| Jan-Mar 09 | Apr-Jun 09 | Jul-Sept 09 | Oct-Dec 09 | Jan-May 10 | Jun-Dec 10 | Jan-May 11 | Jun-Dec 11 | Jan-May 12 | Jun-Dec 12 |

[dehai-news] Statement of Eritrean Community in Atlanta-GA.

From: Eritrean Community <ecc_atlanta_at_rocketmail.com_at_dehai.org>
Date: Tue, 26 Feb 2013 19:23:19 -0800 (PST)

 ሕብረተ-ሰብ ካብ  ዝብህጋን,  ዝናፍቓን,  ዘፍቅራን  ሃገሩ  ርሒቑ  ኣብ  ስደት  ይንበር  ድኣምበር፣  ኣካል ናይቲ  ንድሕሪት  ገዲፍዎ  ዝመጸ  ህዝቢ  ስለዝኾነ  ቀልቡን  ሃሙንሲ  ምስኡ’ዩ።  እዚ  ኣተሓሳስባዚ  ኣብ  ልቢ  ነፍሲ  ወከፍ  ኤርትራዊ  ከም  ዘላ  ስለ  እንኣምን፣ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን  ኣብ  ኣትላንታ  ጆርጂያ  ንሕና  ንሶም  ንሶም  ንሕና ስለ ዝኾንና፣ ኣብ  ኩሉ  ማሕበረ-ኮምና  እትፍጽሞ  ስርሓት  ምስ  ሃገርናን  ህዝብናን  ተሓቛቒፍና  ንሰርሕ  ዝብለ  መማእከሊ  ሕጊ/ BY LAW/  ኣጽዲቕና  ክንሰርሕ  ጸኒሕና፣  ገናውን  ክንሰርሕ  ኢና። ነዚ  መርገጽ  እዚ  ኣብ  ቀዳማይ
 ዓምዲ  ኣቐሚጥና  ክንሰርሕ  ከለና  እናሻዕ  ንነዊሕ  እዋን  ብኹላህና እትዝረብ  ዘረባ  “ደቅና  ከይጠፍኡና”  ትብል  ቃል፣  መውጽእ ኣፍና  ኮይና  ጸኒሓ  ኣላ። ደቅና ብኹሉ  መዳይ ዑዉታት  ኮይኖም  ክወጹ ናይ ኩሉ  ወላዲ  ባህግን  ድሌትን  እኳ  እንተኾነ፣ ካብ  ውሻጠን  ምድሪ  ቤትን  ናይታ ወሊዳ  ዘዕበየቶም ስድራ-ቤት ኢዩ  ዝብገስ።  ማሕበረ-ኮም  ኣቚምካ ኩሎም ተወሊዶም  ዝዓብዩ ደቅና ኣብ  ማእከል  ማሕበረ-ኮም  ክራኸቡ  ምግባርን፣ ዘድልዮም  መደባት  ሰሪዕኻ  ምስ  ሃገራዊ  መንነቶም,  ሃገራዊ  ታሪኾም,, ሃገራዊ  ባህሎምን ወግዖምን  ዝሳነ ምስትምሃር  ክኣ  ዝበለጸ። 
 ምስረታ  ማሕበረ-ኮም  ኣድላይነቱን,  ጠቕሙን,  ዝህቦ  ኣድማዒ  ስራሕን  ዘይርድኦ  ኣካል የለን።  የግዳስ  ዝተመስረተ  ማሕበረ-ኮም  ነታ  ተወሊድካ  ዝዓበኻላ  ሃገርን  ህዝብን  ዘየንጸባርቕ  እንተኾይኑ  ዝህቦ  ጠቕሚ  እንታይ  ኢዩ።  ውህደቱን  ሓደነቱን  ሓልዩ  ከም  ሓደ  ህዝቢ  ክቕጽልከ  ይኽእልዶ?   ማሕበረ-ኮምና  ነዘን  ኣብ  ታሕቲ  ዘለዋ  መሰረታውያንን  ኣገደስትን  ስራሓት  ኤርትራዊ  ማሕበረ-ኮም ከተግብረን  ኣለዎ  ኢልና  ንኣምን።     1)    ሃገር፤  ብግዳማዊ  ሓይሊ  ኣብ  ትጥቅዓሉ  እዋን  ይኹን፣  ንሃገርን  ህዝብን  ኤርትራ  ናብ ሓደጋ  ዘእቱ  ተጻብኦታትን፣  ዘይፍትሓዊ  ውሳኔታትን  ኣብ  ዝብየነሉ  ኣብ  ጎኒ  ህዝብኻን  ሃገርካን  ኮንካ  ምምካት 2)   ንመኽሰብ  ዘይሰርሕ  ማሕበር  ኮይኑ፣ ንኣባላት  ማሕበር  ይኹኑ፣  ብኣባልነት  ንዘይተመዝገቡ፣ ብዘይ  ኣፈላላይ፣ ሃይማኖታዊ እምነቱ ወይውን ጾታ፣ ሓዱሽ  ይኹን  ንነዊሕ  ዝጸንሐ  ተቐማጢ  ብማዕረ  ማሕበራዊ  ኣገልግሎት  ዝህብ  ይኸውን። 3)   ደቅና  ሃገራዊ   መንነቶምን  ታሪኾምን፣  ሃገራዊ   ባህሎምን  ልምዶምን፣  ፈሊጦም  ምእንቲ  ክዓብዩ  ስሩዕ  ዓውደ  ትምህርቲ  የዳሉ። 4)   ዝተጸገሙ  ኣሕዋት  ምስ ዝርከቡ  ዘድልዮም  ማሕበራዊ  ኣገልግሎት  ዝረኽብሉ  መደባት    ሰሪዑ ዘድልዮም  ሓገዝ  ይገብረሎም።  ንኣብነት፣ ሕጋዊ  ወረቓቕቲ  ኢሚግረሽን  ንምስላጥ፣    ፍቓድ መምርሒ መኪና  ንምውጻእ  ዝጽገሙ፣ ናብ ሕክምና ምምልላስ፣ ምዝገባ ቤት-ትምህርቲ፣         ወ.ዘ.ተ.  ኢዩ፣  ዕላምኡን  ኣገልግሎቱን !!!!   ኤርትራዊ ማሕበረ-ኮም  ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ይንበር ኣብ ደገ፣ ኤርትራዊ መንነቱ ዓቂቡ፣ ሃገራዊ ታሪኹን ባህሉን፣ ሃገራዊ ኣተሓሳስብኡን ጽልውኡን፣ ናብ ዳሕረዋይ ወለዶ እናማሓላለፈ  ዝነብር ዘሎን  ገና’ውን  ኣብ ዝነብሮ ከባቢ ንዘጋጥሞ ማሕበራዊ ብድሆታት እናመከተ  ዝነብር ዘሎ፣ ናይዛ እንነብራ ዘለና ዓለም፣ ሓደ ክፋል ህዝቢ ኢዩ። ከም  ህዝቢ ካብ ወሎዶታት ዝተረከቦም ኤርትራዊ ባህልን  ልምድን፣ ማሕበረ ቁጠባዊ ሂወትን፣ ሃገራዊ ፍቕርን ጽልዋን ስለዝውንን፣ ኣኣብ ከባቢኡ ኤርትራዊ ማሕበረ-ኮም ተባሂሉ ይጽዋዕ። ንኹልና ዘርብሕ ኤርትራዊ ማሕበረ-ኮም  ኣቚምና  ሃገራዊ ባህልናን  ልምድናን 
 ዓቂብና, ጎኒ ንጎኑ፣ ሃገራዊ ማሕበራዊ  ኣተሓሳስባናን ምጣነ ሃብታዊ ዓቕምናን ኣወሃሂድና ሃገራውነትና ኣብ  ማሕበረ  ሰብ  ዓለም  እናጸለውና  ክንጓዓዝ  ጸኒሕናን  ገና  ክንጉዓዝ  ዝግበኣና  ህዝቢ  ኢና።   ኣብ ከተማ ኣትላንታ እንነብር ኤርትራውያን ማሕበረ-ኮም፣ ማሕበራዊ ሂወትና /ናብራና/  ካብዚ  ኣብ ላዕሊ ተሓቢሩ ዘሎ ሓጺር መግለጺ ስለ ዘይፍለ፣ ካብታ ፈለማ ንዳግመ ሰፈራ ኢልና ከም ስደተኛታት ኮንና ዝመጻእናላ እዋን ኣትሒዝና ሕድሕድና ክንራኸብ፣ ክንተሓጋገዝ፣ እዋናዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ሃገርና ክንተሓባበር፣ ሕድሕድና  ክንዋሰብ፣ ክንወልድ  ክንዝምድን፣  ወግዕናን  ባህልናን,  ልምድናን, ዓቂብና ጸኒሕና። ከም ማሕበረ-ኮም  ቆምና ዝሓለፍናዮም ሂወትን፣ ዘጋጠሙና ብድሆታትን፣ ንምስዓሮም  ዝተጠቐምናሎም ሜላ ቃልስን፣ ብዙሕ  እኳ  እንተኾነ  እታ ዝዓበየት  ዕጥቅና  ግን  ኤርትራውነት 
 ኢያ።   ዳርጋ መብዛሕትና ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ኣትላንታ፣ እታ ኤርትራ እትብል መለለይትና ኣብ  ልብና ዓጢቕና፣ ኤርትራዊ ሃገራውነትናን፣ ታሪኽናን, ባህልናን, ልምድናን, ኣወሃሂድና ክንቅጽል ስለዘለና, ንማሕበረ-ኮምናን  ኤርትራ ሃገርናን የርብሕ ኢዩ ዝበልናዮ ኩሉ ክንሰርሕ ጸኒሕና።  ኣብ  ልዕሊ ልኡላዊት ሃገርና ክውሰድ ዝጸንሐ  ዘይፍትሓዊ ተጻብኦታት ኣብ ምምካት፣ ኣብ ጎኒ መላእ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ተሰሪዕና መኪትናን ገና ንምክት ኣለናን። ገለ ውልቀ ንባት ንፖለቲካዊ ኣተሓሳስቦመኦም ንምፍድንፍዕ ክብሉ ንኣመስራርታ ማሕበረ-ኮም ግጉይ ትርጉም ብምሃብ ካብ ሃገራዊ ፖለቲካ ነጻ
 ዝኾነ ማሕበረ-ኮም ኢና ንምስርት እናበሉ፣ ንሓቀኛ ቃለ ትንታነ ማሕበረ-ኮም መኣዝኑ ብምስሓት፣ ኣመት ጉዕዞ ማሕበረ-ኮም፣ ኤርትራውያን  ኣብ ኣትላንታ ሓቢርና ንኸይንምርሽ ዓቢ ጎርቢ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ።  ውጽኢት  ናይዚ ካብ ሓቂ  ዝረሓቐ  ኣሰራርሓን  ኣመራርሓን፣  እቲ ሓደ ህዝቢ ክንሱ፣ ንኹሉ ህዝቢ ብማዕረ ዝብጽሐኦ  ኩቡራት  በዓላቱውን  ሓቢሩ  ንኸየብዕል  ዓቢ  ዕንቅፋት ኮይንዎ  ይርከብ።        እግርን ከበሮን  ነንበይኑ  ምዓሉ  ከምዝበሃል፣  እዞም  ዝጸንሐ ማሕበረ ኮም ኣዕቢናዮ  ኣለና፣ ዘድልየና ማኣከል’ውን  ገዚእና  ኢና፣  ንዑ  ሓቢርና ካብ ፖለቲካ  ነጻ  ዝኾነ  ማሕበረ ኮምና  ክንቅጽሎ    ዝብሉ ዘለዉ  ኣሕዋት፣ ነተን  ሰለስተ  ሃገራውያን ፖለቲካዊ  ብዓላት ዝምልከት  ብመንግስቲ ኤርትራ ብዘውጽኦ መሰረት ብባዕላት ሽማግለ ክበዓላ ዝግብአን ነቲ ዝወጸኦ  ሕግን  መምርሕን  ዕሽሽ  ብምባል፣  ብማሕበረ-ኮም  ደረጃ  ክበዓላ ዘይግብአን ክንሰን  ከብዕሉ ጸኒሖምን  ኣለዉን። ሃገራውያን በዓላትና ግን  ኩቱር ሃገራዊ  ፖለቲካዊ  ኒሕ  ዓጢቖም  ኣብ  ዓውደ ዉግእ ዝወደቑ፣
 ብደሞምን  ኣዕጽምቶምን  ሓጺሮም  ሓደራ  ዝገደፉልና፣  መኽፈል ዕዳ ማእከል ማሕበረ ኮም  ክጥቀሙለን  ሓደራ  ጀጋኑ  ኣሕዋትና  ምዝንጋዕ  ማለትዶ  ኣይኮነን?   ምብዓል  ሃገራውያን  በዓላት  ዝምልከት  ብመሰረት  መንግስቲ  ዘውጽኦ  ሕግን  መምርሕን  ብካብ ኩለን  ህዝባውያን  ማሕበራት  ብህዝቢ  ተሓርዮም  ዝወጹ  ኣወሃሃድቲ  በዓላት  ሽማግለ  ጥራሕ  ኢየን  ክብዕላ ዝግበአን። ኩሉ ኣብዘን  ኩቡራት  በዓላት  ከነብዕል እንከለና  ዝተረኽበ  ኣታዊውን  ንመናበዪ  ደቂ  ሓደራ  ሂበሙና  ዝወደቑ  ጀጋኑና  ይውዕል።       ኣብ ከተማ ኣትላንታ ጆርጂያ ክልተ ማሕበረ-ኮም  ኣለዉ።  ንምፍላጦም  ክጥዕመና  ምእንቲ  ብኸምዚ  ይጽውዑ።   1)    ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣትላንታ ጆርጂያ  2)   ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣመሪካውያን ኣብ ኣትላንታ     እዞም ሓደ ህዝቢ’ዚኦም ሓደ  እንከለዉ፣ ንምንታይ ኣብ ክልተ ማሕበረ-ኮም  ተመቓቒሎም ይነብሩ ኣለዉ ዝብል ሕቶ ክስዕብ ናይ ግድን ኢዩ። ነዚ  ሕቶዚ  ንምምላስ  ካብ  ክልቲኡ  ወገን  ክልተ  ዝተፈላለየ  መልሲ ክወሃቦ  ጸኒሑ  ኣሎ።  ብወገንና  ነዚ  ሕቶዚ  ንምምላስ፤   1)    ኣብ  መንጎናን  ኣብ መንጎ እቲ ኤርትራውያን ኣመሪካውያን  ማሕበረ-ኮም  ኣብ  ኣትላንታ  ብዝብል  ስም  ዝጽዋዕ  ማሕበረ-ኮም፣  ናይ  ሓሳብን  ግብርን  ፍልልይ  ኣብ  ርእሲ  ምህላዉና፣ 2)   እንምስርቶ  ማሕበረ-ኮም  ካብ  ፖለቲካ  ነጻ  ኢዩ  እናበሉ፣  ብማሕበረ-ኮም  ደረጃ  ክበዓላ  ዘይግብአን፣ ብካብ ኩለን ህዝባውያን  ማሕበራት ብህዝቢ ተመሪጾም ዝወጹ  ኣወሃሃድቲ በዓላት ሽማግለ  ክበዓላ ዝግብአን  ሃገራውያን በዓላትና፣ ብኢደወነንኦም  ተፈልዮም ከብዕልወን ጸኒሖምን ገና  የብዕልወን  ኣለዉን።   3)   ነቲ ኣቐዲሙ  ተመስሪቱ  ዝጸንሐ  ማሕበረ-ኮም  ክመርሕን፣  ንብረት  ናይ  ማሕበረ-ኮም  ዓቂቡ  ዝጸንሐን  ኣካያዲ  ሽማግለ፣  ብዘይ  ሕጋዊ  መስርሕ  ምትሕልላፍ  ሓላፍነቱ  መንዚዖም፣  ካብ  ሕጊ  ዝወጸ  ስራሕ  ሰሪሖም።   ኣብ  ቁጽሪ  ሓደን  ክልተን  ዘለዋ  ዓበይቲ  ፍልልያትና፣  ብስነ-ስርዓት  ልዝብ  ተኣልየን፣  ንኹልና  ኣሕዋት  ኤትራውያን  ዘርብሓናን  ዘማእክለናን  ሕጊ / BY-LAW/ ብካብ  ክልቴና  ተመሪጾም  ዝወጹ  ኣሕዋት  ረቒቑ  ዝወጸ  ምስ  ዝህልወና፣  ኣብ  መስርሕ፣ ቅድመ  ተከተል እናኣተግበርና፣  እናተቓራረብና  ክንመጸሉ  ዘይኽእለና  ምኽንያት  የለን  ንብል።  ኣብ  ቁጽሪ  ሰለስተ  ሰፊራ  ዘላ፣  ምስ ኣመጻጽኦኦም  ዝተሓሓዝ ኮይኑ፣ ንሳቶም  ዓብላሊ  ግደ  ምእንቲ  ክህልዎም፣  ኮነ  ኢልም፣   ዝፈጸምዎ  ናይ  ሜላ  ጌጋ  ኢዩ።  እዚ  ጌጋ  እዚ  ክኣ  ብይቕሬታ  ዝሕለፍን  ክእረምን
  ዝከኣል  ኢዩ።   ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን  ኣብ  ኣትላንታ  ጆርጂያ  ነዘን  ኣብ  ላዕሊ  ሰፊረን  ዘለዋ ኣገደስቲ ናይ ስራሕ መደባት  ሓንጺጹ፣  ንዕኡን,  ንደቁን,  ንሃገሩን,  ንህዝቡን,  ዘርብሕ  መማእከሊ  ሕጊ / BY-LAW/  ኣስፊሩ  ኢዩ  ክጎዓዝ  ጸኒሑ።  ኣብዚ  ዝሓለፈ ክልተ  ሰለስተ  ኣዋርሕ  ግን  ብገለ ኣባላቱ  ኮይኖም  ክሰርሑ  ዝጸንሑ ኣሕዋት፣  ነቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ  ዝፈላልየና ነጥብታት ኣሚኖምን ተቀቢሎምን ኣብ ቅድመ ግንባር ደው ኢሎም ክሰርሕሉ ጸኒሖም እዮም። ኣብዚ እዋን እዚ ካብኡ ዝተፈልየ ኣረኣእያን መርገጽን እንተድኣኣ ሃሊዎም ንማሕበረ-ኮም  ኤርትራውያን ኣትላንታ  ጆርጂያ  ዘይውክል
 ምዃኑ በዚ  ኣጋጣሚ  ክንሕብር  ንፈቱ።  ነዚ ዝተፈጥረ ኩነታት ምርኩስ ምግባር “ተዓሪቅና ኢና፡ ሓደ ኮይና ኢና” እናበልካ ብዝዝረብ ዘሎ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ዘረባታት ድማ ክይንደናገርን ነቲ ጉዳይ ርግእ ኢልና ክንመዝኖን ነተሓሳስብ።   ንመስርሕ  ሓደ  ምዃን  ኣገባብን  መልክዕን  ስለዘለዎ፣  እተን  ክፈላልያና  ዝጸንሓ  ምኽንያታት ብልዝብ  ኣብ  መኣዲ  ዘተ  ኮፍ  ኢልና  ምስንፈትሐን  ጥራሕ  ኢዩ  ክሰልጠና  ዝኽእል።  ካብዚ ወጻኢ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ፈተነ ግን ነት ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ክጸዓርሉ ዝነሐ መስርሕ ምቅርራብ ዝዓናቅፍ ድኣምበር ዘሳልጥ ከምዘይ ኮነ ድማ ህዝቢ ክፈልጥ ንደሊ።    ፈጻሚት ቦርድ ማሕበረ-ኮም  ኤርትራውያን  ኣትላንታ  ጆርጂያ   እግዝኣብሄር ንሃገርናን ህዝብናን ሰላምን ራህዋን የውርድ ዘላኣለማዊ ዝኽሪ ንስዋእትና   ዓወት ንሓፋሽ!!




Received on Wed Feb 27 2013 - 11:19:32 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved