| Jan-Mar 09 | Apr-Jun 09 | Jul-Sept 09 | Oct-Dec 09 | Jan-May 10 | Jun-Dec 10 | Jan-May 11 | Jun-Dec 11 | Jan-May 12 | Jun-Dec 12 |

[dehai-news] Book Review: ማዕበላዊ መገሻ

From: Haile Bokure <hbokure_at_aol.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 22 Mar 2013 21:42:40 -0400

Book review on March 23, 4:00 PM, at ECCC 600 L Street NW, DC

Author can be reached at: mamegesha_at_gmail.com

ማዕበላዊ መገሻ

ብኢንጅነር የዕብዮ መስፍን

ገምጋም ብሃይለ ቦኹረ

እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣርእስታ ከም ዘመልክቶ ብዛዕባ ሽግራትን ፈተናታትን ስድራ ቤት ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዀነ ኣብ ስደት ዝገጠሞም ብዝርዝር እትገልጽ ኢያ። እቶም ቀንዲ ተዋስኣቲ (protagonists) ኣቦን ኣደን ዝዀኑ ማለት ዳንኤልን ሄለንን ከምኡ ኣርባዕተ ደቆምን ኢዮም። ደራሲ ምእንቲ ነቶም ቀንዲ ፍጻሜታት ድምቀት ክህቦም እቲ ዝመረጾ መድርኽ (scene) “ገዛ” ከምኡ ዝመረጾ ግዜ “ዓርቢ” ማለት ድሕሪ ስራሕን ትምህርትን ቤተ-ሰብ ዝራኸብሉ ኢዩ።

ብመሰረቱ ከም ማንም መንእሰያት ኤርትራውያን ዳንኤልን ሄለንን ኣብታ ተወሊዶም ዝዓበዩላ ሃገር ብሄራዊ
ኣገልግሎት ድሕሪ ምውድኦም ይፋቀሩ። በዚ ኣንጻር ብግዚኡ ዝነበረ ቁጠባ ሃገር ሓዳር ክምስርቱ ዝነበሮም ዕድል ዘየማልእ ብምዃኑ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ብዙሓት ደቂ ሃገር ተሰዲዶም ንብረት ከጥርዩ ብምርኣዮም ንኽስደዱ ይውስኑ። ብፍላይ ኣብ ዲሲ ማለት ኣብታ ካብ ሱሳታት ጀሚሩ ብብዝሒ ዝቅመጡላ ኤርትራውያን ብምእታው ሓዳሮም ይጅምሩ። ደራሲ ናብራ ኣሜሪካ
ብዘመልክት እቶም ተዋስኣቲ ኣብ ውሽጢ
ሃገር ዝሰምዕዎን ንዳሕራዩ ምስ መጹ ዝተመከርዎን ዝጋራጮ ምዃኑ ቁልጭ ኣቢሉ ክገልጾ ንርኢ። ብፍላይ ንኣሽቱ ከለና ሓደ ቢል ዝበሃል እንግሊዛዊ ቆልዓ ኣብ ገጠር ዝነብር ኹሉ ኣብ ሎንዶን ዝቕመጥ ሃብታም ከም ዝዀነ እዛ ዝጠቀስናያ ከተማ እውን ብወርቂ ከም እተሰርሔት ይመስሎ ከም ዝነበረ፡ በዚ ዝኣክል ይሓልፈለይ ኢሉ ምስ ከደ፡ ብበረደን በሳሒታን ተሸፊና ክረኽባ ከመይ ኢሉ ከም ዝሰንበደን ዝተጣዕሰን የዛኻኽረና። ይኹን እምበር እዞም ሰብኣይን ሰበይትን ንኹሉ በዲሆም ብዝለዓለ ደረጃ ብምምሃር ምቾት ዝመልኦ ናብራ ክጅምሩ ክንርኢ ተስፋ ይህቡና።
ብመሰረቱ ደራሲ ብልበ-ወለድ መልክዕ
ሽግራት ኤርትራውያን ብደቂቅን ብሰፊሑን ስለ ዝገልጽ፡ ኻብ ምዝርዛሮም ኣብቶም ቀንዲ መሰረታውያን ሓሳባት (concepts) እንተ ኣድሃብና ዝበለጸ ይመስለኒ። ብትሕዝቶ ጽሑፉ ድማ ንዝዀኑ ኲነታት ወይ ፍጻሜታት ብዝጋራጨው ተርእዮታት ክትንትኖም ንዕዘብ። ንኣብነት ስሚዕትን ኩነትን (passion viz reality). ኣርእስቲ ከም ዘመልክቶ ሄለን
ድሕሪ ነዊሕ ስደት ካብ ብርቱዕ ናፍቆት ዝኣክል ምስኡን ምስ ኣርባዕተ ደቃን ንዓዲ ክበጽሑ ወግሔ-ጸብሔ ክትዳፋፍኦ ከላ፡ ንሱ እውን ነዚ ከማልኡ ክሳብ ክንደይ ወጻኢ ገንዘብ (Almighty Money) ከም ዝሓትት ብጽሑፍ
ንሓድሕዶም ሓንሳእ ብምትሕልላይ ሓንሳእ ከኣ ብዘይምስማማዕ ክዛራረቡ ከለው ልብኻ ይትንኩፉኻ። እዚ ከኣ ባህርያዊ ኢዩ።

በቲ ሓደ ወገን ከኣ ደራሲ ኣብ ሞንጐ
ወለድን ውሉዳትን ዝወርድ ተጻብኦ (familial

ንጌለና ከም ወለዲ መጠን ዝተመኮርናዮም ከዛኻኽሩና ከለው፡ ንገሌና ከኣ መለበሚ ክዀኑና ይኽእሉ። ኻብዚ ፈሊኻ ዘይርኣይ ድማ ደራሲ ኣብ ሞንጐ ሰበይትን ሰብኣይን
ዘሎ ተጻብኦ (marital conflict) ብኣድማዒን ብዕምቖትን ክትንትኖ ንርኢ። እዚ ነቲ ብስድራ-ቤት (family value) ዝኣምን ሕብረተ-ሰብ በዳሂ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ካብቲ ስደት ዘኸተሎ ምዝንባልን ባህላዊ ለውጥን ዘይፍለ ምዃኑ የተሓሳስበና። ቀጺሉ ኣብ ሕብረተ ሰብና ብሰንኪ ኣብ ሕድሕድና (societal
conflict) ብፖለቲካ ወይ ብኣራኣእያ መዳይ ዝልዓሉ ፍልልያት ዀኑ ምጉሩራሕን ምትንዃልን ብሃናጺ ነቀፈታ (constructive criticism) ከተሓሳስበና ከይኸብደና ኣይተርፍን። ካብዚ ሓሊፉ ተሪፉ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ህዝብና ዝርኤ ዘሎ ግብዝና (Vanity Fair) ብፍላይ ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ ብልጭልጭ
ላዕሊ ፈላጥን ርኽቡን ዝግበር መርኣያ ክሳብ ኽንደይ ፋሉል ምዃኑ የተሓሳስበና።
ኣብ መደምደምታ ደራሲ ኣቀራርባ ጽሕፈቱ

ስልቲ ኣገላልጽኡ ቀሊልን ጽፉፉን መሳጢን ኢዩ። ኻብ ኩሎም ኤርትራውያን ደረስቲ

ጠባይ ደቂ ሰባት ብደቂቁ ብምጽንዑ ኢዩ።
በዚ’ውን ሓቂ ንምዝራብ ድሕር ዘይብል ብምዃኑ፡ እስኪ ባዕልና ብምንባብ

ብምውርዛይ ናይ ልቡ ኽገልጽ ንምግላጽ ዘፍርሖ… በዚ’ውን ብሽፋን ብዛዕባ ፖሊቲካ ጥራይ ከዕልል ዝዝምብል ሕብረተ- ሰብ! ሓተታኡ ሰፊሑ ኢዩ። ብዝተረፈ ትግርኛ ኣዝዩ ስሩዕ ቋንቋ ብዘይምዃኑ፡ ሓደ ሓደ ጉድለት እንተዘይኮይኑ፡ ደራሲ ከም ጀማሪ መጠን ዘርኣዮ ክእለት ኣዝዩ ዝምስገን ኢዩ። ከም ዝገለጽኩዎ መጽሓፉ ብትሕዝቶኣ ሓፈሻዊን እዋናውን ናብራ ህዝብና (life experiences) እተጸንባርቅ ኢያ። ስለዚ ብድራማ መልክዕ እንተ ትቀርብ ከመይ ኮን መልእኽቲ ጽሑፋ ካብ ብቃል ብግብሪ ኣብ ኣእምሮና ክስረጽ ምኽኣለ።

ሃይለ ቦኹረ
Received on Fri Mar 22 2013 - 21:55:17 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved