| Jan-Mar 09 | Apr-Jun 09 | Jul-Sept 09 | Oct-Dec 09 | Jan-May 10 | Jun-Dec 10 | Jan-May 11 | Jun-Dec 11 | Jan-May 12 | Jun-Dec 12 |

[dehai-news] ንኺድ ጥራይ ንኺድ ንህዝባዊ መኸተ ኣብ ማንሃይም ካብ ሽቱትጋርት

From: Yohannes Mebrahtu <mebrahtu_at_msn.com_at_dehai.org>
Date: Thu, 11 Apr 2013 21:45:18 +0200

ንኺድ ጥራይ

IMG_0291

ማሕላን ሕድርን ስዉኣትና ዝሕላገቱ፡ ሃገራዊ ሓድነትናን ጽንዓትናን፡ ብጫውጫውን ምንባሕን ናይ ሕማቓትን ናይ ከዳዓትን ከም ከምዘይዝረግ ቅድሚ ሕጂ ኣመስኪርና ኢና። ሕጂ‘ውን ነቶም ድሮ ከይተበገሱ ክርመሱ ጀሚሮም ዘለዉ ኣኽላባት ወያኔ ብቕልጽም ሓድናትና ንምድሃኽን፡ ነቲ ኣብ ፍራንክፎርት ዝገበርናዮ ዕዉት ምድግጋፍ ህዝባዊ መኸተ ኣብ ማንሃይም ንማድጋምን፡ ንዕለት 14.04.2013 ኣብ ህዝባዊ መኸተ ናይ ማንሃይም ክንካፈል ንብገስ ኣሎና። ስለዚ ከም ወትሩ ብሸርሕታትን ውዲታትን ናይ ጸላእትናን ተጻባእትናን ከም ዘይንጸዓድ ከነመስክር ሎሚ‘ውን ከም ትማሊ ከይተሓለልና ክንብገስ ኢና።

ምንባሕ ናይ ዝኣረጉ ኣኽላባት ንጕዕዞ ገመል ኣየሳናኽሎን‘ዩ።

ዓወት ንሓፋሽ

ሽማግለ ህዝባዊ መኸተ ሽቱትጋርትን ከባቢኣን!

ጕዕዞና ከምቲ ልሙድ፡ ብኣውቶቡስ ካብ ባድካንሽታት ኮይኑ፥

ምርኻብ፥ ሰዓት 10፡30

ንቅሎ፥ ሰዓት 11፡00

 








image003.jpg
(image/jpeg attachment: image003.jpg)

Received on Thu Apr 11 2013 - 17:05:51 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved