| Jan-Mar 09 | Apr-Jun 09 | Jul-Sept 09 | Oct-Dec 09 | Jan-May 10 | Jun-Dec 10 | Jan-May 11 | Jun-Dec 11 | Jan-May 12 | Jun-Dec 12 |

[dehai-news] Poem Tigrigna for May 24th 2013.

From: Tesfamicael Yohannes <tesfamicaelyohannes_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Tue, 14 May 2013 13:14:45 +0200

* *

*እታ ዓባይ ዕለት፣ 24
ግንቦት*<http://www.afronorway.com/index.php?entry_id=1368089571&title=%E1%8A%A5%E1%89%B3-%E1%8B%93%E1%89%A3%E1%8B%AD-%E1%8B%95%E1%88%88%E1%89%B5%E1%8D%A3-24-%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A6%E1%89%B5>

 እታ ዓባይ ዕለት፣ 24 ግንቦት



ቀረበት መጸት እታ ዓባይ ዕለት

ካብ ኩለን ዝዓበየት ንኤርትራዊያን ማለት

እነሃ ትሪኤ ካብ ኩለን ዝደመቐት

ተዶኩና እነሄት ልዕሊ ኩሉ ዝበረኸት

መጸት ቀረበት 24 ግንቦት

እስከ ንቀበላ ብድሙቕ ጨብጨባ

ንወፍየላ ካብቲ ድሙቕ ዕምባባ

ይውሕዳ እምበር እዚዶ ኮይኑ ዓስባ

ኩሉ ይትረፍ ቅምን ቅርሕንትን

ነዚኣ ብርኽቲ መዓልቲ ኽነኽብር ምእንትን

ፍልልያት ይትረፍ ኣይንበል እክብ ብትን

ብሓባር ነብዕላ ግንቦት ዕስራን ኣርባዕተን

ሰብ እምበር ኢና ኮይና መግዛእቲ ተሪፉ

ሳላ 24 ግንቦት ስክፍታታት ሃፊፉ

ከም ሕዝቢ ከም ሃገር ኤርትራዊ ተጠርንፉ

ኣሎ እንዲዩ ካብ ሙሉእ ጎደሎ

ፍጹማት ምዓስ ኮይና ድልየታት ክሳብ ዘሎ

ኩሉ ክማላእ ኢዩ ግዚኡ ሓልዩ

ትዕግስቲ የድሊ ሕውነት እንተተደልዩ

ሓብርና ነብዕላ ነዛ ዓባይ መዓልቲ

24 ግንቦት ክትኮነልና ሕጉስቲ

ግጥምታት ንጽሓፈላ ነቕርቦ ውዳሴ

ስእልታት ነልዕለላ ናይዝኣ መዓልቲ ሕዳሴ

ኣብ ዓመት ሓንሳብ'ያ ትውዕል

ኣይኸበደና ክንብለላ ዕልል

ብታሕጓስ ፈንጠዝያ ኽንዘልል

መን ይረኽቦ እዚ ዓቢ ዕድል

ግንቦት 24 ዝደፍኤት ዘዉዲ

ንኤርትራዊያን ካብ ኮነት ሓንቲ መኣዲ

ሓብርና ካብ መጻእና እቲ ነውሕ መንገዲ

መጻኢ'ውን ክኸዉን ናይኩልና ዓውዲ

እርኤ'ሎ እቲ ብርሃን ኣብ ቅድሜና

ሸዊታ እንድያ እታ ገዛ ናይ ኩልና

ኤርትራ ብሪ ጥራሕ ትርሓሰና

ግንቦት 24 ጥራሕ ነብዕላ እዲንእዲ ተተሓሕዝና

ግንቦት 24 ካብ መጸትለይ

ክዉንና ኢየ ኽትከዉን መባልዕተይ

ካልእ ኣይክቋጸርን ኢየ ምስኣ ኢዩ ምምሳየይ

ክስዕስዕ ኢየ ኽዘልል ምስ ኣሓተይ ኣሕዋተይ

ኣስላማይ ክስታነይ ከይበልኩ ብዘይኣፋላላይ

ተገጥመ

ብእንጂነር ተስፋሚካኤል ዮሃንስ

ኦስሎ ኖርወይ

    Added May 09, 2013 8:52




Received on Tue May 14 2013 - 10:31:40 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved