[dehai-news] ኤርትራውያን ነበርቲ ዞባ ደቡባዊ ኣፍሪቃ 20 ሰነ መዓልቲ ስማእታት ኤርትራ ብክብ ዝበለ ስነ – ስርዓት ኣኽቢሮም 12,000.00 ራንድ ንማዕከን ሰማእታት ኣታዊ ኮይኑ " ኣዳል "

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Tue, 25 Jun 2013 14:27:55 +0100

ኤርትራውያን ነበርቲ ዞባ ደቡባዊ ኣፍሪቃ 20 ሰነ መዓልቲ ስማእታት ኤርትራ ብክብ ዝበለ ስነ – ስርዓት ኣኽቢሮም
ኤርትራውያን ነበርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዕለት 19 ሰነ 2013፣ ን20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ በቲ ዝግብኦ ክብርን
ድምቀትን ኣኽቢሮም። ኣብቲ ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ ብሃገራውን ናይ ግንባርን ባንዴራታትን ንጅግንነትን
ክብርን ሰማእታት ብዘንጸባርቑ ጭርሖታትን ስእልታን ብዝማዕረገ ኣደራሽ ዝተኻየደ ልዕሊ 350 ዜጋታት ዝተረኽቡሉን
ኣጋጣሚ፣ ናይ ምውላዕ-ሽምዓ ስነ-ስርዓትን ጸሎትን ተኻዪዱ። ነቲ ኣጋጣሚ ዝምልከቱ መደረታት፣ መዛሙር፣ ግጥምታት፣
ድራማን መግለጺታትን ውልቃዊ ተመኩሮን ተዘክሮታትን ጀጋኑ ሰማእታት ኤርትራ ቀሪቦም።
ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ዞባ ደቡባዊ ኣፍሪቃን ኣቶ ሳልሕ ዑመር፣ ነቲ ኣጋጣሚ ዝምልከት መደረ
ኣስሚዑ። ኣብ መደርኡ ኣምባሳደር ሳልሕ፣ መዓልቲ ሰማእታት ሓንቲ ካብተን ቀንዲ በዓላትና ኮይና ጸኒሓን ኣላን ድሕሪ
ምባል፣ ርዝነትን ክብደትን 20 ሰነ ኣብ ዝተናውሐ ናይ ቃልሲ ግዜናን፣ ድሒሩ ብዝሰዓበ ወራር ተጻባእትናን ዝኸፈልናዮም
ብሉጻት ጀጋኑ’ዩ ዝዕቀን። እዚ ዓቐን’ዚ ዝፈጠሮን ዝወለዶን ድማ፣ እነሆ እዛ ዘይትድፈር፣ ብደም ደቃ ዝተዋሕሰት
ኤርትራ፣ ህዝባ ብሰላምን ኩርዓትን ክነብረላ በቒዑ ኣሎ...ንሙሉእ ንባብ
http://adalvoice.wordpress.com<http://adalvoice.wordpress.com/2013/06/25/%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%E1%8B%8D%E1%8B%AB%E1%8A%95-%E1%8A%90%E1%89%A0%E1%88%AD%E1%89%B2-%E1%8B%9E%E1%89%A3-%E1%8B%B0%E1%89%A1%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%8A%A3%E1%8D%8D%E1%88%AA%E1%89%83-20/>

[image: Inline image 1]




oie_overlayaaaaaaaaaaaaaaaaaaaa.gif
(image/gif attachment: oie_overlayaaaaaaaaaaaaaaaaaaaa.gif)

Received on Tue Jun 25 2013 - 11:51:32 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved