[dehai-news] Meskerem the Beautiful

From: <hbokure_at_aol.com_at_dehai.org>
Date: Wed, 11 Sep 2013 12:12:49 -0400 (EDT)

ንዓናይ ናብ'ቲ ሻኻ
ኣዕዋፍ ክንርኢ ክለቅማ ሓሰኻ።


ንዓናይ ናብ'ቲ ግራታውቲ
ሸዊት ክንቅንጥብ ጥሒስና ሕዛእቲ።


ንዓናይ ናብ'ታ ሳግላ
በዓል ባረቶ ዘጽልላ።


ንዓናይ ናብ'ቲ ዓውዲ
ከነዕርፍ ንእግረ መንገዲ።


ንዓናይ ናብ'ቲ ዔላ
የለዋን ኣዋልድ ዝግልላ።


ንዓናይ ናብ'ቲ ገምገም ቀላይ
ኣብኡ'ለዋ በዓል ደርሆ-ማይ።


ንዓናይ ናብ'ቲ ዛራ
ማይ ዝሰትያሉ በዓል ዛግራ።


ንዓናይ ናብ'ቲ ጐላጒል
እምኒ ከየብለና ሕንኲል።


ንዓናይ ናብ'ቲ ስንጭሮ ጸቢብ
ኣማዕድዮም ከይርኡና ሽርብ።


ንዓናይ ናብ'ቲ ጐቦ
ጽሓይ ክንርእያ ብዕራርቦ።


ንዓናይ በቲ ጸድፊ ታሕታይ
ብማዕዶ ክንርኤን በዓል ኣህባይ።


ንዓናይ ናብ'ቲ ከውሒ
ሓንሳእ ክንመጺ ኣውሒ።


ንዓናይ ናብ'ቲ ጨርሒ
ቅልቅል ከይበለት ወርሒ።


ንዓናይ ብድሕሪ ቁሚጦ
ሰብ ከይርኤና እንፈልጦ።


ንዓናይ ንመለስ ንገዛና
ኣሓ ከይኣተዋ ቀቅድመና።


ሃይለ ቦኹረ
Received on Wed Sep 11 2013 - 19:00:26 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved