| Jan-Mar 09 | Apr-Jun 09 | Jul-Sept 09 | Oct-Dec 09 | Jan-May 10 | Jun-Dec 10 | Jan-May 11 | Jun-Dec 11 | Jan-May 12 | Jun-Dec 12 |

[dehai-news] ዕዉት ህዝባዊ መኸተ ኣብ ከተማ ካስል

From: Mekete German <meketegerman2010_at_googlemail.com_at_dehai.org>
Date: Wed, 24 Apr 2013 02:55:38 +0200

ዕዉት ህዝባዊ መኸተ ኣብ ከተማ ካስል

<iframe width="420" height="315" src="
http://www.youtube.com/embed/nAWkx3LgD5o" frameborder="0"
allowfullscreen></iframe>

* ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ካስል *

*ኣብ ወፍሪ ልምዓት ተሳትፎኦም ከምዘዕዝዙ ኣረጋጊጾም*


 *ብዕለት **21.04.2013 **ኣብ ከተማ ካስል ኣስታት **200 **ተሳተፍዎ ብሽማግለ መኸተን ሃገራውያን
ማሕበራትን ጉጅለታትን ከተማ ካስልን ከባቢኡን ዘተወደበ **"**ወትሩ ድሉዋት ንወፍሪ ልምዓት**" **ኣብ ትሕቲ ዝብል
መሪሕ ጭርሖ ኣብ ዘቃንዕዎ ኣኼባ ህዝባዊ መኸተ፡ ብደሙ ናጽነቱ ዘረጋገጸ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብርሃጹ ቍጠባዊ ሓርነቱ
ከምዘረጋግጽ ጥርጥር ከም ዘይብሎም ብምምልካት፡ ከም ኩሉ ዜጋን ከም ወትሩን ኣበርክቶኦም ከምዘዕዝዙ ገሊጾም።*

*መደብ ብኣቦ መንበር ሽማግለ መኸተ ካስል ኣቶ እዮብ ዓንደሃይማኖት ብዝክረ ሰማእታት ድሕሪ ምኽፋት፡ ብሽም ኣወሃሃዲት
ሽማግለ ከተማ ካስል ዝተዳለወ መልእኽቲ ኣቕረበ። ክቡር ኣምባሳደር ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይ ኣብ ህልው ፖለቲካውን ቁጠባውን
ሃገርና ፡ ኣብ ምህናጽ ድልዱል ሃገራዊ ሽማግለን ኣብቲ ንምዕባለ ሃገርናን ቍጠባዊ ዕቤትናን ከነውፍር መንግስቲ **ኤርትራዊ
ዜጋ ወናኒ ጸጋታቱ **ንኽኸውን ዝዕድሞ ዘሎ ሃገራዊ መኣዲ ኣቶኪሩ ሰፊሕ መብርሂ ሃበ። **ሕጂ’ውን ምርጫና ሓድነትና
ኣደልዲልና ፡ ብጸላእትና ንዝምስርሑ ፈጠራታትን ካልኦት ብድሆታትን ፊት ንፊት ብጽንዓት መኪትና **: **ኣብ ቃልስና
ጽንዓት ፡ ኣብ ጉዕዞና ስጡም ሓድነት**: **ክንገብር ታሪኻዊ ግዴታና እዩ ፡ ክብል መደርኡ ደምዲሙ።*

*ኣደ መንበር ሽማግለ መኸተ ወ**/**ሮ ሳባ ስዩም ሎሚ ኣብ ከተማ ካስል **መቐጸልታ ናይ ኣብ ተፈላያ ከተማታት
ጀርመን ዝካየድ ዘሎ ጥርኑፍን ጥሙርን ሓያል መኸተ ህዝቢ ኾይኑ፡ ነዚ ንምትግባር ሽማግለ መኸተን ህዝባዊያን ማሕበራትን
ማሕበረኮማትን መንእስያት ህግደፍን ግዱሳት ዜጋታት ኣብ ጀርመን ኣብ ንጥፈታት ጐስጋሳትን ህዝባዊ መኸተ ብዝገበርክትዎ
ዕዉት ስራሕ በዚ ኣጋጣሚ ብስም ሽማግለ መኸተ ጀርመን ዕዙዝ ምስጋና ኣቕረበት ። ሎሚ ውን ከምትማሊ ፡ እዛ ሓድጊ ጀጋኑ
ሰማእታትና ዝኾነት እንኮ ሃገርና ብውዲትን ጠላማትን ጽንጽያ ዓይና ከንፍሩላ ኣይነፍቅድን ኢና**! **ስለዚ ወትሩ
ድልውዋት ንኹን ብምባል ለበወኣ ኣተሓላለፈት፡*

*ስዒቡ ብኣቶ መድሃኔ ተስፋኣለም “**ህዝቢ ኤርትራ ስልጡን ባህሊ ዝውንን ዕዉት ህዝቢ እዩ **!** „ **ብዝብል
ኣርእስቲ ሰፊሕ ኣፍልጦ ዘለዎ ትምህርታዊ ጽሑፍ ኣቕረበ። መንእሰይ ሰምሃር ተኸስተ ገብረኣብ “ተራ መንእሰያት ኣብ
ምሕያል መኸተ “ ብዘደንቕ ኣቀራርባ ብምቕራባ፡ ንተሳተፍቲ ኣዚዩ መሲጡ። *

*ተሳተፍቲ በቲ ዝቐረበ ጽሑፋት ዕግበቶም ብመገዲ ዉዕዉዕ ጨብጨባ ብድሕሪ ምግላጽ ፤ ብተሳተፍቲ ሃናጺ ዝኾነ ክፉት ዘተን
ለበዋታትን ስምዒት ህዝቢ ዘሰራስረ ካበየ ከተማኡ ግጥምታትን ብሽማግለታት ተፈላለያ ከተማታት ናይ ደገፍ መልእኽቲን ቀሪበ
። ስዒቡ ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ከተማ ካስልን ከባቢኣን ጀርመን፡ ጥምረቶምን ውዳቤኦምን ብምሕያል ተሳትፎኦም ኣብ
ሃገራዊ መደባት ብሓፈሻ ኣብ ወፍሪ ንቍጠባዊ ልምዓት ክብ ከም ዘብሉ ከረጋግጹ ከለው ፡ ኣብ ራህዋ ይኹን ኣብ ጸበባ፡
ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኩነት፡ ኣብ ጐኒ ህዝብናን መንግስትናን ደው ንብል ብማለት ከም ምልክት ሓድነቶምን ጽንዓቶምን
ኢድ ንኢድ ተታሓሒዞም እዞም ዝስዕቡ ኣገሰድቲ ውሳኔታት ኣሕሊፎም።*

*1. **ሰላምን ዕብየትን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዘይደልዩ ፡ ንነኣሽቱ ፍጻመታት ኣተዓባብዮምን ዘይትርጉሙን ትንታኔኡን
ሂቦም ፡ ዘይነበረን ዘይተገብረን ፍጻሜታት እናደረሱ ፡ ብስነ**-**ኣእምሮኣዊ ኲናት ኣብ ህዝቢ ናዕብን ፍልልያትን
ከሳውሩ ኣብ ህርድግ ዝርከቡ ደመኛታት ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ኣትሪርና ንዂንን ፡*

*2. **ዓይኖም ሰለም ከየበሉ ፡ ብሓደ ኢዶም ኣፍራዛ ሃገር ንምልማዕ ፡ በቲ ካልእ ንልዑላዊ መሬትና ከይደፈር
ኣብሓለዋ ዝርከቡ ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ እናመጐስና ወትሩ ኣብ ጐደኖም ከም ዘሎና ደጊምና ነረጋግጽ ፡*

*3. **ቍጠባዊ ዕብየት ሃገርናን ፡ ምስኡ ንዝረጋገጽ ሰላምን ቅሳነትን ፡ ክርእዩ ዘይወሓጠሎም ተጻባእቲ ፡ ቍጠባዊ
ጒዕዞና ንምዂላፍ ዝፍሕስዎ ዘለዉ ዝተፈላለየን ኣደናጋሪ ሓሶትን ጸለመን ፡ ኣትሪርና ንዂንን ፡*

*4. **መንግስትና ካብ’ቲ ዞባውን ኣህጒራውን ምትሕብባር ዝብል ቅኑዕ መትከሉ ተበጊሱ ፡ ምእንቲ ሰላምን ምሕዝነትን
ኣብ ከባቢና ዘካይዶ ዘሎ ውሕሉል ዲፕሎማሲያዊ ኣተሓሕዛ እናመጐስና ፤ እቲ ኣብ ክንዲ ሰላም ህውከት ፡ ኣብ ክንዲ
ምዕባለ ከበሮ ኲናት ዝድስቕ ፡ ንኣህጉራዊ ሕግን ብይንን ረጊጹ ዘሎ ስርዓት ወያነ ብህጹጽ ካብ ልዑላዊ መሬትና ክወጽእ
ደጊምና ነትሓሳስብ ፡*

*5. **ከምቲ **``**ጭጒራፍሲ ንባዕላ ወቒዓ ተእዊ**`` **ዝበሃል እቶም በቲ ኣብ መንእሰያትና ኣብ በረኻታት
ሲናይ ዝበጽሖም ዘሎ ኣደራዕ ፡ ቀንዲ ትሓተትን ሃዋርያት ጥፍኣትን ክንሶም ፡ ደይ መደይ ኢሎም ንመንግስቲ ኤርትራ
ከላግቡን ብምግሃስ ሰብኣዊ**-**መሰል ክኸስዎ ዝህቅኑ ዘለዉ ከንቱ ፈተነታት ኣጥቢቕና ንዂንን ፡*

*6. **መንግስትና ብቀጻሊ ክጠልቦ ንዝጸንሐ ሃናጺ ጽምዶ ሃገረ ጀርመንን ሕብረት ኣውሮጳን እናደገፍና ፡ ሕብረት
ኣውሮጳ ከም ኣውሓሲት ውዕል ኣልጀርስ መጠን ንተግባራውነት ውዕል ኣልጀርስ ሓላፍነታ ከተልዕል ደጊምና ንጽውዕ፡*

*7. **እቲ ጭብጥን መርትዖን ዘይብሉ ዘሕንኽ ዓማጺ እገዳ **§1907 §2023 **ዝፍለጥ ብዘይ ውዓል ሕደር ክልዓል
ንጽውዕ*

*8. **መንግስቲ ኤርትራ ኣህጒራዊ ሕጊ ተኸቲሉ መሰል ዜጋታቱ ንምኽባርን ወጽዕኦም ንምውጋድን ዘካይዶ ዘሎ ጻዕርታት
እናደገፍና ፡ ነቲ ውጥን መንግስትና ፡ ኣብ ነብስኻ ምኽኣል ምርኩስ ብምግባር ፡ ዘሰላስሎ ዘሎ ናይ ነጥበ**-**መቐይሮ
ውህሉል ቍጠባዊ ዕብየት እናኣደነቕና ፡ ኣብ’ቲ ተሪፉ ዘሎ ሃገራዊ ዕማም ከም ዜጋታት እጃምና ከነበርክት ቅሩብነትና
ነረጋግጽ ፡*

*9. **ኣብ ጐድኒ ህዝብናን መንግስትናን ኰይንና ከም ወትሩ ውዲቶም ንምፍሻል ሎሚ’ውን መኸተና ከነዛይድ ድሉውነትና
ነረጋግጽ ፡*

*መደብ ህዝባዊ መኸተ ኣብ ከተማ ካስል ብህዝባዊ መዝሙር ኤርትራ ብድሕሪ ምድምዳም ፡ ኣብቲ ብወናም ብስነጥበባዊት
ርምደት ኣለም ዝተዳለወ ውዕውዕ ባህላዊ መደብ ብምዝንጋዕ ብዓወት ተዛዘመ፡። *


 *ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና*

*ዓወት ንሓፋሽ **! *

*ሽ**/ **ህዝባዊ መኸተ ካስል ከባቢኡን *

*ዕለት **21.04.2013*

*
*

*http://youtu.be/nAWkx3LgD5o*

http://www.raimoq.com/2013/04/23/eritrean-citizens-residing-in-kassel-city-express-readiness-to-back-up-development-programs/
*
*

ከተማ ካስል ፡ ደጀን ዕዉታት ኤርትራውያን ወትሩ ኣብ ጎኒ ህዝቦምን፣ መንግስቲቶምን ምክልኻል ሓይልታት ጸኒዖም ወትሩ
መኸትኦም ዘሕይሉ፤
Received on Wed Apr 24 2013 - 10:49:53 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved