| Jan-Mar 09 | Apr-Jun 09 | Jul-Sept 09 | Oct-Dec 09 | Jan-May 10 | Jun-Dec 10 | Jan-May 11 | Jun-Dec 11 | Jan-May 12 | Jun-Dec 12 |

[dehai-news] “ፈንቅል ንጽንዓት ህዝቢ ኤርትራ ዘግሃደ ስርሒት-, ቅያ’ዩ” ነበርቲ ባጽዕ

From: DEKG <eritreanvoice.germany_at_googlemail.com_at_dehai.org>
Date: Sat, 9 Feb 2013 21:44:46 +0100

“ፈንቅል ንጽንዓት ህዝቢ ኤርትራ ዘግሃደ ስርሒት-ቅያ’ዩ” ነበርቲ ባጽዕ

ፈንቅል፡ ንሓያል ጽንዓትን ናይ ምግባር ዓቕምን ህዝቢ ኤርትራ ዘግሃደን ተዓዋትነት ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ዘጕልሐን
ታሪኻዊ ስርሒት ምዃኑ፡ ነበርቲ ከተማ ባጽዕ ገሊጾም።

እቶም ነበርቲ ብምኽንያት ጽንብል ዝኽሪ መበል 23 ዓመት ምሕራር ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡
ስርሒት ፈንቅል - ህዝቢ ኤርትራ
ዝተመንዝዐ መሰሉ ንምምላስ ዘካየዶ ቃልሲ፡ ዘሕለፎ መስገደልን ዝኸፈሎ ከቢድ ዋጋን መኸተምታኡ እናተቓረበ ከምዝመጸ፤
ምርግጋጽ
ናጽነት ድማ ኣዝዩ ከምእተቓረበ ዘበሰረ ስርሒት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ዓመት-መጸ ንምምዕራጉ ዝካየድ ስራሕ ካብዚ ትርጕም’ዚ
ከምዝነቅል
ኣረጋጊጾም።

ወይዘሮ ድሪት ገላይዶስን ወይዘሮ መኣዛ ገብረኣምላኽን ኣብ ዝሃብኦ ርእይቶ፡ ኣብ ከተማ ባጽዕ ተመዝጊቡ ዘሎ ገስጋስ
ልምዓት፡ ኣብ ዝሓለፈ
22 ናይ ናጽነት ዓመታት ብመትከል ርእሰ-ምርኰሳ ናይ ዝተሰላሰለ ወፍሪ ድሙቕ ኣብነት ከምዝኾነ ብምምልካት፡ ንዝበለጸ
ውጽኢት
ተሳትፎኦምን ኣበርክቶኦምን ክብ ከምዘብሉ ሓቢሮም።

“ከተማ ባጽዕ ካብ ሓሙኽሽቲ ኲናት ናብ ሽዕበት ልምዓት ትግስግስ ኣላ” ዝበሉ ኣቶ ኢብራሂም ሼደሊን ኣቶ ጸጋይ ኣባይን
ብወገኖም፡
መንግስቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምርግጋጽ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገር ሓያል ስራሕ የሰላስል ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ እዚ ድማ ኣብ
ማሕበረ- ቍጠባዊ
ናብራ ዜጋታት እወታዊ ጽልዋ ይገብር ከምዘሎ ኣነጺሮም።

ነበርቲ ከተማ ባጽዕ ኣብ መወዳእታ፡ ስርሒት ፈንቅል ኣብ ልቢ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብሓፈሻ ኣብ ልቢ ነበርቲ ከተማ ባጽዕ
ድማ ብቐንዱ
ፍሉይ ቦታ ከምዘለዎ ብምግንዛብ፡ ከተማኦም ንምምዕራግ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት ልምዓት ብሓያል ወኒ ሱታፌኦም
ከምዘበርኹ ኣነጺሮም።


ዘሎ ገስጋስ ልምዓት፡ ኣብ ዝሓለፈ 22 ናይ ናጽነት ዓመታት ብመትከል ርእሰ-ምርኰሳ ናይ ዝተሰላሰለ ወፍሪ ድሙቕ ኣብነት
ከምዝኾነ
ብምምልካት፡ ንዝበለጸ ውጽኢት ተሳትፎኦምን ኣበርክቶኦምን ክብ ከምዘብሉ ሓቢሮም።

ዳስ ኤርትራ 8 ለካቲት 2013
http://74.63.78.28/feb2012/haddas_ertra_08022013.pdf
Received on Sat Feb 09 2013 - 20:23:48 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved