| Jan-Mar 09 | Apr-Jun 09 | Jul-Sept 09 | Oct-Dec 09 | Jan-May 10 | Jun-Dec 10 | Jan-May 11 | Jun-Dec 11 | Jan-May 12 | Jun-Dec 12 |

[dehai-news] ናይ ሓሶት ኣለምቲ ፡ ናይ ምግልባጥ መንግስቲ፡ ምእሳር ፕረሲደንት፡ ሞት ፕረሲደንት ..... ሕልሞም ንፋስ ኮይኑ ብምትራፉ ባዶ ኢዶም ተሪፎም። ሽማግለ ህዝባዊ መኸተ ከለንን ከባቢኣን

From: Dimtzi Eritrawian Kab German <eritreanvoice.germany_at_googlemail.com_at_dehai.org>
Date: Wed, 23 Jan 2013 23:20:16 +0100

ሽማግለ ህዝባዊ መኸተ ከለንን ከባቢኣን
ናይ ሓሶት ኣለምቲ ፡
ናይ ምግልባጥ መንግስቲ፡ ምእሳር ፕረሲደንት፡ ሞት ፕረሲደንት ወዘተ ሕልሞም ንፋስ ኮይኑ ብምትራፉ ባዶ ኢዶም ተሪፎም።
ሰኑይ ዕለት 21 ጥሪ 2013 ፡ ማዕከናት ዜና ምዕራባውያን ሃገራት ብኢንተርነትን ካልእ መንገዲ ዝርጋሐ ዜናን ከም
ልማዶም ሓሶታቶምን ሕልሚታቶምን ብዘይ ዕረፍቲ ክዝርግሑ ብምውዓል ፡ ብዛዕባ ምግልባጥ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ፡ ምእሳር
ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ሞት ፕረሲደንት ኢሳያስ ፈነወታቶም ቀጺሉዩ ውዒሉ።
ኩነታት ኣስመራን ምሉእ ኤርትራን ግን ካብቲ ካልእ መዓልታት ብዝኾነ መለክዒታት ዘይፍለን ሰላማዊን ፡ ኩሉ ሰብ ከም
ቀደሙ ኣብ ሰስርሑ ተዋፊሩ ዝውዓለሉን ፡ ዝኾነ ምልክት ናይ ዘይምርግጋእን ምልዕዓልን ዘይብሉን እዩ ኮይኑ ውዒሉን
ዝቕጽል ዘሎን።
እታ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኤሪ-ቲቪ ዘጋጠመት ንእሽቶ ተርእዮ ድማ ኣብ ሓጺር ጊዜን ብዘይ ሕልኽላኻትን ብሰላም ከምእትዓርፍ
ተጌራ፡ ኤሪ-ቲቪ ድሕሪ ውሑዳት ሰዓታት ሰኑይ ኣጋ ምሸት ንቡር ስርሓ ቀጺላ።
ናይ ቢቢሲ (BBC) ጋዜጠኛ ፡ ማርቲን ፕላውተ (Martin Plaute) ግን ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ዕረፍቲ ብዛዕባ ዘየለ
ምግልባጥ መንግስትን ፡ ስጋብ ምእሳር ናይ ፕረሲደንት ኢሳያስ ከም ዝነበረን ክጽሕፍን ምስ ናይ ሓሶት ብጾቱ ሓበሬታ
ክለዋወጥን ክውዕል ከሎ፡ ዳን ኮነል (Dan Connell) ድማ፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ተገልቢጡ ዝርእየሉ መዓልቲ ካብ
ምሕላምን ናይ ወርቂ ኮነ ካልእ ዕደና ኣብ ኤርትራ ዝተዓናቐፈሉ ኩነታትን ከምዝመጸ ብግህዶ ከይሓብአ ስምዒቱ ክገልጽ
ውዒሉ።
ኤይ-ኤፍ-ፒ፡(AFP) ዝተባህለ ማዕከን ዜና ድማ ነቲ ዘጋጠመ ኩነታት፡ ምግልባጥ መንግስቲ ኢሉ ብምጥማቕ፡ ቀጥታ ምስ
ናይ ዕደና ኩባንያታትን ብጽሒተንን ብምትእስሳር፡ ነተን ብሕጂ ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ክገብራ ዝትስፈወለን ናይ ዕደና
ኩባንያታት ብኣሉታዊ ንምጽላው፡ ዝዓለመ ሓሶታት ክትዝርግሕ ውዒላ።
እዘን ሕሱራት ምንጭታት ሓበሬታታትዚአንን ካልኦት ካብአን ዘይሕሻን ፡ ቅድሚ 5 ኣዋርሕውን ሞት ናይ ፕረሲደንት ኢስያስ
ብጻዕቂ ብምዝርጋሕ ፡ ኣቓልቦ ተዓዘብቲ ካብ ሕማምን ድሓር ድማ ሞትን መለስ ዜናዊ ንምጥዋይ ይጽዕራ ምንባረን ዝዝከር
እዩ።
በቲ ናይ ሽዑ ናይ ሓሶት ወፈራኦም ዘውረዶ ምድንጋራት ስለዘይዓገቡ ድማ እንሆ ሕጂ እቲ ሞይቱ ዝብልዎ ዝነበሩ ፕረሲደንት
ኢሳያስ ተኣሲሩዶ ተገልቢጡዶ ከምብሓድሽ ሞይቱዶ ዝብል ወረ ብምንዛሕ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዕንወት ንምምጽእ
ህርድግ ይብሉ ኣለዉ።
መንቀሊ ናይዚ ምግልባጥ መንግስቲ ተጠሚቑ ዝውዓለ፡ ብቐሊሉ ብሰላም ዝዓረፈ ኣጋጣሚ ግን እንታይ እዩ? ጸላእቲ ኤርትራን
ህዝባን መንግስታን፡ በቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ተበጊሱ ዘሎ ናብ ተኻፋልነት ህዝቢ ዘተኮረ ዓቢ ናይ ወፍሪ ናህርን ኣብ
ዕደና ዝግበር ዘሎ ናይ ዕብየት ምውንጫፍን ስለዝረዓዱን ተስፋ ዝቖረጹን ብዝገበርዎ ድፍኢትን ሽርሒታትን ምዃኑ ዘጠራጥር
ኣይኮነን።
ኢርትራ ኣብ 2011 ኣብ ዓለም እታ ዝዓበየ ቁጠባዊ ምዕባሌ ዘርኣየት ሃገር ኔራ። እቲ ዕብየት ብሳላቲ ብዘይ መጠን ዓቢ
ወጻኢ (ወፍሪ) ዝተገብረሉ ትሕተ ቅርጺ (infrastructure) ናህሩ ከየጉደለ ይምርሽ ኣሎ። ደው ከብሎ ዝኽእል
ከምዘየሎ ድማ ትማል፡ ብቕድሚ ትማልን ቅድሚኡን ተራእዩን ተመስኪሩን ኣሎ።
ዓወት ንሓፋሽ
ሽማግለ ህዝባዊ መኸተ ከለን 22.01.2013




Iza_Hager_Nihaliwa.jpg
(image/jpeg attachment: Iza_Hager_Nihaliwa.jpg)

Received on Wed Jan 23 2013 - 19:59:54 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved