ብጉዳይ ሃገርና ከነዕልል ከሎና ንፈጣሪ ጎረቤት ጸላእትና ጌሩ ምፍጣርና ነማርር። ካልእ ህዝቢ ብጎረቤቱ ዝተበደለ ከምዘሎ ንዝንግዕ። ዝኸኣል እንተዝኸውን ሃገርና ካብዞም ሓሳዳት ጎረቤትና ኣርሒቕና ምወሰድናያ ንብልውን ኣሎና። ጎሬቤት ኣሜርካ እንተንኸውን ከምዚ መክሲኮ ዘለውዎከ እንታይ ምኾንና? ጭፍ ንጫፍ ዓለም ዘራኽብ ዘይብልና ከለናኳ ዘይገደፉና። ንሕና ግዳ ኣብ ኲናት ንስዕር፡ ኣብ ባይቶ ነስምዕ፡ ኣብ ሞጎተ ንረትዕ። ህዝብና ሓደ፡ ልብና ሓደ፡ ሕብርና ሓደ፡ ዕማምና ሓደ፡ ሃይማኖትና ክልተ ከም ሓደ። እዚ ማንም ዘይረኽቦ ዓቢ ጸጋና እዩ። እንቋዕ ኣልዒልካ ዝኽየድ ኣይኮነ። እቲ ክንገብሮ ዘሎና ጅግንነት ኣቦታትናን ሰውራናን ከይድፈር ልእላውነትና ዝፈታቱኑ ዓበይቲ ይኹኑ ንእሽቱ ሓይልታት መንን ደቂ መንን ምዃና ደጋጊምና ምምሃሮም እዩ። ሓቀኛ ቅኑዕ ራኢ ስለ ዘሎና ዓወት ኩሉ ግዜ ምሳና'ዩ።