| Jan-Mar 09 | Apr-Jun 09 | Jul-Sept 09 | Oct-Dec 09 | Jan-May 10 | Jun-Dec 10 | Jan-May 11 | Jun-Dec 11 | Jan-May 12 | Jun-Dec 12 |

[dehai-news] ዕውት ሰለማዊ ሰልፊ ማሕበረኮም ሽወደን ኣንጽር ዘይሕጋዊን ዘይፍትሓዊን

From: Mekete German <meketegerman2010_at_googlemail.com_at_dehai.org>
Date: Mon, 25 Mar 2013 00:28:43 +0100

ዕውት ሰለማዊ ሰልፊ ማሕበረኮም ሽወደን ኣንጽር ዘይሕጋዊን ዘይፍትሓዊን

<iframe width="560" height="315" src="
http://www.youtube.com/embed/k7nN81lxMyo" frameborder="0"
allowfullscreen></iframe>

Eritrean Community from all over Sweden demonstrate against the harrasment
and unfair treatment of the Swediish Eritrean Community. Eritreans Unity
and determination rises and rises when our enemy makes any move to weaken
us. Eritrean's in Sweden are with out a doubt made of a steel determination
and patriotism. With people like this Eritrea will never fail.
ድምጺ ሓቂ ዝተዓወተሉ፡ ነጎድጓዳዊ ሰላማዊ ሰልፊ ብርዕና ዜናን ሓበሬታን ስቶክሆልም
"ካብ ዘረባ ከደምቲ፡ ድምጺ ብዙሓትን ሓቀኛታትን ይሰማዕ!" ኤርትራውያን ነበርቲ ሽወደን ኤርትራውያን ነበርቲ ሽወደን፡
ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ዘሎ ምግሃስ መሰል ንምኵናንን ጠለባቶም ናብ መንግስቲ ሽወደን ንምቕራብን ዝዓለመ ሰፊሕን
ዕዉትን ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብዓርቢ 22 መጋቢት ኣካይዶም። ንሶም፡ "ተጻብኦን ጸለመን ኣንጻር ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ደው
ይበል፣ ፈነወ ሜዲያ ሽወደን፡ ፍትሓውን ሚዛንውን ይኹን፣ ምኽፋል 2% ግቡአይን ፍታወይን ኢዩ፣ ኣብ
ሽወደን ኣፈላላይ ኣይንቕበልን፣ መሰልና ይከበር..." ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት እናቃልሑ፡ ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ብእግሪ
ተጓዒዞም፣ ኣብ ፊት ህንጻ ባይቶ ሽወደን ደው ብምባል፡ ጻውዒት "ድምጽና ይሰማዕ!" ኣቕሪቦም።
ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ሽወደን (ኤ.ማ.ሽ) ኣቶ ቢንያም ምስግና፡ ሰልፊ ዝገበርሉ ምኽንያት ክገልጽ ከሎ፡
እቶም ኣብ ቅዋም ሽወደንን ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን ዝሰፈሩ ዓለማውያን መሰላት፡ ንኤርትራውያን­ሽወደናውያን ዝተነፍጎም
መሰል ምእካብ፡ ምዝራብን ካልኦት ሲቪላዊ መሰላትን ንኽኸብሩ ዝጽውዕ ምዃኑን፣ ብፍላይ ድማ፡ ስቕታ ኣብ ጉዳይ ምቅጻል
ሰለስተ ኤርትራውያን ማእከላት ንምኹናንን ቆላሕታ ኪግበረሉ ንምዝኽኻርን ገበነኛታት ኣብ ሕጊ
ንኽቀርቡ ዝጠልብን ከም ዝኾነ ኣብሪሁ።
ኣቶ ቢንያም ምስ'ዚ ኣተኣሳሲሩ፡ ብመሰረት ጻውዒት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ ኩሎም'ቶም ኣብ ሽወደን ዘጋጥምዎም
ጸገማትን መፍትሒኦምን ኣመልኪቶም ከም ኣተዘራረቡ ብምግላጽ፡ እቲ ሚኒስትሪ፡ ጉዳይ ኤርትራውያን ናብ ኩለን መንግስታዊ
ትካላት ሽወደን ኸመሓላልፎ ቃል ከም እተኣተወሎም ሓቢሩ። ወከልቲ ኤማሽ ብግዲኦም፡ ሽወደን ከም ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት
መጠን፡ ውሳነ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ምትግባር፡ ሓላፍነታዊ
ተርኣ ክትጻወት ጸዊዖም። ንወኪል ሚንስትሪ ፍትሒ'ውን ተመሳሳሊ ሓበሬታ ከም ዝሃቡ ገሊጾም።
ካብ ተሳተፍቲ ሰልፊ፡ ነባሪ ሶልና ኣቶ ተኽለ መንግስተኣብ፡ ሰልፊ ኣብ እዋኑ ምትግባሩ፡ ንጹርን ዝተዓለመሉ መልእኽቱ
ከም ዘመሓላልፍን
ብምግላጽ፡ ወጽዓ ኤርትራውያን­ሽወደናውያን ህዝቢ ሽወደን ንኺፈልጦን ኪዝትየሉን ንምዝኽኻር፡ ካብ ትራፍ ሓዊ ማእከሎም
ዝኾነ ንብረትን ፍርቀን
ዝተቓጸላ ባንዴራ ኤርትራን ሽወደንን ሒዞም፡ ይጉዓዙ ምህላዎም ሓቢሮም።
ኣብ መዛዘሚ'ቲ ሰለፊ፡ ወከልቲ ናይ'ተን ዝተቓጸላ ሰለስተ ማእከላት፡ ምዕናው ማእከላቶም፡ ብዓቢኡ ኣብ ኤርትራውያን
ቆልዑ ሃስያ ምውራዱ ዝገልጽ፣ ደቆም ካብ ወራሲ መንነት መስመሮም ከይእለዩን ብህጹጽ ቦታ ኪናደ ዝጽውዕን መልእኽቲ
ኣቕሪቦም።
ኣብቲ ሓያል ቀዝሒ ዝነበረሉ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ካብ ኩለን ማሕበረ ኮማት ስቶክሆልምን ከባቢኣን፡ ዝተፈላለያ ከተማታት
ሽወደን፡ ጨናፍር ሃ.ማ.ደ.ኤ፡ ማሕበር ስንኩላንን ተመሃሮን ሽወደን ዝመጹ፡ ኣስታት 2500 ዝግመቱ ህዝቢ ተሳቲፎም።
ጻዕቅን ንውሓት መስርዕን ተሳታፊ ህዝቢ ድማ፡ ኣብ መስመራት መጎዓዝያ ከተማ ስቶክሆልም ምድንጓያት ፈጢሩ ነይሩ።
Received on Sun Mar 24 2013 - 22:02:14 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved