| Jan-Mar 09 | Apr-Jun 09 | Jul-Sept 09 | Oct-Dec 09 | Jan-May 10 | Jun-Dec 10 | Jan-May 11 | Jun-Dec 11 | Jan-May 12 | Jun-Dec 12 |

[dehai-news] ጽንብል ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ምድምሳስ ናደው እዝ ብድምቀት ተዛዚሙ

From: Dimtzi Eritrawian Kab German <eritreanvoice.germany_at_googlemail.com_at_dehai.org>
Date: Sat, 23 Mar 2013 04:19:07 +0100

* *

*ጽንብል ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ምድምሳስ ናደው እዝ ብድምቀት ተዛዚሙ*



ሓመድ ድበ ናደው - ቅያ መቐይሮ’ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ካብ 17 ክሳብ 19 መጋቢት ክካየድ
 ዝቐነየ ጽንብል ዝኽሪ ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ምድምሳስ ናደው እዝን ምሕራር ከተማ ኣፍዓበትን ብልዑል ማዕርግ ተዛዚሙ።



ኣብ’ቲ መዛዘሚ ስነ-ስርዓት፡ ኣቦ-መንበር ኣወሃሃዲት ሽማግለ በዓላት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ስራጅ ሓጂ ኣብ
ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ጽንብል ብድምቀት ሸቶኡ ንኽወቅዕን ንኽምዕርግን ህዝቢን ምምሕዳርን ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ከምኡ’
ውን ካልኦት ኣካላትን ነጋድያንን ንዘርኣይዎ ዝነኣድ ሱታፌን ንዝገበርዎ ልዑል ኣበርክቶንኣመስጊኑ።



እቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለን ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ዜጋታት ዝተሳተፍዎን
ጽንብል፡ ቍሸት ምምሕዳራት ከባቢ፡ ስእላዊ ምርኢት፡ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰባት ዝተሳተፍዎ ባህላዊ ካርኒቫል፡ ከምኡ’ውን
ምምራቕ ‘ዝኽርታት ሓመድ ድበ ናደው’ ዘርእስታ መጽሓፍን ሰነዳዊ ፊልምታትን ዘጠቓለለ’ዩ ነይሩ።



ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ምስ ኩሉ መሓውራቱ ብኣውራኡ ድማ ህዝቢ’ቲ ንኡስ ዞባ
ንዘርኣዮ ምቕሉል ኣቀባብላን እንግዶትን ብምምስጋን፡ መርኣያ ናይ’ቲ ስልጡንን ተቐባሊ ጋሻን ባህሊ ምዃኑ ብምሕባር፡
ኣድናቖቶምን ዕግበቶምን ገሊጾም።

እቲ ጽንብል፡ ብውድድራት ሓፈሻዊ ፍልጠት፡ ቅድድም ኣግማል፡ ከምኡ’ውን ምርኢት ጉጅለታት ባህሊን ካልእ ኣዘናጋዒን
መሃሪን መሰናድኦታት ደሚቑ’ዩ ቀንዩ።




photo.png
(image/png attachment: photo.png)

Received on Sat Mar 23 2013 - 14:43:37 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved