| Jan-Mar 09 | Apr-Jun 09 | Jul-Sept 09 | Oct-Dec 09 | Jan-May 10 | Jun-Dec 10 | Jan-May 11 | Jun-Dec 11 | Jan-May 12 | Jun-Dec 12 |

[dehai-news] ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ፈደረሽን ሩስያ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ

From: Dimtzi Eritrawian Kab German <eritreanvoice.germany_at_googlemail.com_at_dehai.org>
Date: Wed, 30 Jan 2013 12:17:20 +0100

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ፈደረሽን ሩስያ

                   ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ



ሓዳስ ኤርትራ 29 ጥሪ 2013

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብ28 ጥሪ ንፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ፈደረሽን ሩስያ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ምኽትል
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ሚስተር ሚኻኤል ቦግዳኖቭ ኣብ ህንጻ ሃገር ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሚስተር ሚኻኤልን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድና ብሓፈሻ ኣብ ንግድን ወፍርን ድማ
ብፍላይ ዘተኰረ ዘተ ብምክያድ፡ እቲ ዝጸንሐ ዝምድናታት ኣብ ዝምዕብለሉን ቀዳምነታት ክውሃቦ ዝግባእን ጉዳያት ብሰፊሑ
ተመያዪጦም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን እቲ ሩስያዊ ልኡኽን ኣስዒቦም፡ እቲ ዝተዛተዩሉ ዛዕባታት ብግብራዊ ስጕምትታት ክስነ ምእንቲ፡ ወከልቲ
ክልቲአን ሃገራት ተራኺቦም ክቕጽሉዎ ተረዳዲኦም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሚስተር ሚኻኤልን ብዘይካ’ዚ፡ ንኽልቲአን ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያትን
ምዕባለታትን ዘትዮም።

ኣብቲ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሩስያ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእን ንኽሰፍን ተራኣ ከተዕዝዝ፡ መንግስቲ
ኤርትራ ከምዝድግፍ ኣረጋጊጹ።

ድሕሪ’ቲ ርክብ፡ ፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ፈደረሽን ሩስያ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ምኽትል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢን ሚስተር
ሚኻኤል ቦግዳኖቭ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ልዕሊ 20 ዓመታት

ኣቝጺሩ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን ናብ ዝበረኸ ናይ ምትሕግጋዝ መድረኽ ንምድያቡ ድሌት ክልቲኡ ወገን
ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ንህልው ኩነታትን መጻኢ ኣመታትን ናይ’ቲ ዞባ ብዝምልከት ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሰፊሕ
መረዳእታ ከምዝረኸበ ገሊጹ።




H_E_PIA_and_President_of_Russia.png
(image/png attachment: H_E_PIA_and_President_of_Russia.png)

Received on Wed Jan 30 2013 - 13:51:11 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved