[dehai-news] ህዝባዊ ግንባር ንባዕሉ ታሪክ ክነሱ መን’ዩ ታሪክ ህዝባዊ ግንባር ዝነግር…

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Mon, 29 Jul 2013 22:43:11 +0100

ጌና ዝክሪ ብረታዊ ቃልስና ህያው እናሃለወ፡ ነቲ ቅያን ጅግንነትን ዝሰርሕዎን ዝፈጸምዎን ብህይወት እንከለዉ፡ በደልን
ጥልመትን ክፍጸም ክትርእይ እንከለካ ኣዝዩ ዘገርም ነገር እዩ። ተዛረብትን ጸሓፍትን ወያነ፡ ሰኣን ኣፍልጦን ሓበሬታን
ዘይኮነ፡ ኮነ ኢልካ ታሪክናን መንነትናን ንምህሳሱን ሱር መሰረቱ ንምጥፍኡን ተባሂሉ ዝስራሓሉ ዘሎ ከንቱ ውዲት ምኳኑ
ኣይጠፍኣናን እዩ። እዚ ከኣ ደቂቅ ክንስካ ክንዲ ገዚፍ እምባ ኬንካ ክትርኤ ምፍታን እዩ። ግን ብዋጋ መን? ብዋጋ
ህዝብን መንግስትን ኤርትራ
ዕላማ ካድራት ወያነ፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍትን ኣብ ዝተፈላለያ ፓልቶካትን እናቀረቡ ምስሊ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ
ንምድዋን ዘየለን ዘይተባህለን ጠቀነታት ኣብ ምዝርጋሕ ተዋፊሮምሉ ዘለዉ ዕላማ፡ ካብ ነብሰ ምትሓት ዝተበገሰን ብዘይ
ገበርካዮን ዘይወዓልካዮን ኣርሓ ክትከውን ምድላይ`ዩ። እዚ ግን ንመን ንምትላል ተባሂሉ ዝተገብረ ክከውን ይክእል? ነቲ
ታሪክ ዝሰርሑ ሰብ ቅያ ጀጋኑ እናሃለዉ፡ ህዝባዊ ግንባር ንባዕሉ ታሪክ ክነሱ፡ ካብ ታሪክ ዝሰርሓ ህዝባዊ ግንባር ካብታ
ዝደቀቀት መርፍእ ክሳብ እታ ዝዓበየት መድፍዕ ሓገዝ ዝተቀበልኩም ባዕልካትኩም መራሕቲ ወያነ እናሃለኩም፡ ህዝብታት
ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ሓቀኛ ታሪክ ኣጸቢቆም እናፈለጡ ደኣሞ ሕጂ ከምዚ ዓይነት ይቅረ ዘይበሃሎ ገበናት ኣብ ልዕሊ
ታሪክ ክሕደት ምፍጻም፡ ንምንታይ ዕላማ`ዩ፡ኣናፍራ ቆቃሕ ዘይፈልጥሲ ኣይሃዳናይን ዝብል ግርም ዝኮነ ምስላ ኣቦታትና
ኣለና ፡ ንሙሉእ ንባብ http://adalvoice.wordpress.com/
[image: Inline image 1]




dankera_20hasot.jpg
(image/jpeg attachment: dankera_20hasot.jpg)

Received on Mon Jul 29 2013 - 23:07:38 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved