Raimoq.com: ብወረ ዘይንቕነቕ ዓንዲ ሓቂ!

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Tue, 7 Oct 2014 12:57:32 +0200

ብወረ ዘይንቕነቕ ዓንዲ ሓቂ!

ብኣሮን ተስፋይ

07.10.2014

ዜናታት ሰብኣዊ መሰላት ብኸመይ ተመስሪሑ መኣስ ከም ዝወጽእ ፍሉጥ ኣይኮነን። ጸብጻብ ፍሉጥ ናይ ግዜ መቓን ዘይብሉ ምስ ዝኸውን ስሩዕ ጸብጻብ ዝብሃል ኣይኮነን። ንሱስ ደለ ይኹን። ብግዜን ናይ ግዜን ዝብሎ የብሉን። እቲ ፊን ኣብ ዝበሎም ዝወጸእ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ (ግን ከኣ ንናይ ኣመሪካ ጉዳያት ዘየጠቓልል ትሕዝቶ) ተራዒሙስ፣ ከም ወዮ ጸማም ሓደ ደርፊ ክብሃል ናይ ግድን ኢዩ። ዓለም ብግዜ ኢያ ትዕቀን። ነገራት ኣብ ሰሌዳ ግዜ ይምዘኑን ይስርዑን። ግዜ፣ ንውሓት፣ ስፍሓት፣ ክብደትን ዕምቈትን ክዝርዝርን ክልክዕን ስለ ዝኽእል። ኣብዚ ከም እንደነገሩ ዝመስል ጸብጻብ፣ ብዙሕ ሕቶታት ዘይምልስ ኢዩ። ካብቲ ብዙሕ ውሑድ እዚ ጸብጻብ ካብ መኣስ ክሳብ መኣስ የጠቓልል? መን ኢዩ ጸብጻቢኡ? ምንጪ ሓበሬታ ልክዕነትን ጸግዒ ኣልቦነቱን ወድዓውነቱን ኣለዎ ዶ?” መልሲ የብሉን። ክህልዎ’ውን ኣይድለን። ኪወሃቦ’ውን ኣይፍቀድን።

ብዝኾነ ብተራ ፍልጠት እቲ ዝወሃብ ጸብጻብን ዝተገብረ መጽናዕትን ከም መበገሲ ብምውሳድ ኣብቲ ዝቐርብ ነጥቢታት ኣመሳቒልካ ምርግጋጽ የድሊ ኢዩ። ግን ከኣ ኣቕራብቱ ርእይ ኣቢልካ ናይቲ ዝወሃብ ጸብጻብ ልክዕነትን ሓቅነትን ብሕቶታት ኣቐምጥ እንተኣቢልካዮ፣ መን ክሓፍረላ ከም ዝበሃል ትሓንኽ።

እዚ ጸብጻብ እዚ ግን ናብ ጉዳይና እንተድኣ መሊስናዮ ንባዕሉ እቲ ጉዳይ ንድሕሪት ኢዩ ዝመልሰና። ርሑቕ ዘምልስ የብልናን። ካብ 1950ታት ጥራይ ንጀምር። እታ ኩሉ ግዜ ክትዝንጋዕ ዘይግብአ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጆን ፎስተር ዳላስ፣ ንምቑራን ኤርትራ ናብታ ካብኣ ዝደሓረትን ዝደኸየት ሃገር ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ብ1952 “ ብሕጋዊን ፍትሓዊን ዓይኒ እንተድኣ ርኢናዮ፣ ርእይቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ከነእትዎ ይግባኣና ኔሩ። እንተኾነ ግን ስትራተጂያዊ ረብሓና ኣብ ቀይሕ ባሕርን ማእከላይ ምብራቕን፣ ንኤርትራ ምስ መሓዛና ኢትዮጵያ ክትጥመር ግድን ገይሩዎ ኣሎ” ክብል ገሊጹ። ኣብዛ ነጥቢ እዚኣ ሕቶ ሰብኣዊ መሰላት እስከ ነቐምጥ። እንታይ ክኸውን ይኽእል መልስና? ህዝቢ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰሉ እንታይ ኮነ? ሓርነቱ ብኸመይ ተጋህሰ? ርእሰ ግሉጽ ዝኾነ ሕቶታት ኢዩ። ምሉስ ኢዩ። ንስገር!

ኣብ ክፍላ ናይቲ ዓመታት ማለት ካብ 1952 ንድሓር ክሳብ መጀመርያ 1960ታት ከም ሕቶ ነልዕሎ። ኤርትራዉያን ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ሰልፍታትን ብጥይት ክቕተሉን ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ኣብ ኣብያተ ማእሰርትታት ክዳጎኑ ኸለዉ፣ ኤርትራዊ ኣካል እዛ ሕብረተሰብ ዓለም ዶ ኣይኮነን? ሰብኣዊ መሰል ክሕልወሉ ኣይግባእን ድዩ? ኣብቲ እዋን እቲ ዓበይቲ ጋዜጣታት ዋሽንግቶን ስእለ እምብራጦርያ ንጉስ ሃይለ ስላሰ ኣግዚፈን ብዙሕ ክዛረባን ኪውርጽጻን ከለዋ፣ ብዛዕባ እቲ ብዝኸዶ ዘይምለስ ኣብ ዝኣተዎ ዝሓቕቕ ዝነበረ ኤርትራዊ መንእሰይን ኣባላት ፖለቲካዊ ምንቕስቓሳት ብፍላይ ከኣ ኣባላት ሐረካ elm እንታይ በላ? ሓንትስ መዓልቲ ዋላ ንብዓት ኣምሰሉስ ነቢዐን ዶ ይፈልጣ? እሞ ኸኣ ብሪጣንያዊ ኮምሽነር ፖሊስ ኤርትራ ኣብ ዝነበረሉ ዓመታት፣ ህዝቢ ኤርትራ ሰብ ዶ ኣይኮነን። ሰብኣዊ መሰል ዶ ኣይኮነን መዝሙረን?

ባንዴራ ኤርትራ ብሓይሊ ካብታ ናይ ዜጋታት ዘንጊ ክትወርድን እቶም እምቢታ ዘስምዑ ኣብ ፈቖዶ ጎደና ክዝሕዝሑ ከለዉ፣ ሕቶ ሰብኣዊ መሰላት ተላዒሉ ዶ ይፈልጥ?

ሰውራ ኤርትራ ምንቅስቓስ ንሓርነትን ደሞክራስን ክብገስ ከሎ እሞ ኸኣ ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ ኣስመራን (ቃኘው)ንከባቢ ኣስመራ (ዓሻጎልጎል)ን መደበር ራድዮ ከፊታ ናይ ደርፍን መዝሙር ሰብኣዊ መሰላትን ከተቃልሕ እንከላ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብጅምላ ዝፍጸም ዝነበረ ህልቂት እንታይ ኮን ኢላትሉ? ኣብ ዓዲ እብሪሂም ተኽረረት ዝተፈጸመ ምንዳድ ዓድታትን ምሕራድን ምጉማድን ጥብቅና ኣመሪካ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ነበረ? ናይ ሃዞም ህልቀት፣ ናይ ዖናን በስጊደራን ዝጠፍአ ህዝቢ ኤርትራ ሰብ ዶ ኣይኮነን? እንታይ ደኣ በለት ኣመሪካ? ወከዛግር ክቃጸል ወኪዱባ ህዝቢ ክሕረድ እሞ ኸኣ ኣመሪካዉያን ጠቕሊሎም ኣብ ኤርትራ ከለዉ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ተዛሪቦም ዶ? ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ጸብጻቦም ኣቕሪቦሞ ዶ ይፈልጡ?

ህብረተ እዝ ድሓር ግምቢ ዓቢ ዝተቐየረ ቤት ማሕቡስ ቤተመንግስቲ ነበር፣ ሃገር ዝፖለቲካኦም መንእሰያትን ተኣሲሮም፣ ብመሕደር ኣፍራስ ዝፍለጥ ክፍልታት ክመልእን ካብ ዕለት ናብ ዕለት ሕዪራት ክውስኹን ክቕተሉ ከለዉን ብዛዕብኦም እንታይ ተባሂሉ ይፈልጥ? ኣብያተ ማእሰርቲ መሊኡ ካብ ግንቢ ዓቢ ናብ ኤክስፖ፣ ካብ ኤክስፖ ናብ ጸጸራትን ሰምበልን ሓዝሓዝን ክሰግር ከሎ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት እንታይ ተባሂሉ ይፈልጥ?

ዓዲታት ሕርጊጎ ክቃጸል፣ ኣብ ቁሩሕ ዝተሰዉኡ ተጋደልቲ ናብ ማእከል ከተማ ከረን ኣትዮም ኣብ ቃልዕ ከም ክዳን ኣብ ስልኪ ክስጥሑ ከለዉ፣ ኣመሪካ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ክትብል ተራእያን ተሰሚዓን? ሰውራ ኤርትራ ግስጋሰኡ ኣብ ዝሰፍሓሉ ኣብ ዓቢ ወተሃደራዊ ግጥማት ኣብ ዝኣተወሉን ዓወታት ኣብ ዝረኸበሉን ከ ስለምንታይ ኢያ ነቲ ሓቐኛ መስመር ጎስያ ብሕቡእን ብቑሉዕን ንመዳለዉ ግዜን ብዘይኣጀንዳን ናይ ቱኒዝያ ዘተ ዕርቀ ሰላም ከተዳልዉ ተራእያ? መንግስቲ ኢትዮጵያ ደልዲሉ ኣብ ዝበለቶ ስለምንታይ ነቲ ዘተ ሰላምን ፋይሉን ቀቢራን ረሲዓቶን? እቲ ሕቶ ብዙሕ ኢዩ።

ፍሩይ ፍሩይ ጥራይ ክንመርጽ። ደርግ ብስም እቲ ረድኤት ወተሃደራት ከዕጥቕ ከሎን እቲ እኽሊ ነቲ ዝግብኦ ሕብረተሰብ በጺሑ ዶ ኣይበጽሐን ተባሂሉ ዶ? ሓድሕድ ውግእ ክብገስ ይጣፍኡ ኣለዉ ብምባል ሓንትስ መዓልቲ ዶ ዓገብ ስለ ሰብኣዊ መሰላት ኢላ ዶ?

በንጻሩ ውግእ ሕድሕድ ተወዲኡ ሜዳ ኤርትራ ብመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ክቕለስ ከሎ ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ ሱዳን ነታ ዝወጹላ ዕላማ ናጽነት ምስ ኣሕዋቶም ኮይኖም ቃልሶም ከይቅጽሉ፣ ብመገዲ ቀይሕ መስቀል ካብ ሱዳን ብህጹጽ ከተውጽኦም ኢያ ተራእያ። ማዕረ ማዕረኡ እቲ ጭሩ ዝሰምዓቶ ሓንሳብን ንሓዋሩን ሰውራ ኤርትራ ክጠፍእ እዩ ዝተባህለ ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ ክካየድ ኢዩ ክብሃል ከሎ ስለ ሰብኣዊ መሰላት ዶ ኢላ? ውጉዝ ኣጻዋር ኣብ ሻድሻይ ወራር ክኩዖን ግደፍ ሰብ ኣኻውሕ ክመኩ ከለዉ ኣብ ሰብኣዊ ጸብጻብ ኣቕሪባ ዶ? ቅድሚኡን ድሕሪኡን ናብ ሜዳ ኤርትራ እንግሊዛውያንን ኣመሪካን እንታይ ኮን ኢላ?

ኣደታት ነፍሰጾራት ትሕቲ ዕድመን ስንኩላትን ከይተረፉ ክእሰሩን ኣብ ጎላጉል ቁሸት ኣስመራን ዳዕሮ ቃውሎስን ክርሸኑ ከለዉ እንታይ ኮን ኢላ? ብዓቢኡ እቲ ኣብ 1990 ኣብ ወደባዊት ምጽዋዕ ዝተፈጸመ ናይ ቀቢጸ ተስፋ ስጉምቲ ቅብጸት፣ ኣመሪካ ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ጸብጻብ እንታይ ኣቕሪባ? እቶም ደኩመንታሪ ፊልም ቅብጸት ናብ ዋይት ሃውስ ዘጽብሕዋ ኣባላት ሓፋሽ ውዱባት ስለምንታይ ከም ዝእሰሩን እታ ካሴት ከም ትጠፍእን ተጌሩ? ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ክትዛረብ ከላን እቶም ልሳና ክደግሙ ዘጋውሑ ክትሰምዕ ከለኻ፣ ሓፊስ ዋዛ ጥራይ ኢኻ ትብሎ። ዘይተቓጠነ ቀልዲ።

ይቕጽል…………

 

Received on Tue Oct 07 2014 - 06:58:44 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved