[dehai-news] ገምጋም መጽሓፍ፡ ካብ ማህደር ገድላዊ ተሞክሮና (Reminiscences Of Struggle Years)

From: <hbokure_at_aol.com_at_dehai.org>
Date: Sat, 21 Sep 2013 12:28:03 -0400 (EDT)

     ኣርእስቲ፡ "ቅንጥብጣብ ፡ ካብ ማህደር ገድላዊ ተሞክሮና"
      ደራሲ፡ ኣስገዶም ርእሶም ሓደራ
      ኣንባቢ፡ ሃይለ ቦኹረ
ኣርእስቲ መጽሓፍ ከም ዘመልክቶ ደራሲ ከም ተጋዳላይመጠን ብውሕሉልን ብዝምስጥን ስልቲ ኣጻሓሕፋ ክዝክሮም ዝኽእል ዘስተንክሩ ገድላዊ ፍጻሜታት (reminiscences) ይትርኽ። ናብቲዝርዝር ጽሑፍ ቅድሚ ምእታውና፡ ደራሲ ኣብ መበል ሰብዓ ሓደ ካብቶም ኣባላት ምንቅስቃስ ተማሃሮ ኤርትራውያን መጠን ናይ ራብዓይዓመት ዩኒቨርስቲ ትምህርቲ ኣቋሪጹ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከም እተሰለፈ፡ ብድሕሪ’ዚ ብዘጋጠሞ ናይ ሕድ-ሕድ ምፍልላይን ዘይምቅዳውን ዝኣክል ናብ ህዝባዊ ግንባር ከም እተጸንበረ ብምግላጽ እንሆ ትሕዝቶ ጽሑፉካብ ብሰፊሑ ብሓጺሩ ንዝርዝሮ።


        ደራሲ ኣብ መበል ሰብዓ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብዝተሰለፈሉ ግዜ፡ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝተኻየዱውግኣት ኰኑ በዚ ኣንጻር ደርጋዉያን ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ጥንታውያን ዓድታትን (historical landmarks) ዝውረድዎም ዕንወትንግፍዕን ይገልጽ። ደራሲ ካብ ተዓሊም ግዜ ጀሚሩ ክሳዕ ኣብ’ቲ ውግኣት ዝካፈለሉ ዝነበሩ መደባትን ምድልዋትን ፍጻሜታትንቁልጭ ኣቢሉ ክትንትኖም፡ ብሓቂ ብሓቂ “ግጥም” (War Theatre) ናይ ገዛእ ርእሱ ስልትን ባህርይን ከም ዘለዎ የገንዝበና።


        ይምህረና እውን!


        ደራሲ ካብ ኻልኦት ፍሉይ ዝገብሮ ግን ብዛዕባ’ዛምልክት ጽንዓትን ኣርማ ኤርትራ ዝዀነት ማለት “ገመል” ብፍቅርን ብሓልዮትን ልዕሊ ኹሉ ግን ብምስትውዓል (keenobservation) ኣስፊሑ ብምዝርዛሩ ኢዩ። እኳ’ድኣ ካብ ሓደ ኣብ ከበሳ ዝዓበየ ተጋዳላይ ብዛዕባ ኣግማል ናይ ሮራ ሳሕልን ባርካን ጠባየን ዀነ ቅርጺ ኣካላተን ብዑምቀት ክገልጸልካዘይትጸበዮ ነገር ኢዩ። ኣቀዲምና ከም ዝገለጽናዮ ደራሲ ኣብቲርእሲ ውሑሉል ጽሑፋቱ ብተፈጥሮ ክሳብ ክንደይ ናይ ምስትውዓል ትዕድልቲ ከም ዘለዎ ክንግንዘብ ንኽእል። ብሓቂ ገመል ብዓቅላንብተጻዋርነታን ብመስዋእታን ናጽነት ኤርትራ ጥራይ ከይዀነ፡ ቅድስቲ እንስሳ ናይ ሰብኣ-ሰገል ከም ዝዀነት ኣመስኪራ ኢያ። ክንደይብዛዕብኣ ዘይተዘመረ! ክንደይ ብዛዕብኣ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዘይተገጠሙ! ስለ’ቲ ቅድስንኣ እቲ “ሽፍትነት” ዝብልዎ ዝነበሩ ተጻባእትና ትእምርቲ “ መስእዋትነት” ( a distinguished mark of martyrdom) ምዃኑ ኣጸንቢላቶኢያ።


        ከምቲ ብልማድ ዝጸንሔ፡ ተጋደልቲ ብዛዕባ ገድላዊመናባብርኦምን ዘሕለፍዎ ስቅያትን ጥምየትን ዕርቃንን ንምግላጽ ኣዝዩ ዘሰክፎም ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ስለ ካብኡ ንላዕሊ “መስዋእቲ”ወይ “በጃ ህይወቶም” ስለ ዝሓትት። ይኹን እምበር ከምቲ ሓድጊ-ውላድከምኡ ሓድጊ-ታሪኽ ስለ ዝጽበየና፡ ንዝመጽእ ወለዶ ተልእኾ ከም ዘለና ኣይሰሓትን። ደራሲ ነዚ ብምስትውዓል ብምምዝጋቡ ቅሳነት ይስማዓና።


        ደራሲ በብታራ ኣብ ውሽጢ እቶም ሹዱሽተ ወራራትተጋደልቲ ጥራይ ከይኮኑስ፡ እንተላይ ሓፋሽ ህዝብናን ኣኽራናት ኤርትራንኣብ ብሔራዊ ቃልሲ ተኻፈልቲ ከም ዝነበሩ ብልቢ ይገልጽ። ኣብ ከብዲ ኣኽራናት ሳሕል ድፋዓትን በዓትን ብምህናጽ ዝግበር ዝነበረምክልኻል ካብ ናይ ተራ እንስሳ እንታይ ዝፈልዮ ነይሩ? ተጋደልቲምስ መሬትን ኣኽራናት ተላሒጎም ክዋግኡ ከለው፡ ህልውናኦም ኣብ ርእሲ ምሕብኡ፡ ወታሃደራት ደርጊ ዳርጋ ምስ ኣናጹ ይዋግኡ ከምዝነበሩ ኢዩ ዝቀጸር። በዚ ምኽንያት እንዶ ኣይኰነን በዓሉ ግርማ ኣብታ ፍልጥቲ መጽሓፉ “ የት ኣሉ? ከተፈጥሮ ጋር ነው የምንዋጋው።ኦሮማይ” ዝበለ። ከምኡ ደራሲ ሓፋሽ ህዝቢ ከይተዳህለ ቆጢቡ ዘቀመጦ እኽሊ፡ ቋንጣ ወዘተ ምስ ተጋደልቲ ብምኽፋል ሓበረታ ብምሃብዉጉኣት ብምልዓል ዘርኣዮ ተሳትፎ ዘገርም ኢዩ።


ኣብ ልዕሊ’ቲ ርሱን ሃዋህው ድማ “ዘይተማህረ ይማሃር፡ ዝተማህረ ይምሃር”ዝብል መርሖ ብምኽታል ዝተኻየደ “ወፍሪ -ትምህርቲ” እሞ ኸኣ እንዳሰናዕካ ናውቲ መምሃሪ ብምፍጣር ዝተራእየ ስጉምቲ ዘይርሳዕ ኢዩ።በዚ ምኽንያት ደራሲ ናይ ሕጂን መጻኢን ወለዶ ብዘይ ቀልዓለም ትምህርቲከኽብርን ኽከታተልን ክተሓሳስበና ንርኢ። Let us never take for granted ማለቱ ኢዩ።


        ኣብ መወዳእትኡ ኤርትራ ሓራ ብዝወጸትሉ መዓልቲዝነበረ ፈንጠዝያን ንብዓት-ሓጐስን ከምኡ ደራሲ ቁልጭ ዝበሉ ተዝክሮታትን መስጥቲ ግጥምታትን ብፍላይ ገሊኦም “ባህሊ ንባብ” ኣብሃገርና ምእንቲ ክጥጥዕ ዝላበው ከቅርበልና ንርኢ። ልዕሊ ኹሉ ግና እዛ ብኽንደይ መስዋእቲ ዝተረኽበት “ናጽነት” ክብርቲ ብምዃናከምኡ ፍረ-ቃልሲ ናይ ብዙሓት ወሎዶታትን ሃገራውያንን ብምዃና ከነኽብራ የማሕጽን።


        ሓድገይ ናጽነተይ ኢያ!


        እዚ ውሑሉል ኣቀራርባ ሓደ-ሓደ ኣቃልቦ ክወሃቦምዝግባእ ሙሉእ ሓሳባት እኳ እንተኣለዎ፡ ኻብቲ ጉድለት ቋንቋ ትግርኛ ነጺልካ ዘይርኣይ ኢዩ። እዚ ቋንቋ ምዑሩይ(standardized) ብዘይ ምዃኑ ብልማድ ክንጽሕፈሉ ንርኤ ኣሎና።እዚ እውን ምስ ግዜ ዝልወጥ ላህጃ ብፍላይ ኣብ ኣጻሓሕፋ (spelling) ብመጠኑ ጽልዋ ምግባሩ ኣይተርፍን። ልዕሊ ኹሉ ግን ደራሲከም ቋንቋ መምህር ምስናይ ትሕትንኡ ክሳብ ክንድ’ቲ ንቦኹሪ ጽሕፉ ሓተታ ዘድልዮ ኣይመስለንን።


        ቀጽሎ ድማ!


ነዚ መጽሓፍ ናብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ብምጽሓፍ ክጥለብ ይከኣል፡- asghedomr_at_yahoo.com




ሃይለ ቦኹረ



 
Received on Sat Sep 21 2013 - 13:53:42 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved