| Jan-Mar 09 | Apr-Jun 09 | Jul-Sept 09 | Oct-Dec 09 | Jan-May 10 | Jun-Dec 10 | Jan-May 11 | Jun-Dec 11 | Jan-May 12 | Jun-Dec 12 |

[dehai-news] መኤረምታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ኦስሎ ኖርወይ

From: Tesfamicael Yohannes <tesfamicaelyohannes_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Sat, 4 May 2013 16:46:57 +0200

---------- Forwarded message ----------
From: Tesfamicael Yohannes <tesfamicaelyohannes_at_gmail.com>
Date: 2013/5/4
Subject: መኤረምታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ኦስሎ ኖርወይ
To:


 መኤረምታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ኦስሎ ኖርወይ

ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ኦስሎ ብጻዕርን ሓልዮትን ማሕበር መምህራን ኦስሎ ተመስሪቱ። ንልዕሊ 20 ዓመታት ከኣ ብውፉያት
መምህራን ከም መምህር ኤፍሬም ዑቑባስላሴ፣ መምህር ኣስጎዶም ሃብትኣብ፣ መምህር ራህዋ ገረሱስን ካልኦት መምህራን ክካየድ
ጸኒሑ።

ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ኦስሎ ብዙሕ ኣበርክቶ ከምዝገበረ መምህራን ብዝሰርሕዎ ስራሕ ዕጉባት እዮም። መምህራን ጻምኦም
ግን ብኮምቴ ወለዲ ሕማቕ እዮም ተፈድዮም። ወለዲ መኤረምታ ዘድልዮም ውልቀሰባት ከም ኮምቴ ወለዲ መርጽና ንመምህራን
ኣበሳጭዮም ነቲ ንብዙሕ ዓመታት ብቕንዕናን ብተወፋይነትን ዘገልገልዎ ትምህርቲ ከምዝገድፍዎ ጌርና። ካብ ኩሉ ዝኸፍኤ ከኣ
እዝኦም ንብዙሕ ዓመታት ዘገልገሉ መምህራን ኣብ መወዳእታ ብስነስርዓት ኣገባብ ነቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝለቅሉ ግዜ
ንኹሎም እቲኦም ነቲ ቤት ትምህርቲ ቅድሚ ሕጂ ዘገልገሉ መምህራን ዓድሞም ህያባት ኣዳልዮም መፈነዊ ኽገብሩ መደብ
ከምዘለዎም ኣብ ዝሓበሩና ግዜ እዝኦም መኤረምታ ዘድልዮም ኮምቴ ወለዲ ንዓና ነቲኦም ወለዲ ሰይጣናዊ ዝኾነ ምኽሪ
ሂቦምና። እቲ ሰይጣናዊ ምኽሪ ከኣ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ።

መምህራን ንዕለት 06-04-2013 እቲ ልሙድ ዓመታዊ ኣኼባ ስለዝጸውዑ ኣብቲ ኣኼባ ከኣ ብመሰረት ቁዋም ማሕበር
መምህራን ሽዑ ኮምቴ ወለዲ ከምትምረጽ ስለዝገብሩ ነዚ ምርጫ ኣመሓላልፍናዮ ኣሎና ንበሎም እሎም ኣጋግዮምና። ንሕና ወለዲ
ከኣ እዝኦም መኤረምታ ዘድልዮም ኮምቴ ወለዲ እንታይ ተንኮላት ይፍሕሱ ከምዘለዉ ከይስተውዓልና ተኸትልናዮም። ምስ መን
ወዓለ ”ሃ” እንተዘይለመደ ጥራጥ ለመደ ዝብልኹም ከምዚ ኢዩ። ማሕበር መምህራን፣ ኮሚቴ ወለዲ ከምርጹ ሓላፍነት
ከምዘለዎም እንዳፈለጡ ኣብቲ ኣኼባ ዘይሕጂ ኽንገድፎ እና ናይ ርእስኹም ጉዳይ ኢዩ እሎም ዘይሓላፍነትዊ ስጉምቲ ወስዶም።
ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይቡቀል በለት።

ኣስዕቦም እዚኦም መኤረምታ ዘድልዮም ኮምቴ ወለዲ ካልእ ተንኮል ኣብ ልዕሊ መምህራን ንዓና ነዚኦም ወለዲ ኣጉርሖሙና።
እቲ ተንኮል ከምዚ ዝስዕብ ነበረ። መምህራን ሕጂ ነቲ ትምህርቲ ገድፎሞ ስለዝኸዱ ዘሎ ገንዘብ መፋነዊዶ ሂያባት እንዳበሉ
ኣጥፍኦመን ክኸዱ እዮም። ሰለዚ ድሓን እስኻትኩም ወጻኢታት ኣይትግበሩ ንሕና ወለዲ ባዕልና ኽንሽፍነልኩም ኢና ንበሎም
እሎምና። ኣነ ብዉልቀይ ከመይ ዝበሉ ቡርቱዓት ሰባት እዮም ኢለ ካብትኦም መኤረምታ ዘድልዮም ኮምቴ ወለዲ ንሓድኦም በል
ከይቀደሙና ከለዉ ኣሸበሸብ ተቐዳድምካ ብተሌፍን ረኽብካ ጠጠው ኣብሎም ኢለ ኣብዚ ሰይጣናዊ ስራሕ ኢደይ ሓዊሰ ኢየ።
ንኣምላኽ ይቕረ በለለይ ይብሎ ኣብዚ ኣጋጣሚ’ዚ።

ኮምቴ ወለዲ ሕጋዊት ክትከዉን ምእንቲ ብዕለት 06/04/2013 ብማሕበር መምህራን ክትምረጽ ኔሩዋ። ካብዚ ወጻኢ ብኸመይ
ኮምቴ ወለዲ ከምትምረጽ ካልእ ሕጋዊ መስርሕ ስለዘየለ ካብ ዕለት 06/04/2013 ጀሚሩ ሕጋዊ ኮምቴ ወለዲ ኣብ ሉት
ቫን ስኩለ ኦስሎ የልቦን። ከስምረሉ ዝደሊ ነገር እንተሎ ሕጂ ሕጋዊ ኮምቴ ወለዲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ኦስሎ
የልቦን። ኣሎኹ ዝብል እንተሎ ኸኣ ዝኾነ ሕጋዊ መርትዖ ሰለዘይብሎም መኤረምታ ዘድልዮም ኮምቴ ወለዲ ጥራሕ ኢዩ ክኸዉን
ዝኽእል።

ቁዋም፣ ነቲ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ኦስሎ ዘመሓድር ተነዲፉ ኣሎ። ዝንኣድ ስራሕ ኢዩ ተሰሪሑ። ኣብዚ ማሕበረሰብ
ኤርትራዊያን ኦስሎን ከባቢኣን (ካብዚ ቀጺሉ ብማሕበረሰብ ጥራሕ ዝጥቀስ)፣ ማሕበር መምህራን ከምኡ’ዉን ኮምቴ ወለዲ
ሞጎስ ይግብኦም ኢዩ። ይኹን እምበር እዚ ቁዋም’ዚ ገና ኣብ ስራሕ ስለዘይወዓለ ሕጋዊነት የብሉን። እዚ ቁዋምዚ ኣብ
ትግባረ ዝውዕል ድሕሪ ማሕበረሰብ ተኣኪቡ ብዛዕብዚ ቁዋም ዘትዩ ውሳኔ ምስዘሕልፍ ጥራሕ ኢዩ። ብኻልእ ወገን ሽሕ ኡኳ
ማሕበር መምህራን ዋንነት ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ኦስሎ ኣብቅዔ ኢዩ ኢሉ ንማሕበረሰብ የሰጋግር እምበር ማሕበረሰብ
ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ የብሉን ኮምቴ ወለዲ ከምርጽ። እቲኣ እንኮ ሕጋዊ መስርሕ ማሕበር መምህራን ዝጽውዖ ኣኼባን ዘካይዶ
ምርጫን ጥራሕ ኢያ። ካልእ በጀካ ብቕልጽምካን ብምጉብዕባዕን ዝካየድ ስራሕ ሽፍትነት ጥራሕ ኢዩ።

ንቐዳም 11/05/2013 እዚኦም መኤረምታ ዘድልዮም ኮምቴ ወለዲ ምንም ሕጋዊ መስርሕ ከይተኸተሉ ብእደ ዋኒኖም ምርጫ
ከካይድ ኣኼባ ወለዲ ጸዊዖም ኣሎዉ። ብመጀመርያ ነገር ካብ ዕለተ 06/04/2013 ጀሚሩ እዚ መኤረምታ ዘድልዮ ኮምቴ
ወለዲ እቲኣ ሕጋዊ መስርሕ ካብ ማሕበር መምህራን ብቕልጽሙ መንዚዑ ኣሎ። ኣስዒቡ ውልቀ ሰባት ኣሽማት እንዳጸዋዕካ ናይ
ምድሃል ስራሕ ተተሓሒዞሞ ኣለዉ። ብፍላይ ንደራሲ ናይዚ ጽሑፍ’ዚ ኣብቲ ሕጋዊ መስርሕ ክብድሃና ዝኽእል እሱ ጥራሕ ኢዩ
እሎም ካብ ሕጂ ክንድህሎ ኣሎና ዝብል ስጉምቲ ወስዶም ኣለዉ።

ግደ ማሕበረሰብ ኣብዚ ተኣፋፊ ግዜ እንታይ ክኸዉን ኣለዎ? እወ ማሕበረሰብ ኦስሎን ከባቢኣን ሃናጽን ኣራምን ስጉምቲ
ክወስድ ይኽእል ኢዩ። እቲ ስጉምቲ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ።

1. ንዕለት 11/05/2013 ንወለዲ ተጌሩ ዘሎ ናይ ኮምቴ ወለዲ ምርጫ ደው ከብልዎ ኣለዎም። ምኽንያቱ ኣብዚ
ናይ ሽፍትነት ስራሕ ተሓታቲ ጽባሕ ንግሆ ማሕበረሰብ ክኸዉን ኢዩ።

2. ማሕበረሰብ ንማሕበር መምህራን ሓላፍነቶም ክወስዱ ብምዝኽኻር ኣኼባ ወለዲ ክጽዉዑን ነቲ ምርጫ ባዕሎም
ከካይድዎ ኸገድዶም ሓላፍነት ኣለዎ። ማሕበር መምህራን ትእዛዝ ማሕበረሰብ ኣነኣእሱ ዘይሓላፍነትዊ ስጉምቲ ምስ ዝወስድ
ናይ ታሪኽ ተሓታቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ሕጋዊ ስጉምትታት ብማሕበረሰብ ክውሰድ ከምዝከኣል ምዝኽኻር ኣኻሊ ኢዩ። ንኣብነት ኣብ
ናይ ኖርወጃዊያን ቤት ትምህርቲ እንተወስድና ኦስሎ ኮሙኔ ይኹን ወይ ከኣ ወለዲ ባዕላቶም ኮምቴ ወለዲ ኣየምርጹን እዮም።
እቲኦም መምህራን እዮም ኮምቴ ወለዲ ከምትምረጽ ዝገብሩ።

3. ብዕለት 06/04/2013 ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ካብ ማሕብረሰብ ኣቦመንበርን ተሓጋጋዚኡን ተረኽቦም ኔሮም። እዚ
ዘይሕጋዊ መስርሕ ክካየድ ከሎ ዋላ ሓንቲ ቃል ኣየውጽኡን። እንታይ ኮይኖም እንተዝብሃል ነቲ መስርሕ ኣፍልጦ ስለዘይብሎም
ጥራሕ ኢዩ እቲ መልሲ ዝኸዉን።

4. እዚ ሕጂ ምንም ሕጋዊ መስርሕ ከይተኸተለ ኣሎኹ ዝብል ዘሎ መኤረምታ ዘድልዮ ኮምቴ ወለድ ከኣ ሐደ ሐደ ሓቅታት
ተነግርዎ መኤረምታ ኽግበረሉ የድሊ። መንዩ እቲ ሓቅታት ዝነግሮ እንተተባህለ ከኣ ደራሲ ናይዚ ጽሑፍ’ዚ ኣካላዊ መጥቃዕቲ
ወሪድዎ ዓድ ዉዒል ክሳብ ዘይኮነ ንምጽሓፍ ኣይህከዮን ኢዩ።

እምብኣር ንግዚኡ ንምጥቕላል። እቲ ዝዓበየ ኣብ መጻኢ ቀጻሊ ስለዝኾነ ነዚ ኣሎኹ ዝብል ዘሎ መኤረምታ ዘድልዮ ኮምቴ
ወለዲ እዚ ዝስዕብ ሓቅታት ኽልግሰሉ ኢየ።

1. ብወገነይ እዚ መኤረምታ ዘድልዮ ኮምቴ ወለዲ ካብ ዕለት 06/04/2013 ጀሚሩ ሕጋዊ መስርሕ ይኽተል
ስለዘይሎ ንዓይ ዘይውክል ምዃኑ የፍልጥ።

2. ማሕበር መምህራን ንመዕጽዊ ፌስታ ዝገብርዎ ውጻኢታት በቲ ንዕዖም ዘወጻጽኦም ኽገብሩ ብውልቀይ ከምዝድግፍ
ይሕብር።

3. እቲ ሓቀኛ ኣታዊታት ናይ ወለዲ ጸብጻብ ምሳይ ስለዘሎ እንትርፎ ወለዲ ካልእ ክሓተኒ ዝኽእል ሕጋዊ ኮምቴ
ወለዲ ኣብዚ ግዜ ከምዘየሎ የፍልጥ።

4. ብመርበብ መዘርግሒ ዝውሃብ ሓበሬታ ውልቃዊ ንብረተይ ስለዝኾነ ኣብቲ ቅኑዕ ግዜ ወለዲ ምስ ዝሓቱኒ ጥራሕ
ኸረክብ ፈቓደኛ ከምዝኸዉን ይሕብር።

5. ሕጂ’ውን ደጊመ ብወለንታይ ንወለዲ ብተወፋይነት ኽገልግል ድሉው ከምዝኾንኩ እሕብር። እዚ ሕጂ ብቕልጽሙ ውልቀ
ሰባት እንዳደሃለ ኣሎኹ ዝብል ዘሎ መኤረምታ ዘድልዮ ኮምቴ ወለዲ ብሕጋዊ መስርሕ ሕጋዊነት ለቢሱ ናተይ ተፈላጥነት ምስ
ረኸበ ጥራሕ ምስ ዝሕተት ክተሓባበር ምዃነይ የፍልጥ

6. ኣብ መወዳእታ ነዚ ዝበልዓሉ ጻሕሊ ዝሰብር መኤረምታ ዘድልዮ ኮምቴ ወለዲ ዝብሎ ነገር ኣሎኒ። ንዓይ
ፕሮጀክተር ከምኡ’ዉን ላፕቶብ ከምጽእ ተሓባበረና እሎምኒ ከብቅዑ ኣነ ኣብዘይተዳለኹሉ መታለሊ ዝኾነ ዛዕባ ”ሓበሬታ”
ዝብል ኣጀንዳ ኣልዕሎም ብቓጻ ኣዘንግዖም ጸርፍታት ኣውርዶምለይ። ነዚ ከኣ ቅድሙስ ዓማጺ ኣዘንግዑ እምበር መዓስ ብድሎ
ድሎ ይገጥመካ ኮይኑ እብሎም።

7. ንኣፍልጦ ዝኣክል ፍልልይ ኣብ መንጎ ካብ ማሕበራት እቲምረጽ ኮምቴን ካብ ኣብ ቤት ትምህርቲ እትምረጽ ኮምቴ
ወለድን ንጹር ኢዩ። ወለዲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብማሕበር ኣይጥርነፉን እዮም። ዝኾነ ውዳቤ’ውን የብሎምን። ስለዚ እቲኣ
እትምስረት ኮምቴ ወለዲ ብመምህራን ኮይና ድልድል ናይ መምህራንን ወለድን ኢያ። እምብኣር እዚ መኤረምታ ዘድልዮ ዘሎ
ኮምቴ ወለዲ ነዚኣ ድልድል ኢዩ ኣፍሪሱዋ ዘሎ። ነዚኣ ፈሪሳ ዘላ ድልድል ከኣ ማሕበረሰብ ጥራሕ ኢዩ ኽጽግና ዝኽእል።

8. ዕርክነተይን ሕዉነታዊ ዝምድናታተይ ምስ’ዚ ኣሎኹ ዝብል ዘሎ ኮምቴ ወለዲ ከም ወትሩ ቀጻሊ ኢዩ። ሽሞም
ዘይጠቐስክዎ ምኽንያት ከኣ ከይጉዱኡኒ ብማለት ኢየ። ንዓሻን ደርጉሓሉ ንለባምን ኣምተሉ ኢዩ እቲ ጉዳይ።

ተጻሕፈ 03/05/2013

ብእንጂነር ተስፋሚካኤል ዮሃንስ

ኦስሎ ኖርወይ




Received on Sat May 04 2013 - 22:52:23 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved