣዊን ሃገራዊ መሰልን ንምግፋፍ ዓይኒ ዘይሓስዩ፡ ንረብሐኦምን ጣዕሞምን እምበር ንውጹዕ ዘይሓልዩ ሃርጋፋት ፡ ምእንቲ ስርሖም ከየቋርጾም ፡ ድራር-ዕለቶም ክይጐድሎም: ሃገራትን ህዝብታትን ንምብትታን ዘስደምም ጽሑፋትን ጸብጻባትን እናዀመሩ ከጣቑሱ ሰለም ከየበሉ ይሓድሩ ኣለዉ። ከም በዓል ዲኔሽ ማህታኒ ዝኣምሰሉ እሞ ኸኣ፡ ሕፋረቶም ቀሊዖም ፡ ብስም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ድሕነት ኤርትራ ብሓደ ሸያጥ ሃገር ዝዀነ ኤርትራዊ ክረጋገጽ ጻውዒት እናቕረቡ ፡ ኢድ ምስ ፈንጂ እዮም ተታሒዞም። እቲ ዘስደምም ግን እዚ ንዓለም ሰለሎ ኣእትዩላ ዘሎ “ኣህጉራዊ ስርዓት” ገበጣ ክጻወት ከም ዝተሳዕረ ሰብ : “ካብ ሓላፍነቱ ወሪዱ” ኢሉ ሓሊፍዎ ጥራይ ዘይኰነ፡ ነቲ ንሱን መሰልቱን ፡ ወያነን ከድዓትን ዘዳለዉዎ : ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ዕላማ ዝገበረ ሰነድ፡ ዓይኒ ሕፍረት ዘይብሉ፡ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ዝቐረበ ጸብጻብ ኢሉ ዘርጊሕዎ። ከም ንቡር ፡ ገበነኛ ንምስክር ኣይበቅዕን ኢዩ። ንሱ ዘዳለዎ ጸብጻብ’ውን ዉዱቕ ክኸውን ምተገብኦ። እንተዀነ ልኣኽቲ ዝለኣኽዎ ክገብር ጥራይ ስለ ዝተኸሽሐ እንሆ እቲ ዘይረብሕ ጸብጻቡ ብዘይ ዓይኒ-ሕፍረት ዘርጊሐሞ።

ትሕዝቶ “ጸብጻብ” ተቘጻጻሪ ጉጅለ ሶማልን ኤርትራን ምስ ረአኻ ፡ በቶም ንራህዋ ፣ ሰላም፣ ፍትሒ ፣ ዲሞክራሲን ፣ ሰብኣዊ-መሰልን፤ ህዝቢ ቅንጣብ እኳ ትኹን ኣበርክቶ ዘይገበሩ ነዞም ክብርታት እዚኣቶም ከም ዝሕለቑ ያኢ፡ የእዛን ሰማዒ ብዘጽምም፡ የዒንቲ መንበቢ ብዘንቁር፡ ኣእምሮ ወዲ ሰብ ብዘደንቁር ሓሶት ኣሰንዮም ከም’ዚ ዝኣመሰለ ናይ ኣቃጫጭ ሰነድ ክቐርብ ምርኣይ ፡ “እምም” ኢልካ ፡ ንግዜን ንኣህጉራዊ ንቕሓት ደቂ ሰብን ካብ ምሕዳግ ዝምረጽ ምርጫ የለን።

ጸብጻብ ተቘጻጻሪ ጉጅለ ሶማልን ኤርትራን፡

o “ኣብ’ዚ ነዚ ጸብጻብ’ዚ ዝሽፍኖ እዋን፡ መንግስቲ ኤርትራ ፡ ኣብ ሶማል ወትሃደራዊ ምትእትታው ይፍጽም ምህላዉ ዝእምት ዝዀነ ይኹን መርትዖ የብልናን! ዝዀነ ጭቡጥን ዘየማትእን ሓበሬታን’ውን ኣይረከብናን! እንተዀነ ፡ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ፡ ኢድ ናይ ምእታው ተኽእሎ የብሉን ኣይንብልን ኢና።”

o “መንግስቲ ኤርትራ ፡ ንሰለስተ ናይ ደቡብ ሱዳን ዕጡቓት ሓይልታት፡ ብሄርኩለስ ሲ-130 ዝዓይነተ ነፋሪት ኣጽዋር ኣብ ኣርባዕተ ኣጋጣሚታት ሂቡ። ንናይ ሪኽ ማሻር ፣ ናይ ጆርጅ ኣቶር ደንግን፣ ናይ ደይቭድ ያው ያውን ሓይልታት ሓጊዙ። ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ወትሃደራውን ሎጀስቲካውን ሓገዝ ጌሩ። መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ግን ዝዀነ መርትዖ ኣይሃበናን። ነዚ ኽሲ’ዚ ዝድግፍ ሓበሬታ ግን ክንረክብ ኣይከኣልናን።”

“ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ” እዩ ነገሩ። ገዓት ዘይኰነስ ፡ ዝጨነወን ፡ ዝበስነወን ብሒቝ ከቕርብ ኢዩ ሃቂኑ እንተበልና’ውን ኣየጋነናን። እወ ፡ እቲ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ጸብጻብ ፡ ብኸም’ዚ ዝጠቐስናዮ ዝኣመሰለ ሃየ ተለየ ዝመልአ ፡ 116 ገጻት ዝወደአ ጉሓፍ‘ዩ። እዚ ግን ፡ ኣብ’ዚ መዋእል እዚ ዘገርም ኣይኰነን። እቶም ሰብ እኩይ ዕላማ ኣብ ዕላምኦም ይምርሹ ኣለዉ። ህዝብታት ሊብያ ፡ ሶማል: ዒራቕ : ሶርያ ወዘተ ከም’ቲ ናይ ንዮኮን ትልሚ ወሪድዎም ዘሎ መዓት ፡ ካብ ዝዀነ ሕልና ዘለዎ ፍጡር ዝተኸወለ ኣይኰነን። ኣብ’ዚ ዝወርድ ዘሎ መዓት፡ (ምብትታን ናይ ሃገራትን ህዝብታት) ግን ናይ ታሪኽ ተሓተቲ ኣለዉ። እዚኣቶም ቀድም-ቀዳድም እቶም መሃንድሳት ናይ’ዚ እኩይ ዕላማ እቶም ሰብ ፍሉይ ረብሓ እዮም። ካልኣይ እቶም ባዕዳውያን ፡ ኣገልገልቲ ናይ’ዞም ሰብ ፍሉይ ረብሓ እዮም። ብሳልሳይ ደረጃ ግንከ እቶም ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎም ፡ እቶም ሸየጥቲ ሃገራዊ ረብሓን መሕጐል ሕብረተሰቦምን እዮም።

ከም’ቲ ታሪኽ ዝነግረና ፡ ሆላንዳውያን ብ1947 (ደሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም) ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተመልሱ፡ እቲ ዝበርትዐ ብድሆ ዝዀኖም፡ ነቶም ከዳዓት ደቂ ሃገር ይቕረ ምባል እዩ ኔሩ። ብዛዕባ ከምዚኦም ዝበሉ ከደዓት ገለ ምባል ድማ ባህርያዊ ይኸውን። ቅድምን ልዕሊ ኹሉን ፡ ቀዳሞት ኣንድነታውያን ብዝኣበስዎን ጠፊኡ ዝነበረ መሰል ንምምላስን ንምሕዋይን ህዝቢ ኤርትራ ፡ ሃገሩ ዘፍቅር ዳርጋ ስለ ዘየለ ዝከፈሎ ረዚን ዋጋ ፡ ኣብ ዓለም መዳርግቲ የብሉን እንተበልና ምግናን ኣይኰነን።

ስለ ዝዀነ ፡ በጀካ በጻብዕ ዝቑጸሩ ዝነደዩ ሓደስቲ ኣንድነታውያን፡ ማለት እቶም ብሕዱር ሕማም ህርፋነ-መዝነት ዝተለኽፉ ፡ “ጀነራል ኔረ” : “ናይ እናት ሃገር መጸዋዕታ ተቀቢለ”፡ “ኢድ ሃይለስላሴ ስዒመ ኔረ”፡ “ኣምባሳደር ኤርትራ ኔረ” ወዘተ ዝብሉ፣ ኩሉ ኤርትራዊ ፡ “ተቓዋሚ እየ” ይበል ወይ’ውን ደጋፊ: ሕቶኡን ስክፍትኡን ካብ ክቱር ሃገራዊ ፍቕሪ እዩ ዝብገስ ዝብል እምነት ኣሎኒ።

ኣብ’ዚ ትምኒት ጽባቐ ኤርትራ ፡ እቲ ንኽተሎ ዘሎና መገዲ ጥራይ እዩ ዝፈላለ። እዚ ድማ ንርዱእ ምኽንያት እዩ። ዋጋ ዘይከፈለት ፡ ስዉእ ወይ ስንኩል ዘይብላ ፡ ስምብራትን በሰላን መግዛእቲ ዘይርከባ ስድራ-ቤት ኤርትራ ስለ ዘየላ እዩ። እቲ ዘገርም፡ ካብ’ዞም ሰብ ሕዱር ሕማም : ወይ ሓደስቲ ኣንድነታውያን ፡ እቲ ጸብጻብ ናይ’ቲ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ብተደጋጋሚ ዝጠቕሶ ንሓደ ፡ "ኣብ ኤርትራ ጀነራል ኔረ" ዝብል ፡ ናይ ኤርትራዊ ጀነራል ክብሪ ዘይብሉ ውልቀ-ሰብ ኢዩ፡፡ ምኽንያቱ ፡ ኩሉ ተጋዳላይን ዉፍይ ኣባል ሓፋሽ ውድባት ህዝባዊ ግንባር ኰነ ተጋድሎ ሓርነትን፡ ኩሉ እቲ ብቅኑዕ መንፈስ ምእንቲ ሃገር ዝተቓለሰን ዝተበጀወን ብተግባሩ ናይ ጀነራላት ጀነራል ጥራይ ዘይኰነስ ፊልድ ማርሻልን ልዕሊኡን እዩ። ኩሉ’ቲ ኤርትራዊ ተጋዳላይ ፡ በቲ ዘሕለፎ መከራን መስገደልን፡ ዘርኣዮ መዘና-ኣልቦ ኒሕ፡ ሓቦ፡ ጽንዓትን ጅግነትን፡ ጥራይ በዓል ሓደ-ኽልተ ጽሩራ ጀነራል ዘይኰነስ ፡ ካልኦት ጀነራላት ዓለምና ሰቒለሞ ዘይፈልጡ 6-7 ጽሩራ ዝግብኦ ጀነራልን፡ መርኣያ ’ቲ ኹሉ ተወፋይነቱን ዓወታቱን’ውን ማእለያ ዘይብሉ መዳልያታትን ኒሻናትን ዝግብኦ ኢዩ። እንተዀነ ጽሩራኡ እቲ ጸይርዎ ዝጉዓዝ ዘሎ ስንክልናን እስኮጆን ኢዩ። ካብ’ቲ ምቕሉል ኤርትራዊ ባህሊን ዒብን ተበጊሱ ኸኣ፡ እዚ ኹሉ ተጋዳላይ ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 23 ናይ ነጻነት ዓመታት ፡ መዝነቱ ጠቒሱ ፡ “ከም’ዚ እየ፡ ከም’ቲ እየ” እናበለ ዝንየትን ዑብ ዝብልን ርኢናን ሰሚዕናን ኣይንፈልጥን ኢና።

እዚ “ጀነራል” እዚ ግን ፡ ከም’ቲ ኣብ’ቲ ጽሑፍ ዘንበብናዮ ፡ ባዕሉ ዝፈጠሮ ፡ ብርቱዕ ናይ መንነት ቅልውላው ዝሳቐ-ሰብነት ዝለበሰ ሰብ ኰይኑ ካብ ዝከድዕ፡ “ጀነራል ኔረ ፡ ዝራኸቦም ሓለፍቲ ከም ዝሓበሩኒ” ካብ ዝብል እዋን ሓሊፍዎስ ፡ መሳልል ክድዓቱ ካብ ወያነ እንሆ ናብ ተቆጻጻሪ ጉጅለ ሰጊሩ ንርኢ ኣሎና።

ንእግረ መገድና ፡ እቲ ናይ ብሓቂ ኤርትራዊ ጀነራል: ሓደ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክዕምጽ ከሎ: ቀምሽ ወያነ ተኸዲኑ፡ ወይ’ውን ኣብ መንኩብ ምዕራባውያን ተሓንጊሩ ኣይኰነን “ዉሕ ዉሕ” ክብል ዝግብኦ። እንታይ ድኣ ፡ ዘለዎ ጽልዋ ተጠቒሙ ፡ ዓገብ ክብልን፡ ለውጢ ከምጽእን ፡ ወይ ድማ በጃ ህዝቢ ክኸውን እዩ ዝግብኦ።

ንምዃኑ ፡ እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሓደስቲ ኣንድነታውያን ፡ ነቲ ብሃገራዊ ቓልሱ ፡ ሃገራዊ ናጽነት ንምምጻእ ዝዓበየ ተወፋይነት ዘርኣየን መወዳድርቲ ዘይብሉ ዋጋ ዝኸፈለን ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ንተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባርን ካልኦት ምእንቲ ኤርትራ ብንጽህና ዝተቓለሱን ሃገራውያን ፡ ኣብዘን ዝሓለፈ ልዕሊ 40 ዓመታት ፡ ሓሳባትካ ብሓርነት ምግላጽ ፡ ኣብ ህዋሳቶም ዝሰረጸ ፡ ኣካል መዓልታዊ ህይወቶም ክንሱን ፡ ምእንቲ ማዕርነት ፡ ፍትሒ ፡ ዲሞክራስን ምሉእ ሰብኣዊ-መሰላትን ረዚን ዋጋ ዝኸፈለን፡ ብማዕዶ ዀይኖም፡ "ዲሞክራሲ፣ ቅዋም፣ ምርጫ፣ ሰብኣዊ መሰል፣ ወዘተ" ኢሎም ዓጀው ጀው ክብልሉ ሃየንታ ኣለዎ። ከም’ቲ ናይ’ዞም ዑሱባት ብግዳም ተላኢኾም ዝገብርዎ፡ ዉሑስ ሰላም ንምዝራግ: ህዝቢ ሓድሕድ ንምንቛት: ሃገር ንምብትታን ፡ ናይ ተፎጥሮ ጸጋታት ሃገር ንምሕራጅ፡ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ንምብራዝን ምጥፋእን ዘይኰነስ ፡ በቲ ቕኑዕ መገዲ ፡ ካብ ውሽጥናን : ናትናን: ንሕና ንመልኮን: ቀዳምነትና ኣብ ግምት ዘእተወን ክብርታትና ኢዩ። ንዲሞክራሲ ፡ ንፍትሒ፡ ንሰብኣዊ መሰል ንኣሳታፊ ስርዓተ ፖለቲካ፡ ንነጻ ምርጫ ህዝቢ፡ ንቕዋማዊ መንግስትን ተማእዛዝነት ቅዋምን ካልእን ፡ ካብ ዝዀነ ኣብ ደምበ ወያነ ተጸጊዑ ከረጋግጾም ዝፍትን ንዱይ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ህዝቡን ቀዳምነት ምርግጋጽ ሃገራዊ ድሕነት ከም ዕላማ ሒዙ ዝቃለስ ዘሎ ህዝቢ ኢዩ ዋንኦምን ኰስኳሲኦምን።

በዚ ኣጋጣሚ ፡ ነቲ ተዓሲቡ ፡ ሃገርን ህዝብን ከድሚ ዘይተበገሰ ፡ ሃገራዊ ህላወን ድሕነትን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ንኸእቱ ሃረምረም ዘይብል፡ ንሃገራዊ ረብሓን ንነባሪ ልኡላዊ ህላዌ ሃገር ዝሕለቕ ዜጋ፡ ንህዝባዊ ግንባር ይኹን ንመንግስቲ ኤርትራ ምንቃፍን ምእራምን ንቡር ኣሰራርሓ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ፡ ፉሉይ ትብዓት ዝሓትት ተግባር ኣይኰነን። ምእንቲ ሃገርን ብሩህ መጻኢኣን እቲ ዝለዓለ ዋጋ፡ መስዋእትን ስንክልናን ከይተረፈ ክቕብል፡ ግንባሩ እምበር ሒቁኡ ሂቡ ዘይፈልጥ ህዝቢ ስለ ዝዀነ። ንምዃኑ ፡ ነቶም ምስ'ዞም ሓደስቲ ኣንድነታውያን ፡ ብግርህና ተጸጊዖም ፡ ነቲ ዝመስሎም ለውጢ ንኽመጽእ ዝምነዩ ሕልንኦም ነዘን ዝስዕባ ሕቶታት ክምልስ ክገድፎም።

1. ወያነ ፡ እቲ “ህዝበይ” ኢሉ ዝቖጽሮ ኣብ ጎደናታት ኣዲስ ኣበባ ብጥይት ዝረሽረሸ ፉንፉን ስርዓት: እቲ መቓብር ሰማእታትና ዝፈሓረ ፡ ኣዴታትና ዝደፈረ፡ ንብረትና ዝራሰየ፡ ነቲ ካብኡ ንላዕሊ ንኢትዮጵያ ብኸብዲ ኢዱ ገዲፉ ብዝባን ኢዱ ዝተገዝአ ሓላል ህዝብና “ሕብሪ ዓይንኻ ባህ ኣይበለናን” ኢሉ ዘበሳበሰ ብዕሉግ ስርዓት፡ “ሰላም ዝዓሰላ፡ ሓያል፡ ስምርቲ ቅስንትን ምዕብልትን ኤርትራ ክትመጽእ ይሰርሕ እዩ” ኢሉ ዝሓስብ ኤርትራዊ ኣሎ?

2. ሳሆ ፣ ኩናማ ፣ ዓፈር፡ “ጽሉእ ብሄረ ትግርኛ” ፡ “ዝተወጽዐ ተኸታል እምነት ምስልምና” ወዘተ እናበለ፡ ዝጐዛዘዮም ፡ ልዕሊ 30 ዝዀኑ ጉጅለታት ፡ “ስልጣን ንዑ ተረከቡ” እንተዝበሃሉስ ፡ ነዛ ብስጋይ-ስጋኻ፡ በጃይ-በጃኻ፡ ብሓልዮት፡ ምጽውዋርን ብምክብባርን ትኸይድ ዘላ ሃገር ክጐዛዝዩን፡ እኩይ ሕልሚ ወያነ ክተግብሩን እንታይ ኰን ምገበሩ?

3. ዕድመ ደቂ-ሰብ እንተ ብጽቡቕ ፡ እንተ ብሕማቕ ሓጺር እዩ። ሰብ ሓላፊ ፡ ሃገር ግን ናይ ዉሉድ ወለዶ እያ። ስለ ዝዀነ ፡ ዋላ’ውን ምስ ሰባት ዝተኣሳሰር ሓድ ሓደ ጌጋታት እንተ ተፈጸመ ፡ ተረቢጽካ ፡ ሃገር ንኸም ብዓል ወያነ ዝመሰሉ፡ “ዝበልዕሉ ጻሕሊ ዝሰብሩ” ጓሓላሉ ፡ ኣሕሊፋካ ይወሃብ ድዩ? ከም’ቲ ሓደ ዘይበልየሉ ፡ ሃገርን ህዝብን ናይ ምኽዳዕ ሕማም እናሻዕ ዝደግሶ “ናይ ሕጊ ምሁር እየ” በሃሊ ፡ እንተዀነ ፈኲሽ ታኒካ ባሕሪ፡ ኣብ ካናዳ ዀይኑ ፡ ቅዋም ቀይሩ ፡ ነቲ ምእንቲ ነጻነት ኤርትራ ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ ቢሄረ ዓፋር ንወያነ ከም ገጸ-በረኸት ክምጡ ዝሃቀነን ዝሓለመን ንዱይ ናይዚ ኣብነት ምተቆጽረዶ?

4. ሃገራት ተበታቲነን ህዝብታት ኣብ ስቅያት ተሸሚሞም ኣብ ዘይወጽእ ጣዕሳ ኣትዩም ከም ዘለዉ ስዉር ነገር ድዩ?

5. ኣብ መንጎ የሕዋት ናይ ሓንቲ ሃገር ፡ ብጸበቢ ትሕተ-ሃገራዊ ስምዒታት ተደሪኹ ዝውላዕ ግጭት ፡ በጀካ መወዳእታ ዘይብሉ ዕንወት፡ ስዓርን ተሰዓርን ከም ዘይብሉ እዚ ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ንርእዮ ዘለና ኣብነት ኣይኰነን ድዩ?

6. እንጀራ ቅልዋጦ መቂርካ፡ ከም ከልቢ ንከብድኻ ጥራይ ክትግዛእ፡ ክዉንን ዘይክዉንን ሓባሊቑካ፡ ንህዝብኻ ፡ ነቲ ወሊዱ ዘዕበየ፡ ዓንጊሉ ዝናበየ፡ ዘይሽሙ፡ ዘይባህሉን ዘይወዓሎን ንክትህብ ብሓሶት ክትምስከር ፡ ኣብ ም’ንቲ ምንታይ ይቑጸር?

ኣብዚ ፡ መወዳእታ ዘይብሉ ሕቶታት ክቐርብ ይከኣል እዩ። በቲ “ዓሻ ዝተኸሎስ ለባም ነይነቕሎ” ዝብል ዘረባ ወለዲ ፡ ቅድሚ ምዕጻወይ: ኩሉ ልቦና ዝተዓደለ ኤርትራዊ በቲ ዘለና ሃብቲ ፡ ሃገራዊ ስኒትና ከይተጻወትና እንተከድና ጥራይ ኢና ንዉሉድ ወለዶ እትመሓላለፍ፡ ሕድሪ ስዉኣት ዝዀነት ሃገር እትህልወና።

ከም ሕቡናት ሃገራውያን፡ ሃገር ኣብ ምምጻእ ታሪኽ ዝሰራሕና ፡ ብቐዳምነት ልኡላውነት ኣብ ምዕቃብ ዝጀመርናዮ ታሪኽ ንቐጽል። ሓለዋ ልኡላውነት ሃገር ግን ወዓል ሕድር ዘይብትለሉ ከቢድ ሓላፍነት ኢዩ። እቲ ንደልዮን ንብህጎን ካልእ ኩሉ፡ ግዜ ሓልዩ ክመጽእ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ክብርታት ድማ፡ ልዕሊ ህዝባዊ ግንባርን ህዝቢ ኤርትራን ዝቃለሰሎምን ዝብጀወሎምን ክህሉ ኣይክእልን እዩ። እንተ’ቲ ስምረትን ጥምረትን ሃገራውነትን ናይ ኤርትራውያን፡ 99.98% ኣብ ቦትኡ ከም ዝዀነ ፡ ይትረፍ ፈታዊ እታ ደመኛ ጸላኢት ህዝቢ ኤርትራ ፡ ወያነ’ውን ትፈልጥ እያ። ዝዀነ ወስታ ኣብ ልዕሊ ሃገር ዘይትገብር ድማ ህዝቢ ኤርትራ እትረፎ ሕጂ ፡ ቅድም'ውን እንተዀነ ፡ ድሕሪ ሓጺር ናይ ምትኽኻል ግዜ ፡ ረመጽ ኺዕዩ ህላዊኣ ከም ዘኽትም ክገብር ዝኽእል ምዃኑ ስለ ትፈልጥ እዩ። ህላወ ውሕሰቲ ኤርትራ ብኹሉ መለኪዕታት ንድሕሪት ዘይምለስ ኩዉንነት ኰይኑ ተዋሒሱ እዩ። ዝዀነ ኣብ ልዕሊ’ዚ ህዝቢ ብጎይቶት ናይ’ዚ ዓለምን ዕሱባቶምን ዝግበር ሽርሒ ድማ ኪኖ ሒቕታ ኰይኑ ምሕላፍ ፡ ካልእ ምቅይያር ዝሓልም ፍጡር እንተልዩ፡ ንሓይሊ፡ ባህሊ፡ ልቦና፡ ጽዓት፡ ጽንዓት፡ ወዘተ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ብዝግባእ ዘየንበበ ደንቆሮ ጥራይ ክከውን ኣለዎ።

 

ዓወት ንሓፋሽ!!


እቲ ሃገራት ናይ ምፍትራኽ ዕማም ዘይተረድኦ የዋህ እንተልዩ ግን ፡ ነዚ ሰነድ ይወከስ። Watch "General Wesley Clark: The US will attack 7 countries in 5 years" on YouTube: https://www.youtube.com/watch?v=nUCwCgthp_E


 

 

 




Received on Fri Oct 24 2014 - 09:57:17 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved