[dehai-news] ኣብ ትሕቲ ስለያ ኣመሪካ ዝወደቐት መራሒት ጀርመን

From: Dimtzi Eritrawian Kab German <eritreanvoice.germany_at_googlemail.com_at_dehai.org>
Date: Sat, 26 Oct 2013 08:42:09 +0200

ኣብ ትሕቲ ስለያ ኣመሪካ ዝወደቐት መራሒት ጀርመን
http://50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_25102013.pdf

ትካል ሃገራዊ ስለያ ኣመሪካ ንመስመር ተሌፎን ቻንስለር ጀርመን ኣንገላ
መርከል ብምስጢር ክከታተሎ ምጽንሑ ተቓሊዑ።
ሰራሕተኛ ናይቲ ትካል ነበር ኣመሪካዊ ኤድዋርድ ስኖውደን ዝዝርግሖ ዘሎ
ምስጢራዊ ሰነዳት፡ ትካል ሃገራዊ ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ስለያ ኣመሪካ ዝወደቐት
መራሒት ጀርመን ኣመሪካ ንዝዝርብ ተሌፎን ኣንገላ መርከል
ተኸታቲሉ ክስንዶ ምጽንሑ ተነጺሩ።
እቲ ብጭብጢ ዝተሰነየ ሓበሬታ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ኣንገላ መርከል ንኣመሪካዊ
መዘናኣ ባራክ ኦባማ ብምድዋል ኣብ ልዕሊኣን ካልኦት ጀርመናውያንን
ዝተኻየደ ስለያዊ ምክትታል ብዝርዝር ክግለጸላ ጠሊባ’ላ።
ኣፈኛ’ታ ቻንስለር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ተግባራት ስለያ ኣመሪካ
ፈጺሙ ዘይቅቡል’ዩ” ብምባል ኩነኔኡ ኣስሚዑ። ማዕከናት ዜና ጀርመን ብወገነን፡
ንተግባራት ስለያ ኣመሪካ ዝኹንን ትሕዝቶ የቃልሓ ኣለዋ።
እቲ ትካል ኣቐዲሙ ንርክብ ተሌፎንን ኢመይልን ፕረዚደንት ብራዚል ዲልማ
ሩሰፍ ብምጭዋይ ብምስጢር ክከታተሎ ምጽንሑ’ዩ ዝግለጽ።
ሃገራዊ ትካል ስለያ ኣመሪካ ምዕቡል ተክኖሎጂ ተጠቒሙ ንርክብ መራሕቲ
ሓያሎ ሃገራት ከይተረፈ ከምዝጸናጸን፡
ብኤድዋርድ ስኖውደን ዝተዘርግሑ ምስጢራውያን ሰነዳት የነጽሩ።
እቲ ኣመሪካዊ ዜጋ፡ ነቲ ድጂታላዊ ሰነድ ሒዙ’ዩ ካብ ሃገሩ ብምህዳም፡ ኣብ
ሩስያ ዕቑባ ሓቲቱ ዘሎ።
Received on Sat Oct 26 2013 - 18:03:33 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved