| Jan-Mar 09 | Apr-Jun 09 | Jul-Sept 09 | Oct-Dec 09 | Jan-May 10 | Jun-Dec 10 | Jan-May 11 | Jun-Dec 11 | Jan-May 12 | Jun-Dec 12 |

[dehai-news] ማሕበረኮም ኤርትራውያን ሄፐንሃይም ንስንኩላን ብሽክለታታት ወፍዩ

From: Dimtzi Eritrawian Kab German <eritreanvoice.germany_at_googlemail.com_at_dehai.org>
Date: Tue, 12 Feb 2013 20:37:40 +0100

ማሕበረኮም ኤርትራውያን ሄፐንሃይም ንስንኩላን ብሽክለታታት ወፍዩ

ሓዳስ ኤርትራ : 12 ለካቲት 2013



ማሕበረኮም ኤርትራውያን ተቐማጦ ሄፐንሃይም - ጀርመን፡ ብኣላይነት ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኵናት ኤርትራ ጨንፈር
ሽቱትጋርትን ከባቢኣን፡ ሰለስተ ኮንተይነራት ዝተፈላለያ ዓይነት ብሽክለታታትን ዓረብያ ስንኩላንን ንሃገራዊ ማሕበር
ሓርበኛታት ስንኩላን ኵናት ኤርትራ ብሓገዝ ኣበርኪቱ።

እቲ ሓገዝ ብልዑል ተሳታፍነት ኣባላት ሃማደኤን ሃማመተኤን ከተማ ሄፐንሃይምን ከባቢኣን ዝተኣከበ ኮይኑ፡ ኣብ ምቅላል
ጸገም ምንቅስቓስ ስንኩላን፡ ምንካይ ወጻኢታት መጓዓዝያ ከምኡ’ውን ካብ ሽያጠን ዝርከብ ኣታዊታት ኣብ ምጥያስ ኣባላት
ክውዕል ምዃኑ፡ ካብ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኵናት ኤርትራ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ንኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ሄፐንሃይምን ከባቢኣን ብምውካል ነቲ ሓገዝ ዘረከበት መንእሰይ ሄለን ፍትዊ፡ ነቲ
ዝተጠቕሰ ንዋት ኣብ ምእካብ ተሳታፍነት ኤርትራውያንን መሓዙት ኤርትራ ጀርመናውያንን ልዑል ከምዝነበረ ብምጥቃስ፡ “
ንስለ ናጽነት ህዝቦምን ሃገሮምን ንዝሰንከሉ ዜጋታት ምሕጋዝ፡ ሕልናዊ ቅሳነት ዝፈጥር ሓላፍነት ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ’ዩ”
ክትብል ገሊጻ።



እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ጨንፈር ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኵናት ኤርትራ ኣብ ሽቱትጋርትን ከባቢኣን፡ ኣስታት ዓሰርተ
ሽሕ ዩሮ ብምእካብ፡ ንኣገልግሎት ስንኩላን ዝውዕል መድሃኒት ንምልኣኽ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ፡ ዝበጽሓና ሓበሬታ የነጽር።



ጨንፈር ሃገራዊ ማሕበር ስንኩላን ኤርትራ ኣብ ሽቱትጋርትን ከባቢኣን፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ መሰልጠኒ ማእከል
ኮምፕዩተር ንስንኩላንን ስድራ-ቤቶምን ክኸፍት እንከሎ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ድማ ንስንኩላን ደቀንስትዮ ብመፍረ ንህቢ
ከምዘጣየሰን ካልእ መደባት ከምዘተግበረን፡ ሰነዳት ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኵናት የመልክት።




Received on Wed Feb 13 2013 - 15:35:24 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved