| Jan-Mar 09 | Apr-Jun 09 | Jul-Sept 09 | Oct-Dec 09 | Jan-May 10 | Jun-Dec 10 | Jan-May 11 | Jun-Dec 11 | Jan-May 12 | Jun-Dec 12 |

[dehai-news] ዕዮና ፈጻሚ ባህግና!

From: Dimtzi Eritrawian Kab German <eritreanvoice.germany_at_googlemail.com_at_dehai.org>
Date: Wed, 6 Feb 2013 19:49:59 +0100

ሓዳስ ኤርትራ 05 ለካቲት 2013

ዕዮና ፈጻሚ ባህግና!

ረቛሒታት ስልጣነ ብዙሓት እኳ እንተኾኑ፡ ርእሲ ኩሎም ዝስራዕ ግን ሰብኣዊ ጻዕሪ እዩ። ዓይነት ህይወት ብመጠን
ኣፍራይነት ስለዝውሰን። ነዚ ሓቂ’ዚ ብምግንዛብ፡ ኩለንተናዊ ዕብየት ዜደንፍዕ ባይታ ንምጥጣሕ፡ ከቢድ ናይ ጻዕርን
ተወፋይነትን መድረኽ ነሕልፍ ኣለና። ኣብዚ ሃገር-ለኸ ዕማም’ዚ፡ ሳላ ተወፋይነት ዜጋታት፡ ብድሩት ጸጋታት ዝተሰላሰለ
ዕዮን ከም ውጽኢቱ ክውህለል ዝኽኣለ ማላዊ ዓቕሚን ውሑድ ኣይኮነን። ዕዮ እቲ ቀንዲ መምህር ስለዝኾነ ከኣ፡ ብስራሕ
ዝተደለበ ክእለትን ሞያን፡ ንዓቕሚ ትግባረ ክብ ኣቢልዎ ይርከብ።



ዛጊት ዝተዋህለለ ገስጋስ እምበኣር፡ ዝቕጽል ጉዕዞ፡ ብስሉጥነትን ዕብየቱን ተዓጻጻፊ ዝኾነሉ ምቹእ ባይታ ፈጢሩ ኣሎ። በዚ
ድማ፡ ጻማ ሃገራዊ ጻዕሪ ኣነጺሩ ኣብ ዜርኢ ዋላ ብምድያብ፡ ትግባረ ጥሙር ልምዓታዊ ውጥናት 2013 ንፍልሞ ኣለና።
ስለዚ፡ ብዙሕ ዓመታት ሰሪሕና ዘቐልቀልናዮ ተስፋ ዝያዳ ደሚቑ፡ ሞሳ ድኻምናን ተወፋይነትናን ብኻዕበት ምእንቲ ክንሓፍስ፡
ዕዮና እናሓየለ፡ ሱታፌና ኣብ መደባት ልምዓት ዝያዳ እናዓዘዘ፡ ውዳበና እናጠንከረ፡ ኣሰራርሓና እናወርጸጸ ክኸይድ የድሊ።



ወትሩ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ተልእኾና፡ ምርግጋጽ ደርማስ ቁጠባዊ ዕብየት እዩ። ድርዒን ዋሕስን ሓርነት ንሱ ስለዝኾነ።
ኣብዚ ፈሊምናዮ ዘለና ዓመት እምበኣር፡ እዚ ተልእኾ’ዚ ብዝሓየለ ጸዓት ቀጺሉ፡ ኣብ ኩሉ ጽላታት፡ ኣፍራይነት ብተዓጻጻፊ
ዝድንፍዓሉ ኩነት ምፍጣር ከድሊ እዩ።

ሕሉፍ ተሞኩሮናን ተሞኩሮ ካልኦትን ከምዘረጋግጾ፡ ወሳኒ ረቛሒ ንዕብየት ኣፍራይነት፡ ሓይሊ ገንዘብን ካልእ ጸጋታትን
ዘይኮነ፡ ብቐንዱ ንቑሕ፡ ውዱብን ንጡፍን ሱታፌ ዜጋታት እዩ። እዚ ድማ፡ ፖለቲካዊ ሓይሊን እምነትን ኣሰሲኑ ተበግሶን ናይ
ስራሕ ዲሲፕሊንን ብዘሐይል ምሕደራን ኣመራርሓን እዩ ዝረጋገጽ። ስለዚ፡ ኩሎም ህዝባዊ፡ መንግስታውን ምምሕዳራውን ኣካላት፡
ሱታፌን ውዳበን ዜጋታት ብምሕያል፡ ኣፍራይነት ዜዕርግ ኣገባባት ስራሕ ንምምዕባል ልዕሊ ዝኾነ እዋን ኪተግሁ የድሊ።



ከምዝፍለጥ፡ ርግኣት ሓደ ካብ ወሰንቲ ረቛሒታት ዕብየት እዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ብምግንዛብ፡ ርግኣት ህዝብታትን ሃገራትን
ብምዝራግ፡ ልምዓትን ዕብየትን ምዂላፍ ዝዕላማኡ ተጻብኦታት ወትሩ ዘቋርጽ ኣይኮነን። ክንዲ ዝኾነ ዞባዊን ዓለምለኻዊን
ተጻባኦታት ኣብ ግምት ዘየእተወ መደባት ቁጠባዊ ዕብየት፡ ከምቲ ዝድለ ፍረ ክህብ ዝኽእል ኣይኮነን። ስለዚ ከም
ዝሓለፈ ጉዕዞና፡
ኣብ መስመርና ጸኒዕና፡ ብድሆታት ፈንጢስና ራእይና ንምጭባጥ፡ ግዳማዊ ተጻብኦታት ናይ ምምካትን ምስዓርን ያታና ዝያዳ
ክስውድ የድሊ። እዛ ዓመት’ዚኣ እምበኣር፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ዓመተ ምጥንኻር ዕዮን ኩለንተናዊ ገስጋስን፡ ዓመተ ምሕያል
ፖለቲካዊ ብቕዓትን መኸተን ኮይና፡ ነዚ ሃገራዊ ተልእኾ’ዚ ብኣድማዕነት ፈጺምና፡ ዝበረኸ ጥሙር ዕብየት
እነመዝግበላ ዓመት ከምእትኸውን
ርጉጽ እዩ። ባህግና ብዕዮና ስለዝጭበጥ!



Source:



http://74.63.78.28/feb2012/haddas_ertra_05022013.pdf
Received on Wed Feb 06 2013 - 23:13:56 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved