| Jan-Mar 09 | Apr-Jun 09 | Jul-Sept 09 | Oct-Dec 09 | Jan-May 10 | Jun-Dec 10 | Jan-May 11 | Jun-Dec 11 | Jan-May 12 | Jun-Dec 12 |

[dehai-news] ሱር በተኽ ለውጢ - ንዕብየትን ክብረትን ኣፍሪቃ

From: Dimtzi Eritrawian Kab German <eritreanvoice.germany_at_googlemail.com_at_dehai.org>
Date: Wed, 30 Jan 2013 12:19:53 +0100

 ሱር በተኽ ለውጢ - ንዕብየትን ክብረትን ኣፍሪቃ



ሓዳስ ኤርትራ 29 ጥሪ 2013
ሓደ ካብ ዓበይቲ ፍጻመታት ናይዚ ሰሙን’ዚ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጋብአ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ እዩ። ካብ ዝምስረት 50
ዓመቱ ረጊጹ ዘሎ፡ ቅድም ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ሎሚ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ምዕባለ ዝውክሎም ህዝብታት
ኣፍሪቃ ከረጋግጽ፡ ዓበይቲን ክቡራትን ዕላማታት ኣብ ቻርተሩ ኣስፊሩ ዝነቐለ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ምትእኽኻባት ዓለምና እዩ።
ክንዲ ዝኾነ፡ ሎሚ ድሕሪ ናይ ፍርቂ ዘመን ጉዕዞኡ፡ “እንታይ ኣፍረየ?” ኢልካ ብወድዓውነት ምግምጋም፡ ነቲ ውድብን
ዝውክሎም ህዝብታትን ኣዝዩ ኣገዳሲ ይኸውን።

ኣብ ቻርተር ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ዝሰፈሩ ዓበይቲን ቅዱሳትን ዕላማታት፡ ሓድነት ህዝብታት ኣፍሪቃ ምድልዳል፤ ብሓባራዊ
ምትሕግጋዝ ቁጠባዊ ምዕባለ ኣህጉር ኣፍሪቃ ምድራኽ፤ ኣብ ውሽጢ ሃገራትን ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራትን ዝኽሰት ግርጭታት
ብመንጎኝነትን ዳንነትን እናፈታሕካ ሰላምን ቅሳነትን ህዝብታት ኣፍሪቃ ምውሓስ ዝብሉን ካልኦትን ነጥብታት ይርከብዎም። የግዳስ፡
ብዘይቀልዓለም ንምዝራብ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣስታት ፍርቂ ዘመን ዕድመኡ፡ ዝቘመሉ ዕላማታትን መብጽዓታትን
ኣብ ምፍጻም ብኣድማዕነት ክዋሳእ ዘይክኣለ ውድብ እዩ። ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ምስ ኩሉ ጽቡቕ ድሌታት ናይ ህዝብታት ኣፍሪቃ፡
መስረትቱን መራሕቱን፡ ምስ ኩሉ ደረት ዘይብሉ ጸጋታት ናይዚ ኣህጉር፡ ኣብ ምድራኽ ልምዓት ህዝብታት ኣፍሪቃ ኮነ፡ ኣብ
ምርግጋጽ

ሰላምን ምርግጋእን ናይዚ ኣህጉር፡ ክጽብጸብ ዝኽእል ኣበርክቶ ኣይገበረን። ክንዲ ዝኾነ፡ ስም ናይዚ ውድብ ኣብ ዜጋታት
ኣፍሪቃ ብሓበን ዝለዓል ኣይኮነን። ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ካብ ዝምስረት ጀሚሩ፡ ውድባዊ ብቕዓቱን ኣድማዕነቱን፡ እናደኸመን
እናለመሰን እዩ ክመጽእ ጸኒሑ። ካብ ድኽመትን ልምሰትን ሓሊፉ እውን፡ ናይ ግዳም ተጸባይነቱ፡ ገፊሕ ባብ ንምትእትታው
ግዳማውያን ሓይልታት ስለዘርሓወ፡ ኣብ በበይኑ ከባቢታት ኣፍሪቃ ዝኽሰቱ ጸገማት፡ ኣህጉራዊ መልክዕ እናሓዙን ዝያዳ
እናተሓላለኹን ብኡ መጠን ድማ ፍታሕ እናርሓቐ፡ ወርቃዊ ግዜን ዕድላትን ህዝብታት ዘኽስር ኩነት ክፍጠር ምጽንሑ፡
ብዙሕ ኣብነታት
ኣሰኒኻ ክግለጽ ዝኽእል ሓቂ እዩ።



እንተኾነ፡ ሕጂ’ውን ዝተኸስረ ግዜን ዕድላትን እናጸብጸብካ ምቑዛምን ተስፋ ምቑራጽን ዘድሊ ኣይኮነን። እቲ ዘድሊ ሕብረት
ኣፍሪቃ ካብዚ ድኹም ኩነተ ህላወ ወይ ኣበረኛ ዓንኬል (Vicious circle) ዝወጻሉ ብልሓት ምፍጣር እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ስም ናይዚ ምትእኽኻብ፡ ካብ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብምቕያር፡ ንምምሕያሹ ዝተገብረ
ጽገናታት እኳ እንተነበረ ዘምጽኦ ለውጢ ግን ኣይነበረን። ስለዚ፡ ኣድማዕነት ናይቲ ውድብ ብምሕያል፡ ዕብየትን ክብረትን
ኣፍሪቃ በቲ ዝድለ ደረጃ ንምርግጋጽ፡ ሱር በተኽ ለውጢ የድሊ ኣሎ። ኣፍሪቃውያን፡ ኣብ ኣህጉራዊ መጋባእያታት
ብብቕዓት ዝውክሎም፡
ወሳኒ ድምጺ ዘለዎ፡ ግዳማውያን ሓይልታት ዘይመልኩዎ፡ ናጻን ንጡፍን ውድብ ምፍጣር የድልዮም ኣሎ። ብርእይቶ ኤርትራ፡
ህዝብታት ኣፍሪቃ፡

ዝጸንሐ ጌጋታት ብዘይንሕስያ ነቒፎም፡ መገዶም ብምቕናዕ፡ ንሱር በተኽ ለውጢን ተሃድሶን ተበግሶ ዝወስድሉ ግዜ፡
ኣብ ርሑቕ ዓውደ
ኣዋርሕ ክስራዕ ኣይግባእን።__



<iframe width="500" height="350" src="
http://www.youtube.com/embed/ZBUewsVdiRc" frameborder="0"
allowfullscreen></iframe>




Hatete_29_jan_2013.png
(image/png attachment: Hatete_29_jan_2013.png)

Received on Wed Jan 30 2013 - 13:51:38 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved