Erigazette.org: “ካብ መዝነቱ ዝወረደ ሹመኛ ሩባ ወሪዱ ነታ ሓንቲ ቅድሒ ነታ ካልእ ጽንሒ ይብል”

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Mon, 6 Oct 2014 23:35:36 +0200


“ <http://erigazette.org/?p=8388> ካብ መዝነቱ ዝወረደ ሹመኛ ሩባ ወሪዱ ነታ ሓንቲ ቅድሒ ነታ ካልእ ጽንሒ ይብል”


Oct 06, 2014

ገብሩ ኣስራት ካብ ዝነበሮ ሓላፍነት ወሪዱ ምስ ተባረረ እንሆ ነቲ ደም ደቂ ህዝቢ ዘይረወየ ድልየቱ ንምምላእ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣተሓሳስባ ሓፋሽ ዘይነበረ “ብሓንቲ ዱሙ ሓምሳ ኣናጹ ብሓንቲ ፍሊት ሺሕ ሃመማ ዝብል ጭርሖ ኣለዎም: ይኑዕቁና እዮም።” እንዳበለ ብምንዕዓብ፥ “ኹናት ክንድዝወሰደ ግዜ ይውሰድ፡ ክንዲ ዝተኸፍለ ይከፈል
ክቕጽል እዩ” ኢሉ ዝምድረሉን ዝእዝዘሉን ዝነበረ መዝነት ስለዘይብሉ ኣብ ርሑቕ ስደት ሂወቱ ኣውሒሱ፡ ጌና ከም
ልማዱ ኣህዛብ ንኸናቑት ንሕጋውያን ዉዑላትን ስምምዓትን ነቲ ሓደ ከፍርስ ነቲ ካልእ ክመልስ ቅሂሙ ሓምኹሽቱ
ንዝተወዳኤ ጉዳይ ከንበድብድ ይስማዕ ኣሎ።

እቲ ከም ምጉት ዘቕርቦ ምኽንያት ብምስምስ ረብሓ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኣፍደገ ባሕርን ዝተሸፈነ ኮይኑ ቀንዲ ዕላማኡ
ግን ሰላምን ብልጽግናን ሃገርን ህዝብን ዘይኮነ ሓላይ ተመሲሉ ልቢ ግሩሃት ብምስላብ ናብቲ ከይጸገበ ዝተሰገጎ
ስልጣን መምለሲ መገዲ ንምርካብ እዩ። ብረብሓ ህዝቢ ዝግደስ ወገን ኹናት ኣይቁስቁስን ጥራሕ ዘይኮነ ብዋጋ ካልእ
ህዝቢ ሽርሕን ጽልእን ብምኹስኳስ ኣይሓብልን መባድልቲ እውን ኣይምህዝን። ኣብ ኣመራርሓ ውድብ ዓረና ትግራይ ኮይኑ
ብዛዕባ ረብሓ ጠቕላላ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክግደስ ናይ ዝኾነ ትጽቢት ኣይኮነን። ብዓቢኡ ከኣ ጌና እቲ ጸቢብ ዝኾነ
መበገሲ ቃልሱ ንምቛም ሃገረ ትግራይ ዝብል ጡምሑን ሕልሚ ሓዳሪ ሕማሙ የህተፍትፎ ከምዘሎ እዩ ዘነጽረልካ።

ገብሩ ኣስራት “ውሳኔ ዘ ሄግ ፈሪሱ ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ እትረኽበሉ ምድርዳር ክግበር ኣለዎ” ብምባል
ዘቕርቦ ምኽንያት፥ “ናይ 1902, 1908 ዓ/ም መግዛእታዊ ናይ ዶብ ውዕላት ዋጋ የብሎምን ምኽንያቱ ኣብቲ ውዕል
ጣልያን እንተለቒቑ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ትምለስ ስለዝብል፥ ሞሰሎኒ እውን ባዕሉ ነቲ ውዕል ኣፍሪሱ ንኢትዮጵያ
ስለዝወረራ፥ ብ1952 ዓ/ም ሕ/መ/ዓ ኤርትራ ብፈደረሽን ናብ ኢትዮጵያ ስለዘወሃሃደ” ይብል። ብመሰረቱ እቲ
ንዳንነት ተሰምዩ ዝቖመ መጋባእያ ዝህቦ ውሳኔ ኣብ ናይ ዶብ መግዛእታዊ ውዕላትን ስምምዓትን ተሞርኪሱ ክውስን`ዶ
ኣይኮነን? ዕላማ ምስፍሕፋሕ መግዝእቲ ጣልያን ንሓዋሩ መሬት ገቢቱ ንምርስታይ`በር ንዝተወሰነ ድሩት ግዜ ድዩ?

ኤርትራ ግዝእቲ ጣልያን ክትከውን ፍቓድካ ምርግጋጽ`ከ ዘይናትካን ዘይትምልከተካን ምዃና ካብ ምእማን ሓሊፉ ካልእ
እንታይ ትርጉም ይወሃቦ? እቲ ብዘይድሌት ህዝቢን ባይቶን ኤርትራ ብሓይልን ዓመጽን ጃንሆይ ንዝፈረሰ ፈደረሽን ሕጂ
ክምለስ ኣለዎ ምባል ንነጻ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዳግማይ ምዕምጻጽን ንሓዋሩ ኣብቲ ዞባ ኩናት ምውላዕን`ዶ
ኣይኮነን? ውዕል ኣልጀርስ ብናይ ክልቲኤን ሃገራት መራሕቲ ኣብ ቅድሚ ወኪል ሕ/መ/ዓ፡ መሰኻኽር መራሕትን
ወከልትን ዓለማትን ዝተፈረመ፥ መጋባእያ ዘ ሄግ ድማ ብመሰረት ዝተዋህቦ መዝነት ብዝቐረበሉ ናይ ክልተ ወገናት
መርትዖ ዝወሰነ ሕጋዊ ኣካል እዩ። ሕጋውያን ውዕላትን ስምምዓትን ብቐዋምነት ተኸቢሮም ብሕጊ ተጠሚሮም ዝነብሩ
ደኣ`በር ከም ኣተሓሳስባ ገብሩ ኣስራት ጸወታ ቖልዑ ኣጉዶ ኣጉዶ ኮይኑ ከምድላይካ እተፍርሶን ትጉሽቶተይ ኢልካ
 ትሓድጎን ኣይኮነን።

“ኢትዮጵያ ትኣክል ሃገር ብዘይ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ክትነብር ከምዘይትኽእል ሕ/መ/ዓ ኣሚኑ ኣብ 1952 ዓ/ም ናይ
ባሕሪ ኣፍደገ ክህልዋ ኣፍቂዱ ፈደረሽን ክግበር ወሲኑ አዩ” ዝብሎ፥ እቲ ኣብ 1993 ዓ/ም ንውጻኢት ረፈረንዱም
ህዝቢ ኤርትራ ተቐቢሉ ልዑላዊት ሃገር ምዃና ብወግዒ ፈሊጡ ባንዴራኣ ብማዕረ ናይ ኩለን ሃገራት ዓለም ኣብ ቀጽሪ
ቤት ጽሕፈቱ ዘንበልበለ ናይ ኣየነይቲ ሕ/መ/ዓ ድዩ? ንምዃኑ ገብሩ ኣስራት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘለዎ
ንዕቀት ክሳብ ክንደይ ይግዕዚ? 44 ሃገራት ኣብዛ ኣንነብረላ ዓለም ብዘይ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ብሰላም ኣብ ጎደና
ዕቤት ከም ዘለዋ ኣይፈልጥን እዩ ዝብል ብድዔ ኣበይ`ዩ ከብጸሖ? ወይ ከምዚ ንሱ ዝብሎ ዝደግሙ ጎራሓት ወይ
ዓንተራት ዜጋታት ስለዝሰኣና እየን ብዘይ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ምስ ከባቢኤን ብሰላም ተሳንየን ዝነብራ ዘለዋ ድዩ
ክብለና? ኢትዮጵያ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ብሰላም ኣደቂሳ ብናቱ ኣረኣእያ “ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ስኢና” ካብ ጎደና
ዕቤት ተሰናኺላ ኣላ ድዩ ክብሎም ደልዩ? ከመይ ከም ዘለዉ ንሱ ዘይኮነ ንሶም እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ዘለዉ
መሰረታውያን ህዝብታት እዮም ዝፈልጡዎ።

ሎሚ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ኹናትን ወረ ውግእን ንውጹዓት ኣህዛብ ናይ ክልትኤን ሃገራት ዒቕ ኢሉዎም ብሰላም
ልዑላውነቶም ተኸባቢሮም ብሕጊ ተቐይዶም ክነብሩ እዩ ድልየቶም። ነንሓድሕዱ ዝጋጮ መፍትሒ ሽግር ተባሂሉ ቀሪቡ ዘሎ ናይ ገብሩ ኣስራት ፍልስፍና፡ “ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ እያ፥ ኢትዮጵያ ግድን ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ክህሉዋ ኣለዎ፡
ቅድሚ ሕጂ ዝተቓለስኩሉን ዝሰማመዓሉ ዝነበርኩን ሕጂ (ካብ ሓላፍነቱ ምስ ተባረረ) ክርእዮ ከለኹ ጌጋ እዩ፡ ኩሉ
ናይ ቅድም ዝነበረ ስምምዓትን ዉዑላትን ፈሪሱ ከም ብሓድሽ ንህላወ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ኢትዮጵያ ዘረጋግጽ ምድርዳር
ክንገብር ኣሎና” እንዳበለ፡ ተመሊሱ ሓላዪ ክመስል ድማ፥ “ኣብ ክልትኤን ሃገራት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ተተኺሉ ናብ
ሓንቲ ሃገር ኢትዮጵያ ክጠቓለላ ኣለወን” ምባል፥ ንድልየታት ህዝቢ ዋጋ ዘይህብን ነቲ ናይ ኩናት ጥሙሕ መኸወሊ
ክጥቀመሉ ዘንቀደ ዘይግብራዊ ፍንጭራዕ፡ ካብ ህርመት ልቢ ናይ ክልቲኡ ኣህዛብ ዘይምፍላጥ ዝነቐለ ሳንኩፍ ናይ
በለጽ ኣተሓሳስባን ህርፋን ኩናትን ስሰዓ ብሕታዊ ስልጣንን እዩ።

ገብሩ ኣስራት ኣብ እዋን ብጽሕናኡ ምስ ሓይሉን ስልጣኑን እንከሎ ዝገበሮ ሎሚ ብተኻል ዔዖ (ኣነዓዓቢ) ባህርያቱ
ተባሪሩ ምስ ተነጸለ፡ ብጣዕሳ ዝሓዋውሶ ዘ ሎ መርገጺ ንማንም ወገን ከደናግሮ ዝከኣል ኣይኮነን። ብዛዕባ ዘየሎ
ነገር ሚዛን ሂብካ ምዝራብ ግን ነቲ ጉዳይ ንኽህሉ ዝደናደን ኣጋጣሚ ብምዃኑ፡ ነቲ ሕንዙ ወዲኡ መርዙ ዝተጀለሐ
ግናይ መንፈስ ክንሻቐለሉ ኣይግባእን። ጠመተና ንሰላምን ብልጽግናን ብምክብባር ሓድሕድ ከነማዕዱ ይምረጽ።

ሰላምን ብልጽግናን ንክልቲኡ ኣህዛብ!!

ክፍለዮሃንስ ተወልደብርሃን

http://www.ethiopianreporter.com/pre-rep/images/stories/webpics/1037GebruAsrat.jpgገብ ኣስራት




image001.jpg
(image/jpeg attachment: image001.jpg)

Received on Mon Oct 06 2014 - 17:35:41 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved