Raimoq.com: ብወረ ዘይንቕነቕ ዓንዲ ሓቂ! 3ይ ክፋል

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Wed, 15 Oct 2014 19:13:03 +0200

ብወረ ዘይንቕነቕ ዓንዲ ሓቂ!

ብኣሮን ተስፋይ | 3ይ ክፋል

15.10.2014

ርእሰ ቁጽጽር ንምኳን ኣመሪካ ኣብ መላእ ዓለም ካብኡ ንናብኡ ከኣ ኣብተን ስትራተጂያዊ ኣገዳስነተን ዕዙዝ ዝኾና ሃገራት ቀጥታዊ ምትእትታዉ ኣይተቋርጽን ኢያ። ድሕሪ ካልኣዩ ኲናት ዓለም ወይ ኣብ ዝሑል ኲናት ኣመሪካ ስጒሚ ምንቅስቃሳት ሃገራት ክትቆጻጸሮ ተራእያ። ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣብ ሰኪዔታ ብምእታዉ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር ኢያ ኣእትያቶ። ካብ ዓይኒ ዝስወር ኔሩ ዝብሃል ኣይኮነን። እንተ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ግፍዒታት ክትርእዮ ኣይመረጸትን። ወተሃደራዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ናብ ስልጣን ኣብ ዝደየበሉን ፋልማይን ዝዓበየ ብድሆታትን ንምፍላጥ ብሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ዝምራሕ ጉጅለ መጽናዕቲ ኣቚሙ። ደምዳሚ ርእይቶ ናይቲ መጽናዕቲ፣ዝዓበየ ፖለቲካዊ ሽግር ኢትዮጵያ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ፣ ሕቶ ኤርትራ እምነ ኩርናዕ ሜላ ወጻኢ ግዝያዊ መንግስቲ ክኸውን ከም ክኸውን ከም ዝግባእ ኣነጺሩ። ዝምድናታቱ ከኣ ብእኡ ክቕለስ ኣሚሙ።

ሓደ ካብቲ ብዙሕ ምጒት፣ ኣመሪካን ተሓባበርታ ሃገራት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደሬሽን ክትቁረንን እቲ ፈደሬሽን ክፈርስ ባዕለን ዝተማጎታሉን ዝተርጎምኦን ስለዝኾና፣ ኣረኣእያአን ኣይቅየርን ኢዩ። ስለዚ ንቡር ዝምድና እኹል ኢዩ። እታ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዓቢ ትዂረት ትገብር ዝነበረትን ዝለዓለ ቁተባዊ ወተሃደራዉን ዲፕሎማሲያዊ ረብሓ ክረክብ፣ ዕድላት ማህደረ ትምህርቲ ብፍላይ ኣብ ወተሃደራዊ ስነ ፍልጠትን ኣጽዋርን ንተቓወምትን ሰውራ ኤርትራን ክንጭፍልቕ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ ዝብል እማመ ቀሪቡ። ሓላፊማእከላይ ወኪል ስለያ ቀርኒ ኣፍሪቃ ነዚ ሓቂ ብደቂቕ ኣጽኒዑ ናብ ጻዕዳ ገዛ ኣብጺሕዎ። ቀዳማይ በደል ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክንዲ ምእራም ግን ብስትራተጂያዊ ረብሓ ብምጥማትን ደርግ ናብ ሕብረት ዝተጸግዓሉ ምኽንያት ብምፍላጥ ብተዘዋዋሪ ከተተባብዖ ተራእያ። ዓበይቲ መራኽብ ሕብረት ሶቬት ብወደባት ኤርትራ ማእለያ ዘይብሉ እንተላይ ውጉእ ኣጽዋር ክኣተው ከሎን ዓገብ ክትብል ኣይተሰምዐትን። ነቲ ዝነበረ ውድድር ንምቁጽጻር’ውን ዝወሰደቶ ስጒምቲ ኣይነበረን። በንጻር ናይዚ ውድድር ርእሰ ሓያላን ከብቕዕን ዝሑል ኲናት ኣብ ኣጋ ምውድኡን ደርግ፣ ተደጋገምትን ዓበይትን ስዕረታት ኪወርዶ ምስ ጀመረ፣ ኣመሪካ ሰቲ ነስኒሳ ኣብ ቀይሕ መንጸፍ ኢያ ተቐቢላቶ።

ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ብ26 ሕዳር 1988 ምስ መጽሔት ኒው ዮርክ ታይምስ ኣብ ዘካየዶ ቃል መሕተት ነዚ ምስጢራት እዚ ኢዩ ደጊሙ። ኣብቲ ሰፊሕ ሸፈነ ዝረኸበ ገጻት ናይታ መጽሔት” ብቐደሙ’ውን ናብ መስኮ ዘኽይድ ኣይነበራን” ዘስምዕ መግለጺታት ኢዩ ኣቕሪቡ። እቲ ካብ መስኮ ንኣስታት ዓሰርተ ሓደ ዓመታት ዘጓረቶ ኣጽዋርን ኣብ ምንቃጹን እቲ ብተዘዋዋሪ ማለት ብመገዲ ረድኤት ካብ ኣመሪካን ካናዳን ዝረኸቦ እቲ ኻልእ ኣጽዋር’ውን ብዕጽፍታት ስለ ዝወሰኸ፣ ቀጥታን ቅሉዕን ዝምድና ኪምስርት ድሕር ኣይበለን። ኣበይን እንታይ ትገብር ኔርካ ትማሊ ዝብል ሕቶ ኣይቀረበሉን። ክቐርበሉ’ውን ኣይተሓ ስበን። ነቲ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸስከሶ ቦምባን እሳትን ከም ማይ ኣባጁጎ ተቖጺርሉ። ኣመሪካን መዝሙራን ብጉዳይ ህዝቢ ኤርትራን ሰብኣዊ መሰላቱን ናበይ ሃጢሙ? ኣብ ክንፋ ተሓቚፉ በቲ ሓደ ዋልታ በቲ ካልእ ከኣ ረድኤት ከም ኲናት ኣዕጢቓ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ከተውፍሮ ከላ፣ ቃልን ግብርን በበይኑ ምባል ጥራይ ኣኻሊ ድዩ?

ደግር ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ኤርትራ በደላት ክፍጽም ካብ ዓይኒ ዓለም ኣይተሓብአን። ክሕባእ ዝፈተኖ ተግባራት ኣይነበሮን። ኣብቲ ረድኤት ከም ወተሃደራዊ መጋበርያ ዝቐየሮ እዋን፣ ብስም እቲ ረድኤት ሓያለ ዕላማታቱ ከተግብር ቀጠልያ መብራህቲ ኣመሪካ ኣይተወልዓሉን ክብሃል ኣይክኣልን። ካብ ማስከርያ ግብረ ሰናይ ለቢሶም ኣብ ወተሃደራውን ስለያውን ንጥፈታት ዝዋስኡ ስዉር ፖለቲካዊ ሽርሕታት ዝፍጽሙ ሰራሕተኛታት ረድኤት ዝኽወል ምስጢር ኔሩ ድዩ? እቲ ቅድም ማለት ቅድመ ቅሉዕ ዲፕሎማሲያዊ ምልሶት ደርግ ናብ ኣመሪካ፣ ረድኤት እቲ ካልእ መሳርያ ውግእ እናኣገልገለ ካብ ባዶ ዝብገሰ ጥርጠራን ፍርሕን ደርግ ንሰብ ካባ ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት እንተላይ ንኣባላት ቀይሕ መስቀል ካብ መሬት ኤርትራ ኣሳጒጉዎም ኔሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ክሕተት ኣይተደልየን። ንማለቱ’ውን ከም ንቡር ዕንቅፋት ስራሕ ኣይተጸብጸበን። ከም ሕቶ ስለምንታይን ንምንታይ ዝብል ሕቶ ኣይቀረበሉን።

መራኽብ እኽሊ ረድኤት ብመልክዕ ሳንዱዊች ኣጽዋር ኣማእኪለን ክኣትዋን ኣብ ወደባት ከራግፋን ከውሊ ኣይመረጻን። መን ክሓተን? ኣበይ ከ ሓታቲ ክርከብ ድዩ? በዚ ጥራይ’ውን ኣየብቅዐን። ነቲ ቀውዒ ዓወት ተባሂሉ ዝግለጽ 1987 ክዓግት ዝክኣሎን ዝመስሎን ተግባራት ምሂዙ። ነተን ናይ ረድኤት እኽልን ንብረት መካይን ኣዋጽርን ብረትን ጽዒኑ ከንቀሳቐሰን ተራእዩ። እቲ ዝገርም እዚ ሓቅታት እዚ ናብ መላእ ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ከኣ ናብ ኣመሪካ በጺሑ ሓንቲ ስጉምቲ ኣይተወስደን። እቲ ሓቅታት ካብ ምግላጽ ኣይዓረፈን። ብጉልባብ ረዳኤት ኣጽዋር
ይጓረት ኣሎ? ተባሂሉ ተጨሪሑ። ሰማዒ ኣይተረኽበን።

ወተሃደራዊ ኣጽዋር ጽዒነን ኣብ መስመር ደቀምሓረ ዓዲ ቀይሕ ዝተንቀሳቐሳ ቃፍላይ ብፍሉይ ስርሒት ኣብ ዝወቕዓለን እዋን ኣመሪካ ልዕሊ ዝኾነት ካልእ ሃገር ከተእዊ ተሰሚዓ። መዝሙር ሰብኣዊ መሰላት ኣቃሊሓ። ስም ህዝባዊ ግንባር ንምድዋን ከም ቅጽበት ክትጐዪ ተራእያ። እቲ ሓቂ ካልእ እቲ መዝሙር ካልእ ክንሱ፣ ዋና ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ንጸጋም ጐስያ ብማዕከናት ዜና እዱድ ዘመተ ኣካይዳ። ካብቶም ዘይረጠበ ሓበሬታ ናብ ምቅላሕ ዝተጓየዩን ድሒሮም ናብ ሜዳ ኤርትራ ሓቅነት ንምርግጋጽ ዝተላእኩ ጋዜጠኛታት ምዕራብ ሓደ፣ ብለይን ሃርደር ጋዜጠኛ ዋሽንግቶን ፖስት ኢዩ። ንሱ ስለምንታይ ናብ ሜዳ ኤርትራ ከም ዝመጸን እቲ ዝተገንዘቦ ሓቅታትን እንታይ ምኳኑ ተሓቲቱ ከምዚ ዝስዕብ መሊሱ።

“ ሓቅነት ከረጋግጽ ኢየ መጺአ። ኣመሪካ፣ ህዝባዊ ግንባር ናይ መግቢ ረድኤት ዝጸዓና መካይን ሕቡራት ሃገራት ሃሪማ ትብል ኣላ። ህዝባዊ ግንባር ከኣ እተን ቃፍላያት ወተሃደራዊ ኣጽዋር ዝጸዓና መካይ ኢየን ትብል። ስለዚ ሓበሬታ ከረጋግጽ መጺአ። እቲ ዝተባህለንን እቲ ዝጸንሓንን በበይኑ ረኺበዮ። ህዝባዊ ግንባር ናይ ረድኤት ቃፍላይ ናይ ምጥቃዕ ሜላ ከምዘይብላን ንናይ ረድኤት ቃፍላያት ዘይተዓናቕፍ ምኳና ብግብሪ ተገንዚበ። ናይ ከምኡ ባህሊ ኣይተዓዘብኩን። ” ክብል ቃል ምስክርነቱ ሂቡ።

ኣብዚ ሓደ ሓቂ ኢዩ ዝገሃድ። ስርዓት ኣዲስ ኣበባ ንዓጸቦ ናብ ፖለቲካ ብምቕያር ኢሰብኣዊ ተግባራት ክፍጽም ርእሱ’ውን ኣይሓብአን። እቲ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጸ እኽሊ መዕጠቒ ብረት ከውዕሎን ከሎን እቲ ብስም ህዝቢ ዝመጸ ንህዝቢ ተመሊሱ ግዳይ ክገብሮ ከሎ፣ ኣመሪካ ዓይና ዓሚታ ኢያ ሓሊፋቶ። ኮር ተገልበጥ ንህዝባዊ ግንባር ክትውንጅሎን ሓበሬታ ከይተዋህለለን ሓቅነቱ ከይጠለለን ኣብ ዘመተ ምጽላም ስም ብዘገርም ፍጥነት ተጓይያ። በዚ’ውን ኣየብቅዐን።

ነቲ ካብ 1985 ኣትሒዙ ካብ ኬንያ ን45 ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ዝከታተል ጋዜጠኛ ዋሽንግቶን ፖስት፣ ብለይን ሃርደር ነቲ ብስርዓት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ዝተፈጸመ በደላትን ነቲ ኣብ ወተሃደራዊ ቃፍላያት ዝተፈጸመ ስርሒትን ብኣካል ዘረጋገጾ ሓቅታትን ከቃልዕ ኣይተፈቕደሉን። እምበር ከም ሞያኡ ዝጠልቦ ግድሌታ ብዛዕባ ሜላ መግቢ ኣብ ሓራ መሬት ኤርትራ፣ ጥሜት፣ ተኽእሎ ጥሜት ኣብ ኤርትራ፣ ዝምስጥ ተራ ደቀንስትዮ ኤርትራ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ሓልዮትን ህዝባዊ ግንባር ኣብ ምሩኳት ኲናትን ብስእልታትን ጥቕስታትን ዝሰንዮ መደብ’ውን ኤርትራዉያን ናይ ገዛእ ርእሶም ሃገር ንምምስራት ህይወቶም ወፍዮም ይቃለሱ ከምዘለዉ ዝገልጽ ዓንቀጻት ከዳልዉ ናይ ቀረባ መደብ ስርሑ ምንባሩ ጠቒሱ ኔሩ። ሓንቲ ሓቂ ከየውጽእ ስለምንታይ ተኸልኪሉ? ኣበይ ድዩ ኔሩ እቲ ናጻን ሓቀኛን ሓበሬታ ወይ ሓሳብካ ምግላጽ ዝብል ኣምር? ተደጋጋሚ መዝሙር ናይቲ ኣዝማቹ መሰል ኣካሉ መሰል፣ ስብርኡ መዝሙር መሰል ኣዳም?

ኣመሪካ ስርዓት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ዘውርዶ ዝነበረ ግፍዒታት ብደቂቕ ይፈልጦ ኔሩ ኢዩ። ብሕልፊ ኣብቲ ዝዝምርሉ እቲ ካልእ ኲናት ማለት ረድኤት መጋበርያ ወተሃደራዊ ሜዳን ምንባሩ ጽጹይ ሓበሬታ ኔርዎም ኢዩ። ፕረሲደንት ኣመሪካ ነበር ሮናልድ ሬገን ናይ ፖለቲካ መበገሲ ዝነበሮ ነቐፌታ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኣዲስ ኣበባ “ጠንቂ ነባሪ ሽግር ኢትዮጵያ እንታይ ኢዩ? መን ኢዩ ኸ ተሓታቲ? ንዝብል ሕቶ ከምዚ ክብል መሊሱ። ረጋን “መራሕቲ ኣዲስ ኣበባ ዝኽተልዎ ሜላ ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ሓድሽ ሕጽረት መግቢ ኣብ ኢትዮጵያ ኢዩ። ብዙሕ ግዜ ኣብ ክንዲ ንጥሙያት ዝመጸ መግቢ ኣጽዋር ይጓርቱ ኔሮም። ብሕጂ ዝወሃብ ረድኤት’ውን ኣብ ገበን ዝውዕል ኪኸውን ኢዩ” ክብል ጥዑም ብዝመስል ቃላት መዲሩ። እቲ ቃላት ኣብ ልሳን ተሪፉ። ነቲ ናብ ዓወደ ኲናት ዝውዕል ኣቕርቦት ረድኤት ናብ ኢትዮጵያ ውሒዙ። ዝኾነ ምቁጽጻርን ሓደ ስጉምቲ ኪወስድ ኣይተራእየን። እቲ ፍትሒ ኣበይ ኣሎ? እቲ ሓቀኛ መርገጺን ሻርነትን ከ ብምንታይ ክዕየር ኢዩ? ንስለ ጥዑም ዘረባ ብናይ ኣምሰሉ ቃላት ምውርጻጽ ከ እንታይ ፍድኡ? ብዝቐደመ ይምሃሩ ዶ?

ድሕሪ ክልተ ዓመት ናይዚ ፍጻሜ ማለት 1990 ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ገበን’ውን ካብቲ ዘሕከኽ ኢሰብኣዊ ተግባራት ኢዩ። ጉዕዞ ስርሒት ፈንቅል ናብ ውሽጢ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ኣብ ዝገስገሰሉ፣ ትርፍራፍ ሰራዊት ደርግ ንህዝቢ ባጽዕ ጂሆ ሒዝዎ። ሰለማዊ ህዝቢ ድፋዕ ወተሃደራት ክኸውን ተፈረኢዱ። እቲ ትእዛዝ ካብ ላዕሊ ኢዩ መጺኡ። ጠርናፊ ናይቲ ሰራዊት ምስ ኮሎኔል መንግስቱ ጥቡቕ ምትእስሳርን ርክባትን ዝነበሮ ብርጌደር ጀነራል ተሸሞ ኔሩ። ህዝባዊ ግንባር ሰለማዊ ህዝቢ ረጊጹ ክጥሕሮ ኢዩ ዕላምኡ። እዚ ዓባይ ርእሰ
ሓያልን ሃገር ኣመሪካ ብቀረባ ትከታተሎ ዝነበረት ጉዳዩ። ኣቤት ትብል ቃል ጠፊኣታ። ሰለማዊ ህዝቢ እንታይ ኣቢሱ ዝብል ምሉእ ሓሳባት ተሰዊሩዋ። ህዝባዊ ግንባር ብሜላን ሽማግለ ብምስዳድ ኢዶም ከም ዝህቡ ጌሩ። ኣብ ውግእ ሰማሃር ዝተማረኹ ዓበይቲ ጀነራላት ብዛዕባ እዚ ሓቂታት ንህዝቢ ዓለም ትምህርቲ ክኸውን ዝኽእል ኣተሓሕዛ ሰባትን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ህዝባዊ ግንባር ክምስክሩ ውሽጦም ደፋፊእዎም። ክቃላሕ ግን ኣይተደልየን።

እቲ ካብ ሓደጋ ውድቀት ከድሕኑ ካብ ማእከል ኢትዮጵያ ኣብ 1989 ዝመጹ ኣዛዚ ኮር 606 ብርጌደር ጀነራል ጥላሁን ክፍለ ኣዛዚ 3ይ መካናይዝድ ሰራዊት ብርጌደር ጀነራል ዓሊ ሓጅ ዓብዱላሂን ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ዝፈጸምዎ በደልን ብህዝባዊ ግንባር ዝተገበረሎም ሰብኣዊ ርህራሄን ክንክንን “ወተሃደራዊ ታሪኽን ወተሃደራዊ ስነ ፍልጠትን ኢዩ ኣዕብዩና። ኣብ ታሪኽ ዘይተራእየ ኣተሓሕዛ ምሩኻት ካብ ህዝባዊ ግንባር ረኺብና ኢና” ብምባል ገሊጾም። ምክትል ኣዛዚ ኣዛዚ ሻድሻይ ክፍለ ሰራዊት ሌተና ኮሎኔል ኣፈወርቂ ተኽለ “ እዚ
ህዝቢ ዓለም ክፈልጦ ክኽእል ኣለዎ” ክብል ተማሕጺኑ። እዚ ሰናይ ተግባር ንበዓል እሳት ብማይ በረድ ዘዝሕል ዋህሊ ዝውንን ህዝባዊ ግንባር ንሰብኣዊ መሰላት ከም መጠቀዊ ዘረባ ኣይኮነን ዝዝምረሉ።ብግብሪ ኢዩ ዝነበሩን ዝሰርሓሉን።

… ይቕጽል

 

Received on Wed Oct 15 2014 - 13:13:33 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved