[dehai-news] መግለጺ መሪር ሓዘን ኤርትራዊያን ተቐማጦ ከተማ ሸፊልድ “ዓባይ ብርጣንያ”

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Thu, 17 Oct 2013 12:35:11 +0100

ብምኽንያት እቲ ኣብ ደሴት ላምፓዶሳ ዘጋጠመ ናይ ኣሕዋትን ኣሓትን ባሕረ- ህልቂት፣ ተቐማጦ ሸፊልድን
ከባቢኣን ዓዲ እንግሊዝ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘንን ስንባደን ንኹሉን ምስ ኩሉን ኤርትራዊ ድምጽና ክንሕውስ ዜጋዊ
ግዴታ ኣሎና። ከም ዝመስለና እዚ ወደቓ’ዚ ኣብ ልዕሊ ኹሉ ሃገራዊ ከቢድ ጓሂን ትካዘን ዘስገደደ ዘሕዝን ሓደጋ ኢዩ።

ክንዲ ዝኾነ ድማ ኣባላት ኮምዩኒቲ ኤርትራውያን ሳውዝ ዮርክሼር (ዓዲ እንግሊዝ) ንኹሎም’ቶም በዚ ወሪዱ
ዘሎ ኣበሳ ብቐረባ ዝተተንከፉ ማለት ቤተሰብን ኣዝማድን ፈለጥትን
እቶም ኣብ ባሕሪ ህይወቶም ዝሰኣኑ መንእሰያት፣ ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።
ዓወት ንሓፋሽ!!

ኮምዩኒቲ ኤርትራውያን ሳውዝ ዮርክሼር
Received on Thu Oct 17 2013 - 13:45:50 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved