| Jan-Mar 09 | Apr-Jun 09 | Jul-Sept 09 | Oct-Dec 09 | Jan-May 10 | Jun-Dec 10 | Jan-May 11 | Jun-Dec 11 | Jan-May 12 | Jun-Dec 12 |

[dehai-news] ንመናበዪ ስድራ-ስውኣት 44 ሽሕ ዶላር፡ 10 ሽሕ ዩሮን ኣስታት 227 ሽሕ ናቕፋን ተወፍዩ

From: Eritrean Ngermany <eritrean.ngermany_at_googlemail.com_at_dehai.org>
Date: Thu, 21 Feb 2013 22:04:42 +0100

 *ንመናበዪ** **ስድራ**-**ስውኣት** **44 **ሽሕ** **ዶላር፡ **10 **ሽሕ** **ዩሮን ** **ኣስታት*
* 227 **ሽሕ** **ናቕፋን ተወፍዩ*



ኣብ ሽወደን፡ ኖርወይ፡ ደንማርክ፡ ግሪኽ፡ ኣመሪካን ካናዳን ዝነብሩ ኤርትራውያን ንመናበዪ ስድራ-ቤት ስውኣትን
መሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታትን ልዕሊ 44 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ፡ 10 ሽሕ ዩሮን ኣስታት 227 ሽሕናቕፋን
ከምዘወፈዩ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ሓቢሩ።



እቲ ወፈያ፡ ግዱሳት ኤርትራውያን ሽላፍትያንን ከባቢኣን፣ ኤርትራውያን ኣልሙህት፣ ማሕበር ኤርትራውያን ደቡብ
ሸወደን፣ ግዱሳት ኤርትራውያን ዶንሺ ኖርወይ፣ ኤርትራውያን ደቂ- ኣንስዮ ዴንማርክ፣ ኮሚቴ ሃገራዊ በዓላት
ጎተበርግ፣ መንእሰያት ህግደፍ ከተማ ስታቫንገር ኖርወይ፣ ማሕበር ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሊዶፒንግ ሽወደንን ብርክት
ዝበሉ ውልቀ-ሰባትን ንመናበዪ ስድራ-ቤት ስውኣት 44 ሽሕን 301 ዶላር ኣመሪካ ዘበርከትዎ ክኸውን ከሎ፣ ማሕበረ
-ኮም ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣቴንስ- ግሪኽ ኣብ በዓል ናጽነት፡ መዓልቲ ስውኣትን ብፍሉይ ወፈያን ዝኣከብዎ 10 ሽሕ
ዩሮ ንመናበዪ ደቂ-ስውኣት፣ ኣብ ትሕቲ ሀገረ ስብከት ኣመሪካን-ካናዳን ዝርከባ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ

ተዋህዶ ኣባያተ-ክርስትያናት ድማ ንመሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማታት 226 ሽሕን 751 ናቕፋ ከምዘወፈዩ እቲ
ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።



እቶም ዜጋታት ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ብቅያ በጃ ህዝቦም ዝሓለፉ ጀጋኑ ሰማእታት ከምዝሕበኑ ጠቒሶም፡ስድራ-ቤት ስውኣት
ምሕጋዝ ሕልንኦም ገዲድዎም ዘተግብርዎ ዘለዉ ምዃኖም ብምምልካት፡ ኩሉ ዜጋ ጽጉማት ምርዳእ ቅዱስ ባህሊ ሃገርና
ክስዕቦ ዘለዎም እምነት ገሊጾም።
Received on Fri Feb 22 2013 - 10:19:55 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved