| Jan-Mar 09 | Apr-Jun 09 | Jul-Sept 09 | Oct-Dec 09 | Jan-May 10 | Jun-Dec 10 | Jan-May 11 | Jun-Dec 11 | Jan-May 12 | Jun-Dec 12 |

[dehai-news] ዓለም

From: Dawit Gebremichael Habte <goblel_at_hotmail.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 24 May 2013 18:55:32 -0400

ዓለም
ብኤፍሬም እምሃጽዮን ገብረመድህን

ዓለም እወ እዛ ዓለም ብዙሕ ሱራ
መልክዓ ኣይፍለጥ ቁም ነገራ
እንተቐረብካያ ወዮ ከይትርሕቃ ወዮ
ሃርጋፍ ሸውሃታ ካላእ ትነበዮ

             áˆá‹‹áˆ ከሊኣቶ ንፉጡራ
             á‹µáˆŒá‰³ ኣይፍለጥ በዚሑ ቀብጠርጠራ
             áŠ­áˆá‰° መልክዕ ሂባትና ኣጽሊኡና
ምፍጣራ

ርኢና'ወ እዝጊ ኣርኢዩና
ሰሚዕና'ወ እዝጊ ኣስሚዑና
ሃገር ክንስና ከሕቁቑና
መንግስቲ ክንስና ክኹኑኑና
እንታይ ሽግርኪ ዓለም ኩሉሳዕ ተዳልውና

             áŠ•áˆ¶áˆ ኣብ እምባ ንሕና ኣብ ሩባ
             á‰¥á‹áˆ˜áŒ¸ ክንጽፋዕ በዚሑ ለኻዕኻዕ
             áˆ˜áˆ­áŒˆáˆ'á‹¶ ክንብሎ ምርቓ
             á‹µá‰¥áŠ•áŒáˆ­ ዝበዝሖ ዘይግላህ ጣቓ

ሕልሞም ዘይክሰት ኩሉሳዕ ጥልመት
ጥሞሖም ገዚፍ ማሕልኦም ክሕደት
ስስዐ ገበትኦም ቀልበስቲ እምነት

             áŠ¥áŠ•á‰³'á‹© ብልሓቶም ናበይከ ኣንፈቶም
             áˆ˜á‰ áŒˆáˆ²áŠ¦áˆ ኣይፍለጥ
መወዳእቶኦም ኣይስሉጥ
             á‹áŠ£áˆáˆá‹Ž ዘይፍለጥ
             á‹ˆáˆ­á‰µáŒ ዘይእርነብ እናሓደረ
ዝግሕምጥ

ቅድመ ግንባሮም ኴና ዕንደርኦም መፈተኒ
ንሶም ክሃሉ ኣብ ዝባንና ዓለም ንሕና
ኴንናኪ ጓና
ፍለጥዮ'ባ እቲ ኩቡር መስዋእትና
ንኽንነብር'ዩ ተኸፊሉ ከነውሕስ መሰልና

             áŠ•áˆ•áŠ“á‹¶ ዳግም ንክሓድ
             áŠ•áˆáŠ­á‰µ ደኣምበር ነይንጻዓድ
             á‹ˆá‹­áˆáŠ» ግን ኣንታ ኽርዳድ
             á‹ˆá‹­áˆáŠº'ውን ኣንቲ ዓለም ሓሳድ

ዘመን ዲዩ ኮይኑ ንወድሴ-ንወዳድሴ
ፍጡራት ክንስና ከምኦም ደቂ ኣርኣያ ስላሴ
ቡራኬ ሰይጣን ኣጸልሚትካ ቅዳሴ
ነውራም ደግሲ ኣብ ዕድመ እርጋኑ ዝተመልሰ

             á‹“ለም ንሕና ኴናኪ ጓና
             á‹“ለም ዶጊሕኪ'á‹¶ መንነትና
             á‹“ለም ፍትሒ'á‹¶ ጠቕሚ መንኩም'á‹©
ጸላኢና
             á‹“ለም ሩኹባት ኣይትሓባብሊ
ስምዕዮ ድምጽና

ኣቦይ ቀሺ ዝበልዕዎ ሕምቶ ነደይ ኢታይ
የጉስዐን
ንሕናኸ ኣብ ምንቲ መነመን
ካን ዲና ክንባተኽ ኣንቲ ዓለም ዘይትእመን

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!!
ዓወት ንሓፋሽ!!

Received on Fri May 24 2013 - 19:27:51 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved