| Jan-Mar 09 | Apr-Jun 09 | Jul-Sept 09 | Oct-Dec 09 | Jan-May 10 | Jun-Dec 10 | Jan-May 11 | Jun-Dec 11 | Jan-May 12 | Jun-Dec 12 |

[dehai-news] ዕዉት ህዝባዊ መኸተ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ፡

From: Mekete German <meketegerman2010_at_googlemail.com_at_dehai.org>
Date: Mon, 25 Mar 2013 21:48:55 +0100

*መኸተ - ንሰላም፡ልኡላውነት፡ልምዓት*
*HIZBAWI MEKETE – für FRIEDEN : SOUVERÄNITAT und ENTWIKLUNG*

 *ዕዉት ህዝባዊ መኸተ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ፡*
*
*
ዕለት 24.03.2013 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ፡ ብኣወሃሃዲት ሽማግለ መኸተ ፍራንክፈርትን ከባቢኡን ዘተወደበ ሰፊሕ
ሰሚናር ህዝባዊ መኸተ ኣብ ትሕቲ "ወትሩ ድሉዋት ንወፍሪ ልምዓት" ዝብል ዛዕባ ፡ ክቡር ኣምባሳደር ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይን
ኣባላት ቆንስላዊ ቤት-ጽሕፈትን ብዝተገብረሎም ዕድመ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ግዱሳት ሃገራውያን ፡ ብብዝሒ ክኣ
መንእሰያት ዝተሳተፍዎ ውዕዉዕ ሃገራዊ መንፈስ ዝሰፈኖ ዕዉት ህዝባዊ መኸተ ተኻይዱ ፡
መደብ ብዝኽሪ ሰማእታት ብድሕሪ ምኽፋቱ ፡ ኣደ መንበር ኣወሃሃዲት ሽማግለ መኸተ ወ/ሮ ሳባ ስዩም ናይ እንቋዕ ድሓን
መጻእኩም መልእኽታ ብድሕሪ ምቕራብ ፡ መእከቢና ድማ ኣብቲ ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ብድፍኢት መንግስቲ ስርዓት ኣሜሪካ
፡ ባይቶ ውድብ ጸጥታን ፡ ዝተበየነ ዓማጺ እገዳን ፡ ብስርዓት ወያኔን ፡ ከደዓትን ዕሱባትን ተንበርከኽትን ፡ ኣንጻር
መንግስትናን ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ፡ ሓድነትና ንምብትታንን ዝሕጐዱ ተንኮላትን ፡
ንማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስ ኣብ እነካይዶም ልምዓታዊ መደባትና ንምዕንቃፍን ብቐጻሊ ዝካየደዘሎ ተጻብኦታት ንምብርዓኑን ፡
ሓቢርና ድምጽና ከነሰምዕን ተግባራውነትና ከምዝሓለፉ ሎሚ’ውን ብዝያዳ ከነዐዝዝን ዝዓለመ’ዩ ክትብል ድሕሪ መግላጻ ፡

ቀጺሉ ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይ፡ ብዛዕባ ህሉው ፖለቲካውን ዝሰላሰሉ ዘለዉ ቍጠባዊ ወፍሪ
ሃገርናን መብርሂ ድሕሪ ምሃቡ ፡ ወሲኹ ኣብ ምህናጽ ሓያል ኤርትራዊ ኮም ብደረጃ ጀርመን ኣድላይነቱን ገሊጹ ፡ ኣብ
መደምደምታኡ ህዝብን መንግስቲ ኤርትራን ከም ወትሩ ንኹሉ መሰናኽላት ከምዝሰግሮ ዘየጠራጥር እኳ እንተኾነ ፡ ውዳቤናን
ዓቕምታትናን ኣሕይልና ፡ ብዝጻረሩና ፈተነታት ከይተደናገርና ንክንምክት ሓድነትና ከንዕቅብን ከነደልድልን ፡ ንኤርትራ
ብቑጠባ ንምሕናቓ ዝካየድዘሎ ውዲት ንምብዳህን ፡ ተሳትፎ ቍጠባዊ ወፍሪ ንኸዓቢ ግደ ኩሉ ዜጋ ምዃኑ ንተሳተፍቲ ኣኼባ
ለበዋኡ ለገሱ ፡

ኣስዒቡ ብዶ/ር ኣምኒኤል ትኩእ ኣብ "ስነ/አእምሮኣዊ ኲናትን ሳዕቤናቱን " ብመንእሰይ ሰምሃር ገብርኣብ "ተራ
መንእሰያት ኣብ ምሕያል መኸተ" ከምኡ'ውን ብሽ/መኸተ ፍራንክፈርት ኣቶ መድሃኔ ተስፋኣለም " ንሕናን ግዳማውን ውሽጣውን
ተጻብኦታትናን" ዘርእስቶም ንተሳተፍቲ ዓቢ ኣፍልጦ ዝህቡ ኣስተምህሮታትን ክቐርቡ ከለዉ ፡ ብተሳተፍቲ መደብ ድማ ሃናጺ
ዝኾነ ክፉት ዘተን ለበዋታትን ስምዒት ህዝቢ ዘሰራስረ ካበየ ከተማኡ ግጥምታት ቀሪቡ ፡
ኣብዚ ዕዉት ህዝባዊ መኸተ ፡ ካብ ከተማታት በርሊን ፡ ስቱትጋርት ፡ ካርልስሩሀ ፡ ማንሃይም ፡ ዳርምሽታት ፡ ወረዳ
ኦፍንባኽ ፡ ወረዳ ግሮስጌራው ፡ ማይንስ ፡ ቪዝባደን ሊምቦርግ ፡ ወረዳ ቬተራው ፡ ጊሰን ፡ ፉልዳን ብቀንዱ
ፍራንክፈርትን ከባቢኡን ኣስታት 1500 ዝበጽሑ ግዱሳት ዜጋታት ተሳቲፎሞ ፡

ተሳተፍቲ መኸተ ፡ ስርዓት ወያነን መወልቱን ! ካብ መስርሕ ህንጸት ንልምዓት ሃገር ንሙዂላፍናን ወግሐ ጸብሐ ዝጥጅኡ
ሽርሕታት ብዑመቀት ድሕሪ ምግምጋም፡
ካብ ኣየናይ መንጪ ከምዝዛረዩን እንታይ ከምዝመስሉን ፡ ነዚ እኩይ ውጥናትን ፡ ንመንግስትናን መራሕትናን ብፈጠራዊ ጸለመ
ጸለሎ እናቐባእካ ዝድረሱ ተዋስኦን ፡

ሓድነትና በታቲኾም ብቐንዱ ንሃገራዊ ልዑላውነትና ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕ ዝፍሓሱ ተንኮላት ብዝደቐቐ ኣስተብሂልና ፡
ኤርትራዊ ክብርትታትና እናሓለና ፡ ሓንቲ ሰላምን ራህዋን ዝዓሰላ ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝነገሳ ፡ ምዕብልትን ዘይትድፈር
ሃገረ ኤርትራ ንምህናጽን ፡ ብህዝብን መንግስትን ዝውሰዱ ዘለዉ እዋናዊ ውሳኔታትን ዝትግበሩ ዘለዉ ናይ ልምዓት መደባት
ብዕቱብ ብድሕሪ ምዝታይ ፡ ነዞም ዝስዕቡ ውሳኔታት ኣሕለፉ፦

1. ንኹሎም’ቶም ሰላምን ዕብየትን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዘይደልዩ ፡ ንነኣሽቱ ፍጻመታት ኣተዓባብዮምን ዘይትርጉሙን
ትንታኔኡን ሂቦም ፡ ዘይነበረን ዘይተገብረን ፍጻሜታት እናደረሱ ፡ ብስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ኣብ ህዝቢ ናዕብን ፍልልያትን
ከሳውሩ ኣብ ህርድግ ዝርከቡ ደመኛታት ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ኣትሪርና ንዂንን ፡

2. ኣብ ጐድኒ ህዝብናን መንግስትናን ኰይንና ከም ወትሩ ውዲቶም ንምፍሻል ሎሚ’ውን መኸተና ከነዛይድ ድሉውነትና
ነረጋግጽ ፡

3. ነዚ ሓያል ቍጠባዊ ዝላ ፡ ንሓዋሩ ዘምጽኦ ዕብየትን ፡ ምስኡ ንዝረጋገጽ ሰላምን ቅሳነትን ፡ ክርእዩ ዘይወሓጠሎም
ተጻባእቲ ፡ ቍጠባዊ ጒዕዞና ንምዂላፍ ዘናፍሕዎ ዘለዎ ዝተፈላለየን ኣደናጋሪ ሓሶትን ጸለመን ፡ ኣትሪርና ንዂንን ፡
4. መንግስትና ካብ’ቲ ዞባውን ኣህጒራውን ምትሕብባር ዝብል ቅኑዕ መትከሉ ተበጊሱ ፡ ምእንቲ ሰላምን ምሕዝነትን ኣብ
ከባቢና ዘካይዶ ዘሎ ውሕሉል ዲፕሎማሲያዊ ኣተሓሕዛ እናመጐስና ፤ እቲ ኣብ ክንዲ ሰላም ህውከት ፡ ኣብ ክንዲ ምዕባለ
ከበሮ ኲናት ዝድስቕ ፡ ንኣህጉራዊ ሕግን ብይንን ረጊጹ ዘሎ ስርዓት ወያነ ብህጹጽ ካብ ልዑላዊ መሬትና ክወጽእ ደጊምና
ነትሓሳስብ ፡
5. እቲ ጭብጥን መርትዖን ዘይብሉ ዘሕንኽ ዓማጺ እገዳ § 1907 ን § 2023 ዝፍለጥ ብዘይ ውዓል ሕደር ክልዓል
ንጽውዕ ፡
6. ነቲ መንግስትና ብቀጻሊ ክጠልቦ ዝጸንሐ ንሃናጺ ጽምዶ ሃገረ ጀርመንን ሕብረት ኣውሮጳን እናደገፍና ፡ ሕብረት
ኣውሮጳ ከም ኣውሓሲት ውዕል ኣልጀርስ መጠን ንተግባራውነት ውዕል ኣልጀርስ ሓላፍነታ ከተልዕል ደጊምና ንጽውዕ፡

7. ከምቲ ``ጭጒራፍሲ ንባዕላ ወቒዓ ተእዊ`` ዝበሃል እቶም በቲ ኣብ መንእሰያትና ኣብ በረኻታት ሲናይ ዝበጽሖም ዘሎ
ኣደራዕ ፡ ቀንዲ ትሓተትን ሃዋርያት ጥፍኣትን ክንሶም ፡ ደይ መደይ ኢሎም ንመንግስቲ ኤርትራ ከላግቡን ብምግሃስ
ሰብኣዊ-መሰል ክኸስዎ ዝህቅኑ ዘለዉ ከንቱ ፈተነታት ኣጥቢቕና ንዂንን ፡

8. መንግስቲ ኤርትራ ኣህጒራዊ ሕጊ ተኸቲሉ መሰል ዜጋታቱ ንምኽባርን ወጽዕኦም ንምውጋድን ዘካይዶ ዘሎ ጻዕርታት
እናደገፍና ፡ ነቲ ውጥን መንግስትና ፡ ኣብ ነብስኻ ምኽኣል ምርኩስ ብምግባር ፡ ዘሰላስሎ ዘሎ ናይ ነጥበ-መቐይሮ
ውህሉል ቍጠባዊ ዕብየት እናኣደነቕና ፡ ኣብ’ቲ ተሪፉ ዘሎ ሃገራዊ ዕማም ከም ዜጋታት እጃምና ከነበርክት ቅሩብነትና
ነረጋግጽ ፡

9. ዓይኖም ሰለም ከየበሉ ፡ ብሓደ ኢዶም ኣፍራዛ ሃገር ንምልማዕ ፡ በቲ ካልእ ንልዑላዊ መሬትና ከይደፈር ኣብሓለዋ
ዝርከቡ ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ እናመጐስና ወትሩ ኣብጐደኖም አለና ፤ ክንህሉ ኢና ፡

ኣብ መደምደምታ ፡ ንዂሎም እቶም ፡ ብስም ዲሞክራሲ ፡ መሰል እምነት ፡ ሰብኣዊ መሰላት ወዘተ…፡ ተጣበቕቲ ኢና ብሃልቲ
፡ ኣብተግባር ግን ሰላምና ክዘርጉ ዝህቅኑ ጐይተቶምን ከደምቶምን ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ከምንምክቶም ቃል እናኣቶና ፡
ክንዕወት ምዃንና ክኣ ኣጸቢቕና ንፈልጥ ፡
ኤርትራ ንዘልኣለም ተኸቢራ ትንበር !
ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ሰማእታትና
ዓወት ንሓፋሽ !
ሽ/ ህዝባዊ መኸተ ፍራንክፈርትን ከባቢኡን ዕለት 24.03.2013

http://www.raimoq.com/2013/03/25/frankfurt-eritreans-residing-in-frankfurt-and-its-environs-held-mekete-seminar/

Eritrean community members in Frankfurt express resolve to back up
development programs

Frankfurt, 25 March 2013- Eritrean community members residing in Frankfurt,
Germany, and its environs expressed resolve to reinforce staunch
resistances against external conspiracies and back up development programs
in the Homeland through the investment opportunities opened for citizens.

This was disclosed during a meeting they conducted on 24 March in which
different study papers were presented.

During the meeting, Mr. Petros Tsegai, the Eritrean Ambassador to Germany,
gave extensive explanation with regards to the objective situation in
the Homeland
and resistance of Eritreans living inside the country and abroad. He also
said that the progress the nation is registering is the out come of
concerted efforts of citizens and called for its reinforcement.

The participants on their part expressed appreciation to the Government for
its efforts to ensure social security and the opportunity of investment
provided for citizens, and that they would stand alongside their people in
ensuring stability and development of their country.
http://www.shabait.com/news/local-news/12932-eritrean-community-members-in-frankfurt-express-resolve-to-back-up-development-programs




Received on Mon Mar 25 2013 - 20:33:54 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved