[dehai-news] VOA: ናይ ኢትዮጵያ ፕሬዝዳንት ግርማ ወልደጊዮርግስ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ንምትዕራቕ ክፍትን እየ ኢሎም

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Thu, 12 Sep 2013 14:22:44 +0200

ናይ ኢትዮጵያ ፕሬዝዳንት ግርማ ወልደጊዮርግስ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ንምትዕራቕ ክፍትን እየ ኢሎም

12.09.2013

ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ፕሬዝዳንት ግርማ ወልደጊዮርጊስ ንኤርትራን ኢትዮጵያ ንምትዕራቕ ናብ ኤርትራ ንምኻድ ሓሳብ ከምዘለኦምን ከምዝመኸርሉን ኣፍሊጦም።

ኤርትራ ንብዙሕ ግዜ ዝነበርኩላ ሃገር ስለዝኾነትን ዝፈልጦን ዝፈትዎን ህዝቢ ስለዝኾነን ፅቡቕ ጎረቤት ንምዃን ዘኽእለና ኩነታት ክንፈጥር ንኽእል ኢና ዝብል ግምት ኣለኒ ኢሎም።ስለዚ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ተመኻኺረ ኣለኹ ኢሎም።

ከም ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ብሰላም ንምንባር፣ናይቲ ህዝቢ ርክብ ከየቛረፀ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ርክቡ ንክቕፅልን ፅቡቕ ጎረቤት ክኸውን እዩ ድልየትና ኢሎም ብምውሳኽ።

ናይ ፕሬዝዳንትነት ስልጣኖም ኣብ መወዳእታ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ መስከረም ከምዝውድኡ ዝገለፁ ፕሬዝዳንት ግርማ እቲ ናብ ናይ ኤርትራ ናይ ምዃድ ሓሳብ ስልጣን ዘመኖም ምስወድኡ ከምዝኸውን ገሊፆም።

መንግስቲ ኤርትራ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ከይተተግበረ ዕርቅን ድርድር ዝብሃል የለን ኣብ ዝብለሉ እዋን፤መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ናይቲ ኮምሽን ውሳነ ተቐቢለዮ ኣለኹ ነገር ግን ነቲ ውሳነ ንምትግባር ኮፍ ኢልና ክንዘራረብ ኣለና ዝብል መርገፂ ሒዞም ኣብዝርከበሉ ንምትዕራቕ ይክኣል እንተኾይኑ ’’እዚ ብኽልቲኡ ወገን ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ዝኸረረ መሲሉ ይርኣየኒ።እቲ ዘይምርድዳ ኣጋዲዶም ኣበኣእሰምዎ እምበር ጉዳይ ዶብ ዘፃልእ ክኸውን የብሉን።ነቲ ዶብ ዝውስን ህዝቢ እዩ።እቲ ህዝቢ ኣብዚ እየ እንተ ኢሉ ኣብዘለዎ ክኸውን ኣለዎ።ኣብ ኤርትራ እየ ዝብል እንተኾይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ኢኻ ዝብል ሕጊ የብልናን።እቲ ርክብ እንተኾነ እውን ህዝቢ ክራኸብ፣ክኣቱን ክወፅእን ከምዝነበሮ ንክኸውን እዩ ድልየተ።’’

ብዛዕባ እዚ ናይ ሽምግልና ፃዕሪ ምስ ካልኦት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ተዘራሪበሙሉ እንተኾይኖም ተሓቲቶም ንግዚይኡ ምግላፅ ኣድላዪ ከምዘይኮነን ምዕባለ ምስ ተረኸበ ግን ናብ መንግስቲ ቐሪቡ ኣወንታ ንኽረክብ ክግበር እዩ ኢሎም።

መንግስቲ ኤርትራ እውን ናይ መእተዊ ፍቓድ/ቪዛ ኣይክልክሉንን።ነቲ ዝሓሰብኩዎ ትልሚ እውን ክፈትዉዎ እዮም ኢለ እየ ዝግምት ብሉ እምነቶም ገሊፆም።

ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ክንመኻኸረሉ ኢና ኢሎም ብምውሳኽ።

ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ምስ ናይ ኤርትራ መንግስቲ ወኪላት ተዘራሪበምሉ እንተኾይኖም ዝተሓተቱ ፕሬዝዳንት ግርማ ዛጊድ ከምዘይተራኸቡ ግን ሰናይ ድልየት ንምርካብ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ንምርኻብ ከምዝፍትኑ ገሊፆም።

ኣብዝሓለፈ ዓመት ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃየልማሪያም ደሳለኝ መንግስቲ ኤርትራ ፍቓደኛ እንተኾይኑ ናብ ኣስመራ ተጓዒዘ እውን እንተኾነ ንምዝርራብን ንምድርዳርን ቅሩብ እየ ኢሎም ነይሮም።ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝተውሃበ ምላሽ ግን ቅድሚ ኩሉ ናይ ዶብ ኮምሽን ካብ ዝወሰነልና መሬት ውፁ ዝብል እዩ።ፕሬዝዳንት ግርማ ካብዚ ዝተፈለየዶ ትፅቢትዶ ይገብሩ ይኾኑ? ‘’እዚ ዘይሩ ዘይሩ ኣዐሪየ ስለዘይርኣኹዎ ነቲ ዝርዝር ከፅንዖ ድልየት ኣለኒ።እንታይ እዩ እቲ ኣፈላላይ? እንታይ እዩ እቲ ዘይንሰማምዐሉ ዘለና ዝብል ክምርምሮ እደሊ እየ።’’

ናብ ኤርትራ ዝገሽሉ ማዕልቲ ከምዘይፈልጡን እንተኾነ ግን ንልኡኽ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ መሪሖም ንምዃድ ድምልየት ከምዘለዎም ሓቢሮም።

21 ዓመት ምሉእ ኣብ ኤርትራ ተቐሚጠ እየ ዝበሉ ፕሬዝዳንት ግርማ ኣብ ዝተፈላልየ ሓልፍነታት ሰሪሐ እየ ኢሎም።ስለዝኾነ ድማ በቲ ህዝቢ ተፈላጥነት ኣለኒ ኢሎም።

ንናይ ኤርትራ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ እንተረኺብኩምዎም ናይ መጀመሪያ ሕቶኹም እንታይ ምኾነ ኢልና ሓቲትናዮም ናቶም መልሲ’’እዚ ንዓኹም ኣይዝረብን።ምሽጥር ክህሊ እዩ።ብዝርዳእ ቛንቛ ኢኻ ንምዝርራብ ትኽእል።’’

 

Received on Thu Sep 12 2013 - 14:29:02 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved