| Jan-Mar 09 | Apr-Jun 09 | Jul-Sept 09 | Oct-Dec 09 | Jan-May 10 | Jun-Dec 10 | Jan-May 11 | Jun-Dec 11 | Jan-May 12 | Jun-Dec 12 |

[dehai-news] ኤርትራውያን ተቐማጦ ጀርመን፡ ንማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ልዕሊ 50 ሽሕ ዩሮ ኣበርኪቶም

From: Eritrean Ngermany <eritrean.ngermany_at_googlemail.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 22 Feb 2013 00:23:15 +0100

               ኤርትራውያን ተቐማጦ ጀርመን፡

ንማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ልዕሊ 50 ሽሕ ዩሮ ኣበርኪቶም



ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ጀርመን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ብውልቅን ብጥርኑፍን ንመናበዪ ስድራ ስውኣትን ንመሰሰኒ
ማዕከን ሕድሪ ሰማእታትን ዝውዕል ልዕሊ 50 ሽሕ ዩሮ ከምዘበርከቱ፡ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ሓቢሩ።



እቲ ገንዘብ፡ ብማሕበረ-ኮማት ቱቢንገንን ከባቢኣን፡ ሮይትሊንገን፡ ካርልስሩህ፡ ኦፈንባኽ፡ ሃይደልበርግ፡ ሽቱትጋርት፡
ኡልም፡ ክሬፌልድ፡ ዱዝልዶርፍ፡ በርግሽትራሰ፡ ከለን፡ ማንሃይም፡ ዳርምሽታት፡ ቩፐርታል፡ ላንይፌልደን-ኤሽተርዲንገን፡
ኤስሊንገን፡ ቫይብሊንገን፡ ቢሌፌልድ፡ ባደን-ባደን፡ ክለባት ጽዋ፡ ሕድርና ኣይረሳዕናን፡ ራይሞክ፡ ኣወሃሃዲት
ሽማግለ ማሕበራት ፍራንክፈርት፡ መንእሰያት ማይንስን ከባቢኡን፡ ማሕበረ-ኮም ኣብ ኣውስትርያ ከምእተወፈየ፡ እቲ
ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣነጺሩ።



ኤርትራውያን ተቐማጦ ጀርመን፡ ኣብ ዓመተ 2012 ንስድራ-ቤት ስውኣት ዝገበርዎ ምንባይ፡ ብዝለዓለ ይቕጽልዎ
ከምዘለዉ ብምግላጽ፡ ምንባይ ስድራ ስውኣት ቅዱስ ባህሊ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ኣብ’ዚ ሰናይ ተግባር ኩሉ ዜጋ ብዘላቶ ዓቕሚ
ክሳተፍን ኣበርክቶኡ ከዕዝዝን ተላብዮም።
Received on Fri Feb 22 2013 - 10:20:15 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved