[dehai-news] ሓበሬታ ኣብ ኣስመራ ገዛ ንምዕዳግ ክምዝገብ ንዝደሊ ዜጋ “ባንክ ኣባይቲን ንግዲን ኤርትራ”

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 16 Aug 2013 21:18:45 +0100

ኣብ ኣስመራ ከባቢታት ሓሊበት፣ ሰምበል፣ ስፐይስ፣ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ምስራሕ ዝጅምር፣1,048 ኣፓርትመንታት፣
376 ዝተፈላለየ ዓይነት መንበሪ ገዛውቲ፣ 256 ከኣ ንትካላት ዝኸውን ህንጻታት፣ ብድምር ልዕሊ 1600 ኣባይቲ ክህነጽ
ተወጢኑ ኣሎ። በዚ መሰረት፣ ኣባይቲ ክትዕድጉ እትደልዩ ዜጋታት፣ ቅጥዒ መመዝገቢ (FORM-1) ተዘርጊሑልኩም ኣሎ።

1. ገዛ ንምዕዳግ ክምዝገብ ዝደሊ ዜጋ፣ ኩሉ ሃገራዊ ግቡኣቱ ዜማልአ ክኸውን ይግባእ።
2. ገዛ ኪዕድግ ዝወሰነ ዜጋ፣ ቅጥዒ መመዝገቢ ድሕሪ ምምላእ፣ ክዕድጎ ዝደለየ ገዛ መሪጹ፣ ዕርቡን፣ 25% ዋጋ
ናይቲ ዝመረጾ ገዛ፤ ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ባንክ ኣባይቲን ንግዲን ኣስመራ (ሜዳ ባሕቲ
መስከረም) ኣብ ሕሳብ Asmara Housing project 2013 EURO C/A # 124-5 ኣታዊ ይገብር።
ዝተረፈ ክፍሊት፣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ይፍጸም። ኩሉ ዋጋታትን ክፍሊትን ብኤውሮ (EURO) እዩ... ንሙሉእ
ንባብ Click link http://adalvoice.wordpress.com/




oie_animated_frame.gif
(image/gif attachment: oie_animated_frame.gif)

Received on Sat Aug 17 2013 - 23:25:51 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved