| Jan-Mar 09 | Apr-Jun 09 | Jul-Sept 09 | Oct-Dec 09 | Jan-May 10 | Jun-Dec 10 | Jan-May 11 | Jun-Dec 11 | Jan-May 12 | Jun-Dec 12 |

[dehai-news] ዓውደ ዘተ ኣ.ኣ. ሃማደኤ ዞባን ጨናፍርን ኤውሮጳ ኣብ ጀርመን ተኻይዱ

From: Dimtzi Eritrawian Kab German <eritreanvoice.germany_at_googlemail.com_at_dehai.org>
Date: Thu, 21 Feb 2013 19:39:53 +0100

ዓውደ ዘተ ኣ.ኣ. ሃማደኤ ዞባን ጨናፍርን ኤውሮጳ ኣብ ጀርመን ተኻይዱ

Tweet <https://twitter.com/share>

ሃገራዊ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳ ንውድባዊ ኣሰራርሓ ሃማደኤ ንምውህሃድን ንምሕያልን ዝዓለመ ዓውደ ዘተ
ንኣ/ኣ ዞባን ኣ/ኣ ጨንፍርን ሃማደኤ ኤውሮጳ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ሃማደኤ ካብ ዕለት 15 ክሳብ 17.02.2013 ኣብ
ከተማ ፍራንክፈርት ተኻይዱ። እዚ ንሰለስተ መዓልትታት ዝተኻየደ ዓውደ ዘተ፡ ንውድባዊ ኣሰራርሓ ሃማደኤ ንምሕያል፡
ንምድልዳል ንምውህሃደን ለውጢ ንምምጻእ ዝዓለመ ዓውደ ዘተ እዩ ነይሩ።

ኣብቲ ቀዳማይ ክፋል ነቲ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ሃማደኤ ንምውህሃድ ምድልዳልን ኮይኑ፡ ኣብቲ ካል ኣይን ሳልሳይን ክፋሉ
ድማ ነቲ ዘለና ተሞኩሮታት ብምድህሳስ ሰፍሕ ክትዓት ብምክያድ ዘሎ ምዕባሌታትን ብድሆታትን ሃማደኤ ኤውሮጳ ገምጋም
ተኻይዱ፡:

ኣብ መወዳእታ እዚ ዝተኻየደ ዓውደ ዘተ፡ ውዳቤና ከነሕይል፡ ውህደትና ከነተርር፡ ተካእትና ዝኾና መንእሰያትና ክንጥርንፍ
ዘኽእለና ዓውደዘተ ከምዝነበረን፡ ዓቢ ትምህርቲ ከምዝቀስማ እንዳሓበራ፡ በብእዋኑ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓውደ ዘተ ንኽቅጽል
ተላብየን።

ዓወት ንሓፋሽ
ኣ/ኣ ሃማደኤኤ
18.02.2013



Photo Reportage klick the below link

http://www.raimoq.com/?p=2869




Received on Thu Feb 21 2013 - 20:38:40 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved