| Jan-Mar 09 | Apr-Jun 09 | Jul-Sept 09 | Oct-Dec 09 | Jan-May 10 | Jun-Dec 10 | Jan-May 11 | Jun-Dec 11 | Jan-May 12 | Jun-Dec 12 |

[dehai-news] ሓዳስ ኤርትራ 26 ለካቲት 2013 - ሱታፌ ዜጋታት ዝዓበየ ረቛሒ ቁጠባዊ ዕብየት

From: DEKG <eritreanvoice.germany_at_googlemail.com_at_dehai.org>
Date: Tue, 26 Feb 2013 18:13:52 +0100

 Hateta - ሓዳስ ኤርትራ 26 ለካቲት 2013

ሱታፌ ዜጋታት ዝዓበየ ረቛሒ ቁጠባዊ ዕብየት



መንግስቲ ኤርትራ፡ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቁጽሪ 173/2013 ዝተስምየ ኣዋጅ ኣውጺኡ ኣሎ። እዚ ኣዋጅ’ዚ፡ ኣብ ባንክታት
ኤርትራ ብባጤራ ወጻኢ ሕሳባት ንምኽፋት፤ ንኣከፋፍላ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝካየዱ ንግዳዊ ትውጊታትን ውዕላትን፤ ምሕዋልን
ምሽራፍን ባጤራ ወጻኢ፤ ከምኡ’ውን ንምዝገባ ትሕዝቶ ገንዘብ ካብን ናብን ኤርትራ ዝንቀሳቐሱ ገያሾ ዝምልከት እዩ።
ኣቐድም ኣቢሉ እውን፡ ሱታፌ ዜጋታት ኣብ ዋንነት መንግስታውያን ትካላት ምትብባዕ ዝዕላማኡ ኣዋጅ ቁጽሪ171/2012
ኣብ ግብሪ ከምዝወዓለ ይፍለጥ።



ኤርትራ ብሕታዊ ጽላት ዜተባብዕ “ፖሊሲ ሕውስዋስ ቁጠባ” ከምእትኽተል ኣብ ሃገራዊ ቻርተር ነጺሩ ዝሰፈረ መትከል እዩ።
በዚ መሰረት፡ መንግስቲ፡ ቁጠባዊ ዕብየት ዘሳልጥ ባይታ እናመድመደ፡ ጎኒ ጎኑ፡ ግላዊ ወፍሪ፡ ተበግሶን ውድድርን
ብምትብባዕ፡ ሰፊሕ ሱታፌ ህዝቢ ምርግጋጽ ዘይንቕነቕ ዓንዲ ማእከል ቁጠባዊ ፖሊሲ ኤርትራ እዩ። የግዳስ፡ ፖሊሲታት ድሩቓት
ኣይኮኑን።



ምስ ግዜን ኩነታትን ክተዓጻጸፉ ግዴታ እዩ። ከምዝፍለጥ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 12 ዓመታት፡ ኤርትራ፡ ልኡላውነት ሃገር
ምቕልባስ ዝዕላማኡ፡ ካብ ቅሉዕ ወራር ክሳብ ዝተፈላለየ ስውርን ግሁድን ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ሽርሒታት ክትምክት
ስለዝተገደደት፡ ብኣዝዩ በዳሂ እዋን እያ ሓሊፋ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይንቡር ሃዋህው፡ ፍሉይ ኣተሓሕዛ እዩ ዝጠልብ።
ከመይሲ ዝርካቡ ጸጋታት፡ ኣብቶም ሓነቕቲ ቀዳምነታት ክውዕል ስለዝግባእ። እቶም፡ በዚ ሓድሽ ኣዋጅ’ዚ ተተኪኦም ዘለው፡
ኣቐዲሙ ክስርሓሎም ዝጸንሐ ሕጋጋት እምበኣር፡ ምስቲ ዝሓለፍናዮ ዘይንቡር ኩነታት ተዛሚዶም ዝተኣታተው እዮም።



ኣብዚ ዝተጠቕሰ በዳሂ መድረኽ፡ ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ፡ ብተጻብኦ ጀሆ ከይተታሕዙን ማእዝኖም ከይሰሓቱን ንርሑቕ
ዝጠመተ መደባት ልምዓት ኣብ ምስልሳል ብልዑል ተወፋይነት ስለዝሰርሑ፡ ውሽጣዊ ዓቕሞም ብምብርባር፡ ኣብ ኩሉ ከባቢታት
ሃገር፡ ድልዱል መሰረት ንቁጠባዊን ማሕበራዊን ዕብየት ከንጽፉ በቒዖም እዮም። ከም ውጽኢቱ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ንናይ ውሽጢን
ወጻኢን ወፍሪ፡ ከምኡ’ውን ንሰፊሕ ቁጠባዊን ንግዳዊን ንጥፈት ምቹእ ባይታ ተፈጢሩ ይርከብ።

መንግስቲ ነዚ ምዕባለታት’ዚ ብምግምጋም፡ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ሃገራዊ ዋዕላ ቁጠባዊ ወፍሪ፡ ንባጤራ
ወጻኢ ዝምልከት፡ ብግዝያውነት ክስርሓሉ ዝጸንሐ ሕግታት፡ ዳግመ ክለሳ ክግበረሉ ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ። እዚ ክለሳ’ዚ
እምበኣር፡ ኣብ ሕቚፊ ሕመረት ሃገራዊ ፖሊሲታት ኣእቲኻ ዝርአ እዩ።



ብሕታዊ ወፍሪ ከምኡ’ውን ሽርክነት መንግስቲን ብሕቲን ምትብባዕ፡ ብዓቢኡ ድማ፡ ሰፊሕ ሱታፌ ዜጋታት ኣብ ቁጠባዊን
ንግዳዊን ንጥፈት ምርግጋጽ፡ ዘይቅየር ቀዋሚ ሃገራዊ ፖሊሲ እዩ። ክንዲ ዝኾነ፡ ኣብዚ እንኣትዎ ዘለና ሓድሽ ምዕራፍ፡
ሱታፌ ዜጋታት ኣብ ቁጠባዊን ንግዳዊን ንጥፈት ምዕዛዝ፡ መንግስቲ ዓቢ ኣተኩሮ ሂቡ ክሰርሓሉ ተበጊሱ ኣሎ። ዝዓበየ ጸጋ ሃገር፡
ዝለዓለ ድራኸ ንቁጠባዊ ዕብየት፡ ተበግሶን ንጥፈትን ዜጋታት ስለዝኾነ!



http://74.63.78.28/feb2012/haddas_ertra_26022013.pdf
Received on Tue Feb 26 2013 - 21:04:18 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved