| Jan-Mar 09 | Apr-Jun 09 | Jul-Sept 09 | Oct-Dec 09 | Jan-May 10 | Jun-Dec 10 | Jan-May 11 | Jun-Dec 11 | Jan-May 12 | Jun-Dec 12 |

[dehai-news] Poem dedicated to the late Iseyas Tsegai. Reposted agian

From: Tesfamicael Yohannes <tesfamicaelyohannes_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Thu, 21 Mar 2013 09:16:29 +0100

http://www.afronorway.com

መምህር የልቦን ሎሚ ገገዛኹም ኪዱ

እዚኣ ግጥሚ ነቲ መምህር ስነጥበበኛታት ዝነበረ፣ ደራስን ዳይረክተርን፣ ነፍሲሄር ኢስያስ ጸጋይ ንመዘከርታ ዝተገጥመት
ኢያ። ኣነ እንትርፎ ሽሙን ዝንኡን እምበር ብኣካል ርእየዮ ኣይፈልጥን። ቀጺሉ እምብኣር እቲ ግጥሚ ይቐርብ።

ክፍሊ ብምልእታ ማይ ፍልጠት ክትሰቲ

ኣዋልድ ኣወዳት ኣሰብኡት ምስ ኣንስቲ

ጥራዛ ገንጺላ ክትለቅም ፈደላት በብሓንቲ

ድልዉቲ ነበረት ተመሃራይ ናይዚኣ መዓልቲ

ትምህርቲ ሓጋይ ተወዲኡ ነበረ ክረምቲ

ተመሃራይ ነቒሑ ከፊቱ ኣዕንቲ

ኣእዛን ተኾኩዔን ክሰምዓ ምእንቲ

ፍልጠት ክሰንቃሉ ካብቲ ሊቀ ሊቃዊንቲ

ኣልምድዎም እንድዩ ዘይተኣደነ ፍልጠት

ሃንጽዎም እንድዩ ክነውሑ ብቑመት

ኣብልሕዎም እንድዩ ክነጥፉ ብሂወት

ምህርዎም እንድዩ ክሓስቡ ብቕጽበት

እንታይከ ተርፍዎም ኮይኖም እንድዮ ኣብነት

መምህር ግን ተሪፉ ኣይከምቀደሙን

ተመሃሮ ኣዕለበጡ ኽይኮኑ ምናምን

ሓሳቦም ዘንቢሉ ናይ ሎምስ ኣይግድን

ስክፍታ ጀመሩ ክብሉ ድንን ድንን

መምህር የልቦን ሎሚ ገገዛኹም ኪዱ

ዝብል መርድእ ምስ ሰምዑ ኣመና ሰንበዱ

መምህር ተመንይዎ ናይዛ ዓለም ናብራ

ቀይሩ በልዎም ናብ ዝሓሸ ስፍራ

እንትርፎ ሰላም ዘይብሉ መከራ

እሞ ተመሃሮ እስከ ተዛረቡ

ሚዛን ናይ ፍልጠትኩም ክንደይ ኢዩ ደይቡ

ወይስ ስቕ መሪጽኩም ክተርፍ ብድብድቡ

ክውከሰኩም ኢየ በብሓደ ንኹሉኹም

ተመሃሮ ናይ'ዚ ሊቀ ሊቃዊንቲ ዝነበርኩም

ክተዘኻኽሩና ካብቲ ተዘክሮታትኩም

ከመይ ነበረ ሕሉፍ ተሞኩሮታትኩም

ብምሌኑዶ ኽንጅምር ወይስ በቲኣ ኣደ

ትማሊዶ ኽንብል እንዳዘከርና ናትኩም ግደ

እስከ ንገሩና እንተሎ ዝተዋደደ

ወይ ንገሩና እንተሎ ዝዕደ

እስኪ ኽጅምር ብኣኺ ብጓል ገባር

ፍልጠትኪ ዘርዝሪ ጥራሕ ንምምስካር

ግቡእ እንድዩ ዓቢ መምህር ምዝካር

ትምህርቱ ኽንደግሞ ሓንጎልና ንምህጣር

እስከ ንገርና ከመይ ኔሩ ጉዕዞ

እቲኣ ኣደ ክትሰርሒ ዝነበረ ምህዞ

ቁምነገር ጽሑፉ ናይ ካሜራ ትሕዞ

ብሓንጎሉ ድዩ ወይስ ኔሩ ዝእዝዞ

ግዴኺ ኢዩ ነጪ መስክሪ ብሓቂ

ፍልጠት ዝቐሰምክዮ ብሓብር ይኹን ብዉልቂ

ተመራጺዶ ኔሩ ካብ ወርቂ ካብ ጨርቂ

እቲ ሊቅ ዝመሃረኪ ብዘይ ብቂ

ዝበኸኽዮ ብኽያት ነቲ ሊቀ ሊቃዊንቲ

ነጪ ግለጽዮ ዝሰኣንክዮ ትምህርቲ

እቲ መምህር የልቦን ኮንኪዶ ዝኽትምቲ

መብጽዓ ኣሎኪዶ ስሌኡ ኽትኮኒ ዕዉቲ

በሊ ነጪ ክኣልዮ ካብ ወረደ

መምህር ጨኪኑ ኣርሒቑ ካብ ከደ

ሞይቱ ኣይብሃልን ኢዩ ስነጥበበኛታት ዝወለደ

ኣሸክምኩም ኢዩ ከይዱ እቲ ዝኽበደ

በልከ ገዴኻ ኢዩ ዳዊት መስፍን እንታይ ትብል

ብዛዕባ እቲ ሊቀ ሊቃዊንቲ ቅሩብ ኽነዕልል

ኣብ ትማሊ ኔርካ ከም መራሒ ጋንታ ትዘልል

ኣብ ሚሌኑ ኔርካ ኣቦ ገብራት ጎብለል

ዋላ ኡካ ብተፈጥሮ ተውህቦ እንተሎካ

መምህር ግን ኩሒሉ ኢዩ ሃንጹካ

ስነጥበብ ኣስኒቑ ኢዩ ልኢኹካ

ናትካ ሓዊስካሉ ብሉጽ ተዋስኣይ ኮንካ

መምህር የልቦን ሕጂ እንታይ ኢኻ ኽትከዉን

ሽሙ ከይሃስስ ክትብርትዕ ኣሎካ እምበር ግድን

እስኻ'ውን ግዴኻ ኣውርስ ኣይትብል ድንን

ዕዳ መምህር ኣሎካ መንእሰያት ኽትውግን

ሄለን መለስከ እንታይ እኺ ኽትብልና

መልእኽቲ መምህር ብልሳንኪ ዝሰማዕና

እቲ ጥዕም ድምጽኺ ክኣቱ ኣብ ኣእዛና

ናይ መምህር ዜማታት እስከ ድገምልና

ክትብሊ ከሎኺመልእኽቲ ነደቂ ሳዋ

መንዮም እዝኦም ናይ መምህር ለበዋ

ነግርክና እንድኺ ተመሃሮ ከም ዝነበሩ ክስብ ሽዋ

ሊቀ ሊቃዊንቲ ኣይገድፈን እቲኣ ሓቂ እንዲዩ ኣዊጽኡዋ

እንታይ ኢዩ እሞ ክብሃል እንታይከ ኽዝረብ

ዝምለስ እንተዝኸዉን መምህር ከፊልካ ብገንዘብ

ኣዋጅ ምተኣወጀ ኣሕዛብ መታን ክእከብ

ንፋስ ምተኣገድ መታን ከይሕንበብ

ማዕበል ዘፍ ምበለ ምገደፎ ዘብዘብ

መምህር መተለመን ክምለስ ንሓንሳብ

መምህር ግን ኣይምለሰን ኢዩ

ይኣኽለኒ ኢሉ ኣቕቢጹ እንዲዩ

ወይለኺ ስነጥበብ ወይለኺ ትምህርቲ

እምበር መምህርስ ደቂሱ ኣሎ ናይ ዘልኣለም ዕረፍቲ

ሃንደበት እንዲዩ ኮይኑ ሓደጋ ወሪዱ

በሉ መምህር የልቦን ሎሚ ገገዛኹም ኪዱ

ተሰሪቕናዶ ክንብል ወይስ ተዘምትና

ሊቀ ሊቃዊንቲ እምበር ኢና ኣጥፍኢና

መንግስተ ሰማያት የውርሶ ጽንዓት ከኣ ንዓና

ንነፍስሄር ኢሰያስ ጸጋይ ዕዙዝ ክብሪ ኣሎና

ተስፋ ንገብር ተካኢ ኽፈጥረልና።

ተገጥመ

ብኢንጂነር ተስፋሚካኤል ዮሃንስ

ኦስሎ ኖርወይ

2012

X-Spam-Flag: YES
X-Spam-Checker-Version: SpamAssassin 3.2.5 (2008-06-10) on dehai.org
X-Spam-Level: ******
X-Spam-Status: Yes, score=6.7 required=5.0 tests=EMPTY_MESSAGE,MISSING_DATE,
        MISSING_HEADERS,MISSING_MID,MISSING_SUBJECT,NO_HEADERS_MESSAGE,NO_RECEIVED,
        NO_RELAYS,TVD_SPACE_RATIO autolearn=no version=3.2.5
X-Spam-Report:
        * 0.0 MISSING_MID Missing Message-Id: header
        * 0.0 MISSING_DATE Missing Date: header
        * -0.0 NO_RELAYS Informational: message was not relayed via SMTP
        * 1.3 MISSING_HEADERS Missing To: header
        * 2.2 TVD_SPACE_RATIO BODY: TVD_SPACE_RATIO
        * 1.8 MISSING_SUBJECT Missing Subject: header
        * 1.4 EMPTY_MESSAGE Message appears to have no textual parts and no
        * Subject: text
        * -0.0 NO_RECEIVED Informational: message has no Received headers
        * 0.0 NO_HEADERS_MESSAGE Message appears to be missing most RFC-822
        * headers
Subject: [SPAM]
X-Spam-Prev-Subject: (nonexistent)

Received on Fri Mar 22 2013 - 09:57:08 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved