[dehai-news] ኤርትራዊያን ተቐማጦ ከተማ ሸፊልድ 20 ስነ ማዓልቲ ስማእታት ብኽብ ዝበለ ሃገራዊ ወኒ ሰማእታቶም ዘኪሮም።

From: Yared Tesfay <ytmn2_at_yahoo.co.uk_at_dehai.org>
Date: Wed, 26 Jun 2013 08:10:41 +0100 (BST)

ኤርትራዊያን ተቐማጦ ከተማ ሸፊልድ 20 ስነ ማዓልቲ ስማእታት ብኽብ ዝበለ ሃገራዊ ወኒ ሰማእታቶም ዘኪሮም። ኣብቲ ብ23 ሰነ 2013 ኣብ ከተማ ሸፊልድ ኣዳራሸ ሳዳካ ህጻናት መእሰያት ወለዲ ብሓፈሻ ኣስታት 400 ተቐማጦ ከተማ ሸፌልድ ዝተረኽብዎ ዝኽሪ እቲ መደብ ብ ህጻናት ዝቐረበ ሃገራዊ መዝሙርን መዝሙር ሰማእታትን ተኽፊቱ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣቦ ወምበር ኮሙኒቲ ከተማ ሸፌልድን ከባቢኣን ኣቶ ኣርካን ፍስሃየ ንተሳተፍቲ ርዝነትን ኣመዓባብላ መዓልቲ ዝኽሪ ሰማእታት ኣመልኪቱ መግለጺ ድሕሪ ምሃቡ ኤርትራዊያን ተቐማጦ ከተማ ሸፊልድን ከባቢኣን ወትሩ ሕድሪ ሰማእታትና ብምኽባር ለበዋን ባህግን ሰማእታት ክውን ንምግባር ኣበርቲዖም ክሰርሑ ኣንጻር ኩሉ ባህጊ ሰማእታት ክምክቱ ተላብዮ። ብ ወ/ሮ ዮዲት ገብረሂወትን ኣቶ ኤፍሬምን ዝተዳለወት ነቲ ዕለት ተንጸባርቕ ስነ ጥበባዊ ስእሊ ንጨረታ ቀሪባ,ብዘይካዚ ነቲ ዕለት ዘንጸባርቕ ግጥምታትን ጽሑፋትን ቀሪቡ።በዚ ድማ 20 ሰነ 2013 ማዓልቲ ዝኽሪ ሰማእታት ብኽብ ዝበለ ሃገራዊ ሓበን ተዘኪሩ። ተቐማጦ ከተማ ሸፊልድ ኣብቲ ኣጋጣሚ ንመሳሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ኣስታት ሓደ 1000 ፓውንድ ኣበርኪቶም።
Received on Wed Jun 26 2013 - 12:02:12 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved