| Jan-Mar 09 | Apr-Jun 09 | Jul-Sept 09 | Oct-Dec 09 | Jan-May 10 | Jun-Dec 10 | Jan-May 11 | Jun-Dec 11 | Jan-May 12 | Jun-Dec 12 |

[dehai-news] ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ኣብ ህንጻ ሃገር - ኣስመራ ኣኼባ ኣካዪዱ - Ministers conducts meeting | Eritrea News 'Zena' February 14, 2013

From: DEKG <eritreanvoice.germany_at_googlemail.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 15 Feb 2013 23:41:53 +0100

ሓዳስ ኤርትራ 15 ለካቲት 2013

<iframe src="http://blip.tv/play/22KDjtBPAg.html?p=1" width="620"
height="443" frameborder="0" allowfullscreen></iframe><embed
type="application/x-shockwave-flash" src="
http://a.blip.tv/api.swf#22KDjtBPAg" style="display:none"></embed>


 ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ኣብ ህንጻ ሃገር - ኣስመራ ኣኼባ ኣካዪዱ


 ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፡ ትማሊ 14 ለካቲት ቅድሚ ቐትሪ፡ ኣብ ህንጻ ሃገር - ኣስመራ ኣኼባ ኣካዪዱ። ቀንዲ ዛዕባ
ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፡ ስትራተጂያዊ ቀዳምነታት መደባት ልምዓት ብምንጻር፡ ልሙድን ማላዊን ባጀት 2013 ምጽዳቕ’ዩ
ነይሩ።


 ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ኣኼባ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘቕረቦ ወረቐት ስራሕ፡ ሚዛን ክፍሊታት ብፍልጠት
ምትዕርራይን ብኡ መጠን ፊስካላዊ ምምዝባል ምቍጽጻርን ከምኡ’ውን ብቕርጡው ኣጠቓቕማ ጸጋታት፡ ሃገራዊ እቶት ዝዓብየሉ
ስትራተጂን ውጥንን ምትግባር፡ ቀጻልነቱ ውሑስ ዕብየት ኣብ ምርግጋጽ ዘለዎ ወሳኒ ግደ ብምዝኽኻር፡ ቀዳምነታት ማላዊ
ወጻኢታት ዝውስኑ መደባት ልምዓት ጽላት ብጽላት ኣነጺሩ። ብኡ መሰረት ድማ፡ ምቕርሐ ማላዊ ባጀት ዓመተ 2013
እንታይ ከምዝመስል
ብሰፊሑ ኣብሪሁ።


 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መግለጺኡ፡ ገዚፍ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ካብ ዝሓቱ ጠለባት ብዕብየቱ ቀዳምነት ዝስራዕ፡ ምውሓስ
ቀረብ ነዳዲ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ንመመንጨዊ ጸዓት፡ ንሕርሻውን ትሕተ-ቅርጻውን ልምዓት፡ ንመጓዓዝያ ሰብን ጽዕነትን ዘድሊ ቀረብ
ብምልኣት ንምርግጋጽ ከምኡ’ውን ዝኣክልን ብቑዕን መዕረቕን ስርዓተ- ዕደላን ብምውዳድ ሃገራዊ ትሕጃ ንምዕባይ ክትግበሩ
ዝተወጠኑ መደባት ስራሕ ብምዝርዛር፡ ንዕኡ ዝጥለብ ባጀት ኣነጺሩ። ምስዚ ኣተኣሳሲሩ፡ ኣብ ሃልኪ ነዳዲ ዘሎ ንቕሓት ምሕያልን
ኣድማዕነት ኣጠቓቕማ ምርግጋጽን ዕቱብ ኣቓልቦ ተዋሂብዎ ክስራሓሉ ኣዘኻኺሩ።



 ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ምስናይ ምምሕያሽ መጠን ዘቤታዊ ምህርቲ፡ ኣብ ሃለኽቲ መግቢ ዘይንዓቕ ሸርፊ ወጻኢ
ክስላዕ ምጽንሑ ዝሓበረ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሕጂ’ውን ቀረብ ናይቶም ዘቤታዊ መተካእታ ዘይርከበሎም ሃለኽቲ ምርግጋጽ ግድነት ስለዝኾነ፡ መጠን ንዕኡ
ዝተመደበ ባጀት ኣነጺሩ።


 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብተወሳኺ፡ ምህርቲ ኣብ ዘኻዕብቱ ዘመናውያን ፕሮጀክትታት ሕርሻዊ ልምዓት ዝግበር ወፍሪ፡ ምስናይ ከቢድ
ተኸፋሊኡ ምዕባይን ምቅልጣፍን

ሓደ ካብ ሃገራዊ ቀዳምነታት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ምምስራሕ ሕርሻዊ ምህርቲ ንምስፋሕ፡ ዘቤታዊ ሃብቲ እንስሳ ንምስሳን፡
ምህርቲ ንግዳዊ ኣእካል (ካሽ ክሮፕስ) ንዘቤታዊ ዕዳጋን ሰደድን

ንምዕባይ፡ ቀረብ ሕርሻዊ ኬሚካላት ብምልኣት ንምርግጋጽ፡ ኣብ ጽላት ጸጋታት ባሕሪ ዝጸንሐ ናይ ዓቕሚን ውዳበን ሕጽረታት
ብምፍዋስ፡ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ወፍሪ ንምዕባይ ዝተታሕዘ


 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቀጺሉ፡ ኣብ ጽላት ህንጻ፡ ፋብሪካ ስሚንቶ ብሰንኪ ዋሕዲ ጸዓት ብምሉእ ዓቕሙ ከፍሪ ስለዘይጸንሐ
ከምኡ’ውን ሓጺንን ካልኦት ኣብ ውሽጢ ሃገር ክፈርዩ ዝኽእሉ ንዋት-ህንጻን ብምልኣት ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ገና
ስለዘይተበጽሐ፡ ነዚ ጠለባት’ዚ ምርግጋጽ ሕጂ’ውን ገዚፍ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዝጠልብ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብ መጽናዕቲን መስርሕ
ትግባረን ጸኒሖም ኣብ 2013 ዝብገሱን ዝውድኡን፡ ገለ ድማ ኪንዮኡ ዝትግበሩ ፕሮጀክትታት ዘርዚሩ። ፋብሪካ ስሚንቶ፡ ካብ
ተጸባይነት ኣገልግሎት ኤለትሪክ ወጺኡ ብናቱ መመንጨዊ ጸዓት ናብ ምሉእ ኣፍራይነት ተሰጋጊሩ ዘቤታዊ ጠለብ
ከምዘማልእ ንምግባር፡
መፍረ ጸጸር፡ ሑጻ፡ ዓረ፡ እምነ-በረድን ሰራሚክስን ከምኡ’ውን ንዝተፈላለየ ኣገልግሎት ዝውዕል ነጸላ ሓጺን (Metal
Sheet) ዕንጸይቲን ፕላስቲክን ብብዝሒን ዓይነትን ንምፍራይ ተታሒዙ ዘሎ መደባት’ውን ኣብሪሁ።


 በዚ መሰረት፡ ንፋብሪካ ስሚንቶ ዘገልግል መመንጨዊ ጸዓት ንምትካል፡ መጠነ ንኡስ ትካል መዐደኒ ወርቂ ንምምስራት፡ መጠነ
ንኡስ መምከኺን መመስርሒን ሓጺን ንምቛም፡ ድሮ ተተኺሉ ዘሎ ፋብሪካ ፕላስቲካዊ ሻምብቆታት ህንጻን መስኖን ዓይነት ፍርያቱ
ንምውሳኽ፡ ትካላት ዓሸግቲ ፕላስቲክን ሜታልን ከምኡ’ውን ንፕሮጀክትታት መንበሪ ኣባይቲ ዘድሊ ፋብሪካ ፕሪካስትን ካልኦት እታው
ንምትካእ ዝዓለሙ ፋብሪካታትን ንምህናጽ ዘድሊ ባጀት መጠኑ ገሊጹ።


 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብተወሳኺ፡ ንመርበብ ኤለትሪክ፡ ዓንዲታት፡ ስልኪን መሐወሊን፤ ንዕድጊ መዂዓቲ መካይን ፤ ዕድጊ
መድሃኒት፤ ንህንጸት መዕረቒ ነዳዲን ቆፎታት እኽሊን ከምኡ’ውን ንምምሕያሽ ብቕዓት ወደባት፤ ንኣየራዊ መጓዓዝያ፤
ንምሕያል መራኸቢታትን
ማእከል ሓበሬታን፤ ጠለባት ፋብሪካ ምግጥጣም ኮምፕዩተራት ንምምላእን ካልእን ዝተኣመመ ባጀት ብዝርዝር ኣረዲኡ።


 ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፡ ኣብቲ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝቐረበ ቀዳምነታት ልምዓታዊ ውጥን 2013 ኪንዮኡን ምስናይ
ዝርዝራት ባጀቱ ዘነጽር ወረቐት ስራሕ ብዕቱብ ድሕሪ ምምይያጥ፡ ዝቐረበ እማመ ባጀት ብምጽዳቕ፡ ምስኡ ዝተኣሳሰር ኣገደስቲ
መምርሒታት ስራሕ ኣሕሊፉ።


 ኣብ መደምደምታ ናይቲ ኣኼባ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንፍጻመ 21 ጥሪ ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ካቢነ ሚኒስተራት
ኣብ’ቲ ጉዳይ ብዕቱብ ድሕሪ ምምይያጥ፡ ናይ ሓደ መዓልቲ ኣኼባኡ ዛዚሙ።


 ክቡራት ተኸታተልቲ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ’ቲ ኣኼባ ን “ፍጻመ 21 ጥሪ” ብዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶታት
ዝሃቦ መልሲ፡ ኣብ ናይ ጽባሕ 16 ለካቲት ሕታም ተኸታተሉ።


Ministers conducts meeting | Eritrea News 'Zena' February 14, 2013


Asmara, 14 February 2013 – The Cabinet of Ministers conducted a meeting
today at the State House. The main agenda item focused on the strategic
priorities regarding development programs and approval of the budget for
2013.

In a working paper he presented at the opening stage, President Isaias
Afwerki highlighted the development programs that determine capital
expenditure priorities sector by sector after indicating the need for
scrutinizing balance of payment vis-à-vis avoiding fiscal imbalance,
implementation of strategies and plans that raise national income on the
basis of economical utilization of resources, and thereby ensure
sustainable growth.

Indicating that energy supply ranks top among the demands involving huge
foreign currency, the President outlined the action programs mapped out for
implementation as regards generating energy, agricultural and
infrastructural development, transport and raising national energy reserve
through putting in place the necessary depots and ensuring efficient
distribution system. He further indicated the necessary budgetary
allocation to this end, besides calling for stepped-up endeavors targeting
economical use of energy resources. Moreover, President Isaias referred to
the budget allocated with a view to ensuring supply of essential consumer
goods that entail foreign currency expenditure.

The President also explained that investment in the development of modern
agricultural projects is one of the top national priorities. In this
connection, he cited the programs set for implementation focusing on
livestock development, processing of agricultural products, enhancement of
cash crop harvest, ensuring ample supply of agro-chemicals and tackling the
challenges encountered in the development of fishery resources vis-à-vis
the required budgets.

President Isaias went on to highlight the construction projects due to be
accomplished this year and beyond, besides elucidating programs envisaged
for implementation as regards meeting energy supply for cement factory,
production of construction assets including marble, ceramics items, metal
sheets, wood and plastic materials and the like.

Accordingly, he indicated the budget allocation for the setting up of
medium factories producing metals, precast materials, agricultural and
construction plastic pipes, as well as establishment of a small-scale gold
mining plant, among others.

Furthermore, President Isaias outlined the budgetary allocation for
electrification materials, digging machineries, drug supply and grain depot
facilities, in addition to improvement of port, aviation, communications
and information facilities.

Following an in-depth discussion on the explanation the President gave
regarding the development priorities for 2013 and beyond, as well as the
requisite budget, the Ministerial Cabinet meeting adopted the budget
proposal and issued the necessary directives.

Also at the meeting, President Isaias gave extensive briefings as regards
the ‘21 January 2013 incident.’ After conducting in-depth discussion on the
issue, the Cabinet of Ministers concluded its meeting.</h4>
Received on Fri Feb 15 2013 - 21:28:30 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved