Raimoq.com: ብወረ ዘይንቕነቕ ዓንዲ ሓቂ! 2ይ ክፋል

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Fri, 10 Oct 2014 22:22:54 +0200

ብወረ ዘይንቕነቕ ዓንዲ ሓቂ! 2ይ ክፋል

ብኣሮን ተስፋይ

10.10.2014

ሓበሬታ፡ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ኣርእስቲ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ ጽሕፋዊ ሰንሰለት ጠዊቕኩም ኣንብቡ።

http://www.raimoq.com/%E1%89%A5%E1%8B%88%E1%88%A8-%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%8A%95%E1%89%95%E1%8A%90%E1%89%95-%E1%8B%93%E1%8A%95%E1%8B%B2-%E1%88%93%E1%89%82/

መወዳእታ 1980ታት እቲ ብክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ተመስሪሑ ዝቐርብ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝለዓለ ጫፍ ኢዩ በጺሑ። እቲ ምድግጋም ሓረጋት ዕዙዝ ኣምር ዝተቐየረ መሰል ኣዳም፣ መኽፈቲ ዕለታዊ ዜና ዓለም ተቐይሩ ኔሩ። ኣመሪካ ነቲ ንኣጀንድኣ ማእከል ዝገበረ ረቂቕ ኣገባብ ተኸቲላ። ሜላ ናይቲ ሓድሽ መግዛእቲ ኣእምሮ ናብ ዝለዓለ ጫፍ ኣብጺሓቶ። ንግሆን ምሸትን በዚ መዝሙር እዚ ጫውጫውታ ኣስሚዓ። ኣብቲ ዝቐረብ ዝነበረ ጸብጻብ ንህዝቢ ኤርትራ ዝምልከት ትሕዝቶ ኣይነበሮን። ይኹን እምበር፣ መወዳእታ ናይ 1980ታት ሜዳ ኤርትራ ብዙሕ ናይ ግፍዒ ፍጻሜታት ኢዩ ሓሊፋ። ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ’ውን ንሰማዒ እዝኒ ዘርምም መግለጺ ከስምዕን ዘስካሕክሕ ስጉምቲ ኪወስድን ተራእዩ። “ይጥፍኡ ዶ ንጥፋእ” ዝብል ኣማራጺ ኣበጊሱ። ቅብጸተ ተስፋ ብዝዓብለሎ ምርጫ፣ ኲናት ኣንጻር ሰለማዊ ህዝቢ ኤርትራ ኣቕኒዑ። ብዕሊ ኣዊጁ። ኣዋጁ ክሓብኦ ኣይመረጸን። እዝኒ ዘለዎ ክሰምዕ ምስጢሩ ናብ ግዳም ኣውጺእዎ። እቲ ናብ ሰለማዊ ህዝቢ ዝተኮረ ናይ ምቕታልን ምሕራድን ኣዋጅ ብዕሊ ኬፍልጥ ከሎ፣ ኣዒንቲ ናይቲ ብስም ሰብኣዊ መሰላት ዝዝምርን ወግሐ ጸብሐ ሰብን መሰልን ወዲኑ ንህዝቢ ዓለም ዘደንቆረ መግለጺታት ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ በጺሐን ክርእያን እተን ሕሹኽታ ዝጸናጸና ኣእዛና ክሰምዓ ኣይነቕሓን። ኣጽዋር ናብ ህዝቢ እናተነጸረ፣ ዓገብ ክብላ ኣይነቐላን። ብፍጹም! ንማለቱ’ውን ነቲ ብምስሩሕ ፍጻሜ ዝምዝገብ ደብተር ሰብኣዊ መሰላት ኣይገንጸልኦን። ንመምልኢ ገጻት ጸብጻብ’ውን ኣይተጠቕማሉን። እዚ ከምዚ ዝበለ ተግባራት ኣመሪካ ንህዝቢ ኤርትራ ኣይሓደሶንን፣ ኣየገረሞን’ውን። መቐጸልታ ናይ መጀመርታ በደል ስለ ዝኾነ።

ኣመሪካ፣ ንኤርትራ ብስም ሕቡራት ሃገራት ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክትቁረን ጥራይ ኣይኮነትን ፈሪዳታ። ሃይለ ስላሰ ንኤርትራ ብሓይሊ ንክጎብጥ ደፍደፍ ኣጽዋርን ወተሃደራዊ ስልጠናታትን ኣስኒቓ፣ “እንሆ ሜዳ እነሆ ፈረስ” ዝበለት ሃገር ኢያ። ስለዝኾነ ከኣ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዝፍጸም ኢሰብኣዊ ተግባራት ትዂረት ኣይትህቦን። ክንዲ ዝወረደ ግፍዒ ኪደራረብ ጉዳያ ኣይኮነን። ጉዳይ ሰለማዊ ህዝቢ ኤርትራ ንሓንቲ መዓልቲ ከይትርእይ ንኹሉ ግዜ ብዑረት ክትነብር፣ ንሓንቲ ካልኢት ከይትሰምዕ ንኹሉ ግዜ ብጽመት ክትነብር ኢያ ትመርጽ። ነዚ ሓቅታት ዘብርሁ ጭብጢታት ወሰን የብሎምን። ካብቶም ብዙሓት ውሑዳት ናይ ቀረባ ፍጻሜታት ዓመተ 1988 ብኣብነታት ምጥቃስ ይክኣል ኢዩ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ዓመጻት ከም ሰብኣዊ መሰል ኣዝዩ ፍሉይ ዝገብሮ ብዙሕ ረቛሒታት ኢዩ። ድሕር’ቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝተንጸባረቐ ዓወታትን ብቐጥታ ንሰለማዊ ህዝቢ ዒላማ ዝገበረ ስጉምቲ ኪውሰድ ኢዩ ተራእዩ። እተን ከባቢ ግንባር ዓወደ ውግእ ዝነበራ ዓድታት ጥራይ ኣይኮናን ግዳያት ኮይነን። ብኣብነት ክንቕጽል።

ህዝባዊ ግንባር ኣብ ከባቢ ናቕፋን ኣብ ልዕሊ ጸላኢ በርቃዊ ስጉምቲ ምስ ወሰደ ናብ ብወተሃደራዊ ስርዓት ናብ ሰለማዊ ህዝቢ ዝቐንዐ ወፍሪ ኢዩ ተኻዪዱ። ምኩሕ ሰራዊት ናደው ምስ ተደምሰሰ፣ ኣብ ሓያሎ ዓድታት ህዝቢ ናይ ምጥፋእ ስጉምቲ ተወሲዱ። ሓደ ንበል። እቲ ካብ ኣፍዓበት ተጸሪጉ ዝተበታተነ ሰራዊት ጸላኢ ብቐጥታ ኣብ መንሳዕ፣ ቤት ኣብርሀ ቈልዓ ሰበይቲ ከጥፍእ ተጓይዪ። ኣብ ሓደ መዓልቲ ሰዓት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፣ ብሳንጃ ብረት ጸላኢ ትሽዓተ ነፍሰ ጾራት ዝርከብኦም 50 ሰለማውያን ሰባት ተቐቲሎም። ኣብቲ እዋን ወግሐ ጸብሐ ደወላት ሰብኣዊ መሰላት ኣመሪካ ይቃላሕ እኳ እንተነበረ ኣመሪካ መዝሙር መሰል ኤርትራዉያን ኣይተላዕለን። ንብዓት ሰብኣዊ መሰላት ንስለ ህዝቢ ኤርትራ ጥሚቕ ኣይበለን። ህዝቢ ኤርትራ ኣካል እዛ ፕላኔት ዶ ኣይኮነን? ንመሰልን ፍትሕን ዶ ኣይኮነን ዝቃለስ ኔሩ?
ጃምላዊ መቕዘፍቲ ቤት ኣብርሀ ነቲ ግፍዒ ደው ኣየበሎን። ብተመሳሳሊ ኣብታ ሰሙን እቲ ካብ ግንባር ሓልሓል ተጸፊዑ ዝሃደመ ሰራዊት፣ ካብ ዓወደ ግንባር ናብ ህዝቢ መለብሶ ኣቕኒዑ። ኣብታ ዓዲ 15 ኣደታት ዝርከብኦም ልዕሊ ሓምሳ ዜጋታት ኣብ ሓንቲ ዕራርቦ ጠፊኦም። ካብኦም እቶም 17 እናረኣዩ እናሰምዑ እሞ ኸኣ ከይተኣስሩ ብሳንጃ መዕንጥኦም ተዘልዚሉ። እዚ ግፍዒ ክፍጸም ከሎ ኣመሪካ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ላቲን ኣመሪካ ኣእዛን ብዘደንቁር ድምጺ ተጋውሖ ኔራ። ብመጠንን ክብደትን ናይቲ ዝበሃል ምስ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጉዳይ ፍጹም ዝቀራረብ ኣይነበረን። እንተኾነ ንህዝቢ ኤርትራ ትኸውን “ስለ ሰብኣዊ መሰላት” እትብል ቃል ኣይተረኸበን።

እቲ ግፍዒ ብመለብሶ ኣይብቅዐን። እኳ ድኣ ዓይነት መቕተሊ ንምዕባይ ነፈርቲ ኲናት ተወሲኸን። ግዳይ ናይቲ ደብዳብ ዝኾና ዓድታት ብዙሓት ኢየን። ገለ ካብአን ከባቢ ከረን ኣብ ዋዝንነት ማይ ጨላይን 50 ገዛውቲ ብናይ ቀረባ ብራኸ ነፈርቲ ኲናት ዒላማ ኮይነን። እተን ገዛውቲ ምስ ሰበን ምሉእ ምሉእ ተቓጺለን። ቃሬት ዝሽተት መቕበሪ ዓጽሚ ጥራይ ኢዩ ተረኺቡ። እተን ነፈርቲ ናብ መንሳዕ ቤት ሻሓቕ ብምቕጻልን ዒላማአን ናብ ሰለማዊ ህዝቢ ብምቕናዕን፣ ልዕሊ 40 ዜጋታት ሰለስተ ካብኦም ቈልዑ ኣብ ሕቑፎ ኣደታቶም ከለዉ ብባርዕ ሓዊ ሓሪሮም። ሓበሬታ ናይዚ ዘስካሕክሕ ትራጀዲ ብቐጥታ ናብታ ብሰም ሰብኣዊ መሰላት ኣሃዛት እናቐመረት እትጽብጽብ ሃገረ ኣመሪካ ኣብ ልክዕ ግዜኡ በጺሑ። ከም ናይ ኩሉ ግዜ ተግባራት፣ እቲ ንግፍዒ ኤርትራዉያን ዘቃልሕ ሓበሬታ ኣብ እንዳ ጐሓፍ ከቲታቶ። ሰብ ዝገበሮ ግን መሬት ኢዩ ዝነግሮ።

እቲ ግፍዒ ኣብ መንሳዕ ቤት ሻሓቕ ኣይባተኸን። ነፈርቲ ውግእ ካብ ዓውደ ውግእ ናይ ኣማኢት ኪሎሜተር ርሒቑ ንዝርከብ ከባቢታት ብኣልማማ ምቕጻል ወፊረን። ንሰለማዊ ህዝቢ ዓድታት ቢሰስን ላባን(ሰምሃር) ነፈርቲ ኲናት ብዘካየድኦ ደብዳብ ኣብ ውሑዳት ደቓይቕ ዓሰርተ ትሽዓተ ሰባት ናብ ሓሙኽሽቲ ተቐይሮም። ካብ ሞት ዘምለጡ ግን ከኣ ጥቓ ሞት ዝበጽሑ 16 ሽዱሽተ ሰባት ብኸቢድ ቆሲሎም። ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፣ ማለት 3 ሚያዝያ 1988 ከባቢ ጊንዳዕ መትከል ዱኳን ኣብ ዝተባህለት ዓዲ፣ 14 ሰባት ክቕተሉ ከለዉ ኣብ ሽዕብ ሰለባ ሰላሳ ዜጋታት ናይ ነፈርቲ ቦምባ ኣብ ዝፈሓሮ ጉድጓድ ተቐቢሮም። እዚ ብተመልከተለይ ኣብ ልክዕ ዒላማ ሰለማዊ ህዝቢ ዝተተኮሰ ቦምባታት ነፈርቲ፣ ካብ ዓይኒ እታ ዓባይ ሃገር ኣመሪካ ኣይተሓብአን። ነዚ ሓቅታት ዘቃልሑ ዜርትራዉያንን ኣዕሩኽ ኤርትራዉያንን ናብታ ብጣቛ ሰብኣዊ መሰላት እትዝምር ሃገር ብስእሊ ዝተደገፈ ሓበሬታ ኣረኪቦም። ኣመሪካ ከም ርእሰ ሓያላን ይትረፍ “ያዕ ዓገብ” ክትብል ንማለቱ’ውን ቃና ድንጋጸ ኣይተንፈሰትን። በንጻሩ እቲ ሓበሬታ ከይራባሕን ከይዝርጋሕን ብሓጹር ጋሪዳቶ። ኣበይ ድኣ እዩ ሰብኣዊ መሰላት ዝሕለዉ? ብኸመይ? ንመን? ንኤርትራዊ ኣይምልከቶ ድዩ?

ንቐጽል፣ ካብቲ ብዙሕ ፈፍሩዩ። ናብ ሰለማዊ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐንዐ ናይ ቅትለትን ምሕራድን ስጉምቲ ኣብዘን ዝተጠቕሳ ዓዲታት ኣየብቅዐን። ሰራዊት ደርግ፣ ኣባላት ቀይሕ መስቀል ዝበዝሑ ዜጋታት ዓባይ ሃገር ኣመሪካ ዝተዓዘብዎ፣ ኣብ ከባቢ ከረን ዝተፈጸመ ግፍዒ መግለጺ ቃላት ዝርከቦ ኣይኮነን። ሰብ ቤት ኣብ ውሽጣ ከለዉ 21 ገዛውቲ ብሓዊ ኣቃጺሎሞ። ካብቲ ባርዕ ዝወጸት ስድራ ኣይነበረትን። በዚ’ውን ኣየብቅዐን። ጽባሕ ናይዚ ፍጻሜ እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ መንግስቲ ትካላት እንተላይ ኣብተን ካባ ግብረ ሰናያት ዝተኸድናት ማሕበራት ዝሰርሑ ኤርትራዉያን ብዘይ ሓንቲ በደል ኣብ ሓደ ሰዓት ሰላሳ ሰባት ተኣሲሮም። “እዚ መሰል ሰብ ዝጥሕስ ተግባር እዩ” ክብሉ ጸብጻብ ኣቕሪቦም። ኣይተሰምዑን። ሰብኣዊ መሰል ንህዝቢ ኤርትራ ኣይተመልከቶን። ምስትውዓል ዘይብሉ ዓይኒ ኣይርእዩን ኢዩ። ኣመሪካ ክትርእዮን ክትሰምዖን ኣይደለየትን። ከም መሐወስታ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት’ውን ኣይወሰኸቶን።

ኣመሪካ ነቲ ስምዕታ ከይመለሰት ካልእን ካብኡ ዝብእስን ጸብጻብ ተደሪብላ። ኣብ ሸባሕን ኳዜንን ብዘይሓንቲ ገበን 37 ሰለማዉያን ሰባት ተቐቲሎም። 16 ሽዱሽተ ሰባት ኣብዚኣተዉ ከይተባህሉ ሓቒቖም። ብተመሳሳሊ ኣብ ከባቢ ከረን ፍረዳርብ፣ ከባቢ ሓጋዝ፣ ብደቡብ ኣብ ጎደይቲ፣ ጾሮናን ማይዓይንን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ብዘይሓንቲ ገበን ሰለስተ ሚእቲ ሰባት ተቀቲሎም። ተገዳስነት ዓባይ ሃገር ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከም ቀደሙ ብጥሙሙ ቀጺሉ። ወጽዓን ዓመጽን ህዝቢ ኣብ ርእሲ ርእሲ ተጨራሪሑ። በንጻሩ መዝሙር ሰብኣዊ መሰላት ብድምቀት ይጋዋሕ ኔሩ። ብጉዳይ ኤርትራዉያን ወይ ከ! ኣይተሰምዐን። ክስማዕ’ውን ኣይተደልየን።

በንጻር ጥብቅና ሰብኣዊ መሰላት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዝፈጸሞ ገበን ባዕሉ ክገልጽ ተሰሚዑ። ብ3 ግንቦት1988 ህዝቢ ንምብህዳልን ንምርዓድን ብዕሊ 50 ምሩኻት ኲናትን እሱራት ፖለቲካን ከም ዝረሸነ ኣፍሊጡ። ኣመሪካ፣ ነዚ ዜና ሓዘን ክትሰምዖ ኣይደለየትን። ነቲ ምንጪ ክትነጽጎ ኣይደንጎየትን። ክርኢ ዘይደልን ክሰምዕ ዘይብገሰን እቲ ዓይኒ ዕዉር እቲ እዝኒ ጸማም ኢዩ ዝቕየር። ግፍዒ እናበኣሰ ይቕጽል። ቃልሲታት መሊሱ ይሕይል። ኣመሪካን ሰዓብታን ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ዘይርእያ ዘይሰምዓ ኮይነን ቀጸላ።

ኣብቲ እዋን እቲ፣ መዝሙር ሰብኣዊ መሰላትን ክቃላሕ፣ ማስከርያ ግብረ ሰናያት ክጉልሕ ናይ ሓያለ ሃገራት ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ይቕጽል ኔሩ። ፋይል ግፍዒ ህዝቢ ኤርትራ ከይግንጸል ተደፊኑ። እቲ ዝርዝር ብዙሕ ኢዩ። ካብቲ ክርሳዕ ዘይግብኦ እሞ ቁንጣሮ ጥራይ ኢና ንትንክፍ ዘለና። በንጻሩ ከኣ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ህዝባዊ ግንባር ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዓመትን ለላህመቱ ንተንክፍ። ብውግእ ግንባር ናቕፋ 1987 ንበገሰ። ኣብቲ ውግእ ብጠቕላላ 495 ወተሃደራት ኢትዮጵያ ካብቶም ዝሃለቑ ብዕድል ዝተረፉ ኢዮም።

ኣብ ልዕሊ ህጹህን ሕያዋይን ህዝቢ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ዓቢ ግፍዒ ዝፈጸሙ ኣዘዝቲ’ውን ኣብ ቁጽሪ ናይቶም ምሩኻት ኣትዮም ኢዮም። እዞም ግብሮም ዝፈልጡ መኮነናት ኢዶም ምስ ሃቡ፣ ኢድ ሸናሒት ጸናሒት ከጓንፎም ገሚቶም። ግን ኣይከምኡን። ኣንጻር ትጽቢቶም ዝተገበረሎም ሰብኣዊ ሓልዮትን ርህራሄን ክኣምንዎ ኣጸጊምዎም። ሓደ ካብቶም ብዙሓት መኮነናት ምሩኻት ኲናት ውግእ ናቕፋ ሻምበል ብርሃኑ ክፍሌ ኢዩ። ሻምበል ብርሃኑ ክፍሌ 12 ዓመት ኣብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘገልገለ መኮነን ኮይኑ፣ ኣባል ክፍለ ሰራዊት 15ን (15ኛ ክፍለጦር) ኣባል ኢሰፓን ሓላፊ ፖለቲካ ብርጌድ 78 ኢዩ ኔሩ። ሻምበል ብርሃኑ ክፍሌ ንኣተሓሕዛ ምሩኻት ብዝምልከት ን ጋዜጠኛታት ቃል ሂቡ ኔሩ።

ምስክርነቱ “ፈለማ ብኻ ብ ዓረር ጥይት ሞይተ ኢለ ኔረ። ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸምኩዎ በደል ኩሉ ተራኣዩኒ። ደሞም ኣይሰደደንን። ሓጥያተኛ እየ። ገሃነብ እሳት ኣብ መሬት ክርእያ ኢየ ኢለ ኔረ። እንተኾነ ኢድና ምስ ሃብና ብቐጥታ ኣምሓርኛ ዝዛረቡ ተጋደልቲ ተቐቢሎምና። ቁስልና ሓኪሞም ማይን እንጌራን ቀሪቦሙልና። ምሳና’ውን ተቐሪቦም። ምእማን ስኢነ” ክብል ንብለይን ሃርደር መስኪርሉ። ብለይን ሃርደር ጋዜጠኛ ዋሽንግቶን ፖስት ኢዩ። ነዞም ኣስታት ሓሙሽተ ሚእቲ ዝበጽሑ ምሩኻት ኲናት ግንባር ናቕፋን ቅድሚኦም ዝተማሪኹ እሞ ዝ ሞያ ሰኒቖም ምዉቕ ህይወት ዘሕልፉ ዝነበረ ምሩኻት ኢዩ ኣዘራሪብዎም። ሰብኣዊ ርህራሄን ኣተሓሕዛ ምሩኻትን ህዝባዊ ግንባር መግለጺ ቃላት ከም ዝስእነሉ ሓቢሩ ኔሩ። ህዝቢ ኤርትራ ፈዳይ ሕነ ኣይኮነን። ኣብ ሰለማዊ ህዝቡ ዝተፈጸመ ግፍዒ እቲ ደም ከይነቐጸ ንምሩኻት በቲ ብሉጽ ክብርታት ሰብኣዊ ሓልዮት ኢዩ ዝቕበሎምን ዝናብዮምን። ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ ኢሰብኣዊ ተግባራትን ብህዝባዊ ግንባር ዝተራኣይ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ልዕሊ ዝኾነ ሕብረተሰብ ናይ’ዛ ዓለም ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ይፈልጥ። እንተኾነ ይትረፍ ክትጣበቐሉ ሓቅታቱ ክትቅበር መዋእላት ኣሕሊፋን ስመ ኤርትራ ክትድውንን ጸሚዳ።

…. ይቕጽል

Eritrea-America-Ethiopia-620




image001.jpg
(image/jpeg attachment: image001.jpg)

Received on Fri Oct 10 2014 - 16:23:44 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved