[dehai-news] ዓቅሊ ኣብ ኤርትራዊ ክብርታት ብቀዳማይ ደረጃ እያ እትጥቀስ “ክብራ ረዚን ጻምኣ ምእኩት እዩ”..

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 19 Jul 2013 12:56:49 +0100

ህይወት ጉዕዞ እያ። ወዲ ሰብ ከኣ ኣብ ቀጻሊ ጐእዞ እዩ ዝነብር። ምንባር`ውን ቃልሲ እዩ። ኣብ ቃልሲ ክትዕወት ሓይሊ
የድልየካ ። ሓይሊ ካብ ውሽጣዊ ዓቅሚ እዩ ዝውለድ። ኣብ ጉዕዞ ጀሚርካ ንክትውድእ ረዚን ዓቅሊ ይሓተካ። ዓቅሊ ንበዓል
ዕላማ ናብቲ ዘድልዮ ሸቶ እዩ ዘብጽሖ።
ዕጉስ ተጓዓዛይ እዩ ጀሚሩ ዝውድእ እቲ ዕጉስ ዘይውዳእ ስንቂ ኣለዎ ተስፋ። ብርሃን ኣብ ቅድሚኡ እዩ ዝቀርብ። ትዕግስቲ
ሓይሊ እዩ። ርግኣት`ውን እዩ ዝፈጥር፡ ካብ ታህዋክን ምርባጽን ዝኣልይ መንገዲ እዩ ። ዓቅሊ ኣብ ኤርትራዊ ክብርታት
ብቀዳማይ ደረጃ እያ እትጥቀስ። ክብራ ረዚን እዩ፡ ጻምኣ ምእኩት እዩ። ኣቦታትና ክምስሉ ዓቅሊ ዋጋ በቅሊ እካ ዝብሉ።
ትዕግስቲ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ ዝኮነ ካልእ ንዋት እያ እትዓዩ ነይራ። ኣብ ናይ ዓወት መገሻ ከኣ፡ ዕጉስ
ጐእዞ ወሳኒ ግደ ኣለዎ። ምስጢር ዓወት መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር`ውን ዝተከተሎ ዕጉስ ቃልሲ ምካኑ ዘጠራጥር ምክኒያት
የብሉን .. FOR MORE REEDING - Click link http://adalvoice.wordpress.com/
Received on Fri Jul 19 2013 - 14:40:34 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved