[dehai-news] Book Review (Translated by Fisum Amha)

From: <hbokure_at_aol.com_at_dehai.org>
Date: Wed, 6 Nov 2013 19:34:12 -0500 (EST)

ኣርእስቲ፡ ጃኩሊን
ደራሲት፡ ኣጋታ ክሪስት
ተርጓሚ፡ ፍጹም ኣምሃ
ኣንባቢ፡ ሃይለ ቦኹረ
 
                                   ጃኩሊን


        እዛ መጽሓፍ ኣርእስታ ብስም ሓንቲ ካብቶም ቀንዲተዋሳእቲ ዝኾነት “ጃኩሊን” ትሰየም እምበር፡ ብእንግሊዝ ግን “ Death on the Nile” ዝብል ኢዩ። ናብ ብዙሓት ቋንቋታትዓለም ዝተተርጐመት ኢያ። ደራሲት ከኣ ኣጋተ ክሪስቲ ትበሃል።


        እቶም ቀንዲ ተዋንያን (protagonists)ወይ ገጸ-ባህርያት ብጀክኣ ከም በዓል ሳይመንን ሊነትን ዝኣመሰሉ ኢዮም። ከምኡ ካልኦት ብካልኣይ ደረጃ ዝስርዑ ተዋስኣቲ ከም ፕዋሮንርሴን ብፍላይ ገበን መርመርቲ ዝዀኑ (detectives) ክጥቀሱ ይከኣሉ።


        ሊነት ወጅሃ (personality) ብዘመልክት፡-ጽብቅቲ፡ ተሓዋሲት፡ ማራኺት፡ ጥንቅቅቲ ከትከውን ከላ፡ ካብ ሃብታማት ስድራ-ቤት ብምውላዳ ንመጻኢ “ወራሲት” ክትከውን ትጽቢትይግበረላ። ጃኩሊን መሓዝኣ ግና ብመልክዓን ብባህሪኣን ዝወጻ እኳ እንተዘይብላ፡ ብመናባብሮኣ ርኽብቲ ኣይኮነትን። ኰይኑ ሳይመንነታ ንመጀመርያ ግዜ ዘፍቀራ ማለት ጃኩሊን ራሕሪሑ ንሊነት ይምርዓዋ።በዚ ዝተላዕለ ጃኩሊን ሕነኣ ክትፈዲ እግረ-እግሮም ብምኻድ ክትስዕቦም፡ ቅልውላው ናይዚ ሕልኽልኽ ዝመልኦ ዛንታ ይጅመር። እቲ ኣዝዩዘተሓሳስብን ዘጨንቅን ግና፡ እቶም ክልተ ምርዑዋት ናብ ዝኸድዎ ዘበለከመይ ጌይራ ጃንኩሊን ክትፈልጥ ምኽኣላ ኢዩ።


        ብምክትታል ሓደ ግዜ ኣብታ ኣብ ካይሮ ዝዓረፈትመርከብ፡ ብፍላይ ኣብ መዕለሊ ክፍሊ ገሊኦም ተጓዓዝትን ከምኡ ድማ ሊነትን ሳይመንን ፑዋሮን ሬሰን ዝነበርዋ ጃኩሊን ትርከብ። ጃኩሊንደጋጊማ ብሩቱዕ መስተ ምስ ሰተየት፡ ነታ ኣብ ቦርስኣ ዝነበረት ሽጉጥ ኣውጺኣ ንሳይመን ትትኩሰሉ። ግን ኣጸቢቁ ኣይጉዳእን። ነታካብ ኢዳ ዝወደቀት ሽጉጥ ብእግራ ደፊኣ ትሕቲ ሳሎን ተእትዋ። ነዛ ናይ ኢድ መሳርያ ንምርካብ ድማ ንዳሕራዩ ብዙሕ ምርመራ ይግበር።


        ብድሕሪ’ዚ ሊነት ኣብ ዓራታ ተቀቲላ ትርከብ።ብተኸታታሊ ብርጂ ኣገልጋሊት ሊነት ዝኾነትን ከምኡ ሓንቲ ካብቶም ተጓዓዓዝቲ ይቅተላ። በዚ ዝኣክል ፑዋሮን ሬሰንን ነዚ ሕልኽልኽዝመልኦ ወንጀል ኣብታ ውሽጢ መርከብ ንምክትታል ዘካይድዎ ዕምቆትን ብልሓትን ዝመልኦ ምርመራ (interogation) ነዚ ዛንታኣዝዩ ማራኺን ሰሓቢን ይገብሮ።


        ድሕሪ ብዙሕ ምርመራ (criminalinvestigation) ሳይመን ብፍላይ ንሊነትን ብርጂን ከም ዝቀተለን ከምኡ ነታ ተጓዓዓዚት ሰበይቲ ጃኩሊን ከም ዝቀተለታ ይፍለጥ።ቀጺሉ’ውን ጃኩሊን ብዘስመዓቶ ኑዛዜ ይረጋገጽ።


        እቲ መቅተልቲ ካብ ብርሑቁ ብቀረባ መሓዙት ክፍጸምኢልካ ዘይሕሰብ ኢዩ። መንቀሊኡ ግን ንምእማኑ ዘሸግረካ ሓሊፉ ብምግራምዘሰንበድካ ሓደ ሕቡእ ሸርሒ ይርከቦ። እዚ ኣንበብቲ ባዕላቶም ክድህስስዎ እገድፎ።


        ብፍላይ ፍጹም ኣብርሃ ከም ኣንበብቲ ኩላትናብንርድኦ ቋንቋ ነዚ ዘስደምም ዛንታ-ወንጀል (crime story) ብጽፈት ብምትርጓሙ ዝምስገን ኢዩ። ከም ፍረ-ጻምኡ ድማ ነዚዝደኸመሉ ጽሑፍ ብምንባብ እስኪ “ ሃየ! ኣጆኻ! ሃብሮም” ንበሎ።


The author can be reached by writing to:-
Futsum Amaha
P.O.Box 6974
Asmara, Eritrea
Mobile Tel. 291-7123834
E-mail: futsum74_at_yahoo.com
Face book: Futsum Amaha


Haile Bokure
Received on Wed Nov 06 2013 - 20:13:42 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved